ባጽዕ ቆሪራ!
እንታይ ሓድሽ ነገር - መጺ’ኡ ኣሰንቢድዋ
ዓዲ ሰሓቕ ጸወታ - ምስ’ቲ ለዋህ ህዝባ
መዘናግዒት ኣጋይሽ - ዓቢ ተራ ኣብ ቁጠባ
ሕጂ ግን ኣይግድን - ዝሒላ ቆሪራ
ዘይለመደቶ ክፍኣት - ክእለም ርእያ
ከብዳ ሓቒፋ - ምርኣዩ ፈንፊና
ቁሪ ፈሪሑ - ሰይጣን እንተወጸላ
ተሓባባሪት ከይትበሃል - ክሊማ ቀይራ
ካብ ካልኦት ከተማታት - ወቐሳ ከይመጻ
ጋኔን ወዲ ጋኔን - መዑቐቢት ተባሂላ
ነገራት ክትሕብር - ዝከኣላ ፈቲና
ተሓታቲት ከይትኸውን - በ’ሕዋታ ብደቃ