እዞም ሰባት መኣዶም በሊዖም ተመስገን ዘይብሉ
ብመኣዲ ደቆም ዘሽካዕልሉ
ወርሒ ግንቦት ምእንቲ ክጽምብሉ
ምህልላ ህዝቢ እንተዝቕበሉ
ዝተዛረብናዮ ይኣክል እንተዝብሉ
በዓል ተራ ክዛረብ እብረ እንተዝዕድሉ፣
 
ምስ ዓበይቲ ክመኽሩ ኣብ ባይቶ እንተዝውዕሉ
ጻማ ‘ቲኹሉ መስዋእቲ እንተዝብርብሩ
         እንታይኮን ምበሉ።
 
ዓይኒ እንተዘይዓዊሩ ሕልና እንተዘይተደፊኑ
ምበሉ እወ ምበሉ! ምረዓሙ ምተቐበሉ!
ትጉሽተትና ምበሉ ምስሰቦም  ምተጸንበሩ
   ሽዑ ምወገሐ ወገ...ግ ምበለ ንኹሉ።
 
ግን!! እንተመሪጾም ከም ኣመሎም ክቕጽሉ
ግንቦት እናበሉ ዓመታት ክድምሩ!
ካብ’ዛ ርብዒ ዘመን ካብዘይተማህሩ
ይኽደነና ደኣ’ምበር ክልክሙ’ዮም ከድናግሩ
      ክሳብ ዝቕበሩ ኣበይ ከይበራበሩ።

ወይ ሰብ ደቀይ!
ዛ’እዋን ከኣ ሓንጊዳ ምስሰኣነት ፈራዲ
ክንዲ ዘንገሱ ክንዲ ዘቐበሉ ዘውዲ
ጉድ ረኺቦም ወለዲ! ተኸልኪሎም መኣዲ
ከይዝትዩ ከይመኽሩ ዘርብሕ ንዓዲ
ኣፎም ተለጒሙ ተኣሲሮም ብቐይዲ
ይማትኡ’ለዉ ተደናጊርዎም መንገዲ።
 
ክንዲ ዘስነቑ ክንዲ ዝኾኑ ዋልታ
ሰኣን ኣላዝቦስ በረኻ ሰፊሮም ከም ሽፍታ
እዛ ናይ ድሕሪ ነጻነት ዕስክርና ንትሩቡሊ ሓሊፋታ
ንሓዳር ንቓል-ኪዳን ዘሪጋታ
ንሃገር ብምልእታ ሓቢሳታ
ፍሕት ከምዘይትብል ዓትዒታ ሒዛታ።
 
ኣቦታት  ከይናብዩ ደቆም ከይጠብሱ ብርኩታ
እታ እንኮ ዕድሎም ማሕረስ’ኳ ንድሕሪት ተጎቲታ
ድኽነት ዓሊላስ ንመግዛእቲ ሓሊፋታ
ኣሳፊሓትሉ ምድርቤት መሊኣቶ ባይታ።
 
ኣደታት ሞጎጎ ከይድርጉሳ ከይካስሳ ጣይታ
መጥሓነን ከይወቕራ ኣሊኸን ከይልንቅጣ
ጻዕዳ ጣፍ ለዊሰን ስርናየን ከይሕምብሻ
በዓላት ከየኽብራ ጸሚቖን ስዋ ዳጉሻ
ቡን ኣፍሊሐን ሰቲ ከይንስንሳ
ትወን ጠፊኣተን ኣሰራ ብልሓታ
ጠቐር ተኸዲኖም መሶብ ምስ ሰተታ
ለይትን ቀትርን ይሕቆና’ለዋ ብኢሕታ ብእህህታ።
 
ወላ’ኳ ብሓቦ መዓንጥአን ኣሲረን ብመቐነታ
ክሓልፍ’ዩ እናበላ እንተተጸመማ ብስቕታ
ይሕምሰን ይሳጽየና’ሎ ስክፍታ።
ኣደራዕ ወሪዱወን!
ምስጢር ውሻጠአን ንፋስ ኣትያታ
መጋርያ ዓባይ ህድሞ ደልሃመት ዘሚታታ
ዝሕልሕል! ሕልምልም! ኣቢላታ
ኣኻእሎ’ሃበን!!

ግንቦት ዘምጽኣቶ ግንቦት ክሳብ ትረኽበሉ መተካእታ።
 
ምናልባት ግን፣
ግንቦት ዘምጽኣቶ ግንቦት እንተዘይቀይራቶ
ዛጊት ከምዝተረአ  ኣብሖ!! ትብላ’ላ ትጽቢት ንባይቶ።
 
ከም’ቲ ልሙድ ከም’ቲ ባህሊ ከም’ቲ ዕሊ
ናይ ወራዙት ናይ ዓበይቲ ናይ ወለዲ!
ባይቶ ውዒልካ ጥራይ ኢድካ ገዛ ስለዘይእቶ
ሃየ ሓደራ ትብል ኣላ ግንቦት ዕማምና ክንድህስሶ
ጸራሪግና ዝተበላሾ፣ ኣለሊና ክንግርሶ
ኢድ ብዙሓት ነቲ ጾር ምእንቲ ኸፍኩሶ።
 
ዝሰግእ እንተ’ሎ ይግበረሉ ሳርሶ
ከይግዳዕ ድማ ይወስኸሉ መኣንጉቶ።
ግዜ እንተጠፊኡ ኣብ ስሓቦ ጉተቶ
ጣዕሳ ዋጋ’ብሉን ምስተዘርገ ባይቶ።

                             (ግንቦት 2010)  

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...