ዓቕሊ ‘ንተብዝሐ - መሲልዎም ፍርሒ
ልቢ የዕብዩ - ‘ንተመረጸ ስቕ
ኩሉ ከርክበሉ - ምስ ኣኸለ መዓልቱ
ትኽስ እንተበለ - መሲልዎም ድቁስ
ሰይ ሰይ ኣብ ልዕሊኡ - ዕረፍቲ ዘይብሉ
ኣብኣ ትረኽብዋ - ዓቕሉ ‘ንተወዲኡ
መህደሚ ዘይብልኩም - ኣብኣ ክትቅርቀሩ
መስተውዓሊ ሕዝቢ - ብዙሕ’ዩ እቲ ዓቕሉ

ግና ‘ንተንቂዱ - መላሲ ነይብሉ
ዓጋቲ ኣይርከቦን - ከውጻ’ኩም ፈንቂሉ
ፈታዊ ዘይብልኩም - መዑቀቢ ከይትረኽቡ
ዕረ ዝመልሓስኩም - እከይ’ዚ ግብርኹም
መን ይፈትወኩም - ኣሚኑ ከቕርበኩም

ምትላል ልማድኩም - ትዕቢት’ዚ ኣመልኩም
ቀሪቡ መዓልቲ - ዝወጸሉ ጉድኩም
ኩሉ ፈሊጥኩም - እንታይ ይሕሸኩም
ዕረፍቲ ግበርሉ - ሰይ ሰይ ኣብ ህዝብኹም
ልጓም የድልዮ’ሎ - እከይ መምሪሕኹም

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...