ወርሓቱኳ ብልክዕ ኣይዝክሮን’የ ኣብ 1979 ኣብ ዓምዲ “ትፈልጡ’ዶ?” ዝብል ኣርኣስቲ እታ ብብዙሓት ዝተነበት “ጽላለ’ዶ ዝርወት?” ትብል ኢያ ነይራ። ኣብታ ዓምዲ፣ ኣኽላባት ኣብ ላስ ቨጋስ ዝተባህለት ከተማ ከምዝምርዓዉ ተዘንቱ። እቲ ዓምዲ ቀጺሉ’ውን ርእሰ ማላውያን ኣብ ርእሰ ማልነት ነቲ ብርሂጸ በላዕ ዝተደለበ ምጣኔ ሃብቲ ካብ ነብሶም ሓሊፎም ነዃልቦም የመርዑውሉ ኣለዉ፣ እሞ እዝስ “ጽላለ’ዶ ዝርወት?” ዝብል ኢይ ነይሩ። ኣብ መደምደምታኡ “ሃጸይነት ሙሽሙሽን ወዳቕን እዩ” ይብል።

ልክዕ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት እቲ “ጽላለ’ዶ ዝርወት” ተባሂሉ ዝተዘንተወ ተረሲዑስ፣ እቲ ዝገርም ፕረሲደንት ኢሳያስ ጽላለን ዝርወትን ከም ንቡር ንሕዝቢ ኤርትራ ክቅበሎ ምህቃን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሃለውስን ሃንደርን ምጥሓሉ ኢዩ። ገለ ካብቲ “ጽላለ’ዶ ዝርወት” ዝብሎ ኣብ ኣስመራ ዝርኣኽዎ በብግዜኡ ከዘንትወልኩም’የ። ንሎሚ ግን እስከ ብኣላክሳንደር ፑሽኪን ንጅምር።

ናይ መጀመርያ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኸሎ ሓወልቲ ናይ ኣለክሳንደር ፑሽኪን ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ?

ዝገርም’ዩ። እዝስ “ጽላለ’ዶ ዝርወት?” ያኢ ኤርትራ ናይ ጀጋኑ ዝኽትምና ከምዘለዋ፣ ካብ ራሻ ክትልቃሕ? ጋዶ እኳ እዩፑሽኪን ድኣ መዓስ ዝዝክሮ ሲኢኑ ጀግና ስውእ ሓሰበላኸ እንታይ ኮይኑካ? ጀግና ስውእ በርሀ ጻዕዳኸ ረሲዕካዮ ዲኻ? ብዓቢኡ ዓዋተ’ኸ ምዝካር ዲኻ ሲኢንካዮ? ሓርበኛታት ሃገራውያን ኣቶ ዓብደል ቃድር ከቢረን ራእሲ ተሰማን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ቃልሲ ናጽነት ንኤርትራ ኣይጀመርዎን ዲኻ ትብል ዘለኻ? እንተ እቲ ማሕቡስካ ዘሎ ኣቡ ዓረኸ? ዘይጀግና’ዶ መሲሉካ?

እቲ ዘስደምም ግን ሚኒስትሪ ዜና ምስ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተሓባቢረን ሓደ ሓይሊ ዕማም ምቛመን እዩ። እቲ ዕማም ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣለክሳንደር ፑሽኪን ዘሎ ምምስሳል ዳህሳስ ክገብራ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ዘገርም ዝበልዎ ድማ ድሕሪ ኣለክሳንደር ፑሽኪን ድሕሪ 200 ዓመት ዝተወልደ ጂኒየስ ኤርትራዊ ብሓቂ እንተረእናዮ ኢስያስ ኣፈወርቂ ኢዩ እናተባህለ ክዝንቶ ዊዒሉ። ኣብቲ ምምራቕ ሓወልቲ ናይዚ ምህዞ ባዕሎም “ጂኒየስ” ዝኾኑ ከም በዓል የማነ ገብረኣብን ዓሊ ዓብዱ ዩኑስን ተረኺቦም።


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...