ኣንታ ተጋዳላይ!
ግዜ ረኺበ ክምርምር ንዝተጠናነጉ ታሪኻት
የርብሕ ይድምር ይፈታትሖም ግድላት
ብኣኻ ግን ገና ይደናገር ይደባለቑኒ መዝገባት
ኣንታ ተጋዳላይ! እስከ ሓንሳብ ክሓተካ
መብጽዓ ስዉኣት ሕድሪ’ሎ ኣብ ዝባንካ
ምእንቲ ውጹዓት ቃልሲ‘ዩ ነይሩ ድሌትካ
ብሓዊ ዝተሳሕለ ብሱልዩ ወዘተ ይብሉኻ
ዶምበር ከምቀደምካ ኣብ መትከልካ’ለኻ
ኣንታ ተጋዳላይ! ትዝክሮ ኢኻ ይብል
መጺኡልና ተባሂሉ ክዕለል ክዝለል
ይካኣሎ ክሰምዩኻ ኩሉ ከም ትኽእል
መርሃዊ ክደግሙኻ ሰላም ከም ተዕስል
ሎሚኸ ብምንታይ ኮን ይገልጹኒ ትብል
ኣንታ ተጋዳላይ! እንድዒ ሎምስ ይጠራጠር
ህዝቢ ከፊኡዎ ብኢሱዎ ሽግር
ከም ጊላ ተመዝሚዙ ወትሩ እንከማርር
ይሰምዑዶ ኣእዛንካ ትርኢ ትምርምር
ከም ቀደምዶ’ለኻ ምስ ህዝቢ ትመክር
ኣንታ ተጋዳላይ! ይኣምነሉ ነቲ ናይ ገድሊ ቅያታትካ
ንዓይ ዘሕዝነኒ ከም ከብቲ ሓደ ክጓስየካ
ረሳሕ ታሪኽ ክጽሕፉ ኣብ ልዕሊ ታሪኽካ
ብዘይ ሰርሑዎ ክሽቅጡ ሰሪቖም ዝናኻ
ከመይ ግን ተስቅጥ እምበርዶ ብሂወት ኣለኻ
ኣንታ ተጋዳላይ! ነዓባ በጃኻ ናብ ዕላማኻ ተመለስ
ትማሊ ከም ዘይበልካ ታሪኽ’ዩ ዝውረስ
ብረት ከም ዘይዓጠቕካ ክብርኻ ክትመልስ
ምስ ጀጋኑ ከም ዘይነበርካ ተቢዕካ ትቃለስ
ሎሚ ደኣ ስለምንታይ ሱቕ ትብል ትዕበስ
ኣንታ ተጋዳላይ! በጃኻ’ባ ኣይትተሃመል ዓይንኻ ኣይተዓመት
ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ይኹኑኻ ኣብነት
ክምስሉ በጊዕ ኣውደኣመት ንሕርዶ ዝተቐረበት
የብልዑዋ የስትይዋ ቁሩብ ስብሒ እንተ ደረበት
ንከብዶም ክብሉ እምበር ንሳስ ኣለዋ ናታ ዕለት
ኣንታ ተጋዳላይ! ኣለልዮም ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ሽግር
ሃመማስ ይፍትን ንንህቢ መሲሉ ከደናግር
ብዘይካ ርስሓትን ሕማምን ዘይርከቦ መዓር
እናተባህለ ዝዕለል ስለዘለዎ ኢዩ ቁምነገር
ተጋደልቲ ዝመስሉ ኣራዊት ስለዝመርሑዋ ሃገር
ስለዚ ኣንታ ተጋዳላይ! ኣብ መንጎኻ ኣለዉ ሃገር ዝራስዩ
ብድሕሪኦም ሳዕሪ ከይትቦቅል ብዕድላ ዝዋገዩ
ዓለም ንቕድሚት ክትውንጨፍ ንድሕሪት ዝጎዩ
ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ፈጺሞም ዘይርእዩ
ነዚኦም ኣይትእመን መፍትሕ ራህዋ ምሳኻዩ
ስለዚ ኣንታ ተጋዳላይ! ፍርቂ ዓወት ኣምጺእካ ፍጹም ኣይዛነይን
ከይወዳእካዮ መንገዲ እፎይ ኣይበሃልን
ከይሓብሓብካዮ ንህዝቢ ምሉእ ኣይከውንን
ከይሰዓርካዮ ንጨኳኒ ሰላም ኣይሰፍንን
ዝጀመርካዮ ገድሊ ዛዝሞ ጻዕርኻ ከይበንን
ስለዚ ኣንታ ተጋዳላይ! ብገዛእ ሃገርካ ተሸቕሪርካ ካብ ምንባር
ገፈል ተገፊፉ ጽሩይ ማይ ክጸርር
መጋረጃ እከያት ተቐዲዱ ቅንዕና ክስዕር
ናጤባ ተኣልዩ ህዝቢ ብሕጊ ክመሓደር
ዘመነ ምጉንባሕ የብቅዕ ብደውካ ኣይትተኣሰር
ስለዚ ኣንታ ተጋዳላይ! ህግደፋውያን ክእለዩ አእጃምና ንሓውስ
ጸልማት ተቐንጢጡ ፍትሒ ንኽነግስ
መንሽሮ ሃገርና ጠፊኡ ህዝቢ ንኽድበስ
መሪሕ ተራ ተጻወት ተመኩሮኻ ለግስ
ወራሲ ተበጊሱ ኣሎ ኣያ ኩኖ ንንኡስ