እንተ ንብዓት'ሞ ይፍልፍል ይዛሪ
ንገጸይ ባሕጒጉ መልክዐይ ቀያሪ
እንተ ንሳቶም ግን ግብሮም'ዩ ሓባሪ
የናውሑ ስቓየይ ይጠብሱኒ ኣብ ጓህሪ

            ኣካለይ ነዲዱ ናብ ቃሬት ክቕየር
            መትነይ ተነቒሱ ብቃንዛ ክጭድር
            ይብዳህ ግን ግዜ ብጽንዓት ይንበር
            እንተ ንሳቶም ግን ይኣልሙ መዋጥር

ይማስን ሰውነተይ ይስልኪ የንቀይቅይ
ግዜ ነዊሑኒ እወ ተዳኺሙ ሓይለይ
እዚ'ኳ ኣነ ኮይነ ይሓልፎ ብዓቕመይ
እንተ ንሳቶም ግን ይመጽዩ ንደመይ

            ኣእጋረይ ደኺመን ጾር ከቢዱወን
            እናሻዕ ዝራባሕ ሽግር ተሰኪመን
            ይስገር ኣሎ ግዜ ከም ምሕላፉ ዘመን
            እንተ ንሳቶም ግን ኣብ ዝባነይ ሸነን

ዝደጋገም ዕጫ ይወርደኒ ዝመረረ
ከይወግሐ ይመሲ ይጽልምተኒ እናሓደረ
ስለ ሓቦ እምበር እዚ'ዶ ምተጾረ
እንተ ንዐኦም ግን ጸልማት'ዩ ዝሕረ

            ሕጂ ግን ይኣክል ሽግረይ ኣብዚ የብቅዕ
            መዓንጣ ሸጥ ይበል ፈታውየይ ይጽናዕ
             ኣዒንቲ ቋሕ ይበላ መብራህቲ ይኮላዕ
             እንተ ንዐኦም ግን ይውረዶም ኣደራዕ

ክልተ ኣእዳዎም ብደም ዝተሓጽቡ
ኣመንቲ ድንቁርና ናይ ጽባሕ ዘይሓስቡ
ዝሙታት ሕልና ኣሕሊፎም ዝህቡ
ዝሃቦም ጭካነ ከምኦም መን ረኺቡ

            ጠንቂ ስቓየይ መከራይ ኢዮም ይለለዩ
            ሰቦም ዝበተኑ ኣዒንቲ ዘድመዩ
            ስጉምቲ ይወሰድ እዚ'ኳ ደንጒዩ

            ዝሙታት ሕልና ሎሚ ይጸሃዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...