ነጻነት ደማቕ’ያ - ኣይተህስስዋ በጃኹም
ሸሪፍኩም ጨሪምኩም - ንዓኹም ብዝጥዕመኩም

ነጻነት ናይ መሬት - ይሳነይ ምስ መሰል
ኩሉ ወዲ ሃገር - ብማዕረ ክሑገስ
ሕጊ ይሃልወና - ንኹሉ ዝጥርንፍ
ከይከውን ንጠንቐቕ - ሚዛኑ ዘይህዱእ

ንስራሕ ብሓባር - ንረብሓ ሃገርና
ሕጊ’ውን ይስፈን - ዝመስል ንዓና
ብሰብ ዘይኮነስ - ንመራሕ ብሕጊ
ልዑላውነት ሕጊ’ዩ - ሓድነት ዘፍሪ

ሃገርና ነቐድም - ካብ ጥቕሚ ንላዕሊ
ይኣክል ፍልለ - ንቀየድ ብሕጊ
መሰረት ነንጽፍ - ከይንኸውን ተሓተቲ
ንዝመጽእ ወለዶ - ባይታ መሳፍሒ

እምበር ንሕና ድኣ - ጽባሕ ንግሆ ሓለፍቲ
ስራሕ’ዩ ዝተርፍ - ነባሪ ሓወልቲ
መራሕትን ህዝብን - ከይኮኑ ማይን ጸባን
ብሓደ ኢድ ጣቕዒት - ፍጹም ዘይደምቕ

ሓረስታይ ብዘይ ማይ - ከመይ ኢሉ ከልምዕ
ሃገር ብዘይ ዜጋ - ከመይ ኢላ ክትልዕል
ኤርትራ ብዘይ ቅዋም - ጎደሎ ከይትኸውን
ይኹን ናጽነትና - ሙሉእ ዘቕስን

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...