ናጽነት፣ ናጽነት-ክብሪ
ልዕሊ-ባህሪ፣ ህያብ-ፈጣሪ
መልክዕ፣ መሰል፣ መናበሪ።
   ናጽነት፣ ናጽነት-ሃሪ
ጸሓይ-በርቂ፣ ብርሃን-ኩሕሊ
ልዕሊ-ባህሪ፣ ህያብ-ፈጣሪ
መልክዕ፣ መሰል፣ መናበሪ
   ትበሃጊ፣ ትፍቀሪ።
 
በ’ዕዋፍ-ሰማይ፣ ዓሳ-ባሕሪ
እንስሳታት፣ ተኽሊ-ቡቕሊ
መናብርቲ፣ ዘርኢ-ምድሪ
   ትበሃጊ፣ ትፍቀሪ።
 
ብውሉድ-ኣዳም ፈጻም-ሕድሪ
ደፋእ-ድንኩል፣ ጻሕታር-ጸብሪ
በዓል-መጽሓፍ፣ ተመራማሪ
በዓል-እምነት፣ ተማህላሊ
   ትበሃጊ፣ ትፍቀሪ።
 
ናጽነት፣ ናጽነት-ግርማ
ትትከሊ ከም ዕላማ
መቐረትኪ መዓር-ጸባ
ተናግፊ ካብ ጸበባ።
 
ናጽነት፣ ናጽነት ሽምዓ
ትብጽሒ ብመብጽዓ
ተፈታዊት ሕጻን ቆልዓ
ኣኻኻቢት መርዓ-ደርዓ።
 
  ናጽነት፣ ናጽነት-ዕሊ
ኣኽሊል-ዘውዲ፣ መሓበሪ
ናይ መንነት፣ ሓበን-ዝኽሪ
  ንስኺዶ ትሰኣኒ
ብሰብ እዋን ትሙቕነኒ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...