መጽአት ነጻነት መጽአት ብደቀምሓረ
መጽአ ተጋዳላይ መጽአ እናተወርወረ
ኣኻውሕ ፈንቂሉ እናሰባበረ
ዕርድታት ጥሒሱ እናፈከረ
እታ እንኮ ሂወቱ መስዋእቲ እናኸፈለ።

ሕጊ ንኸስፍን ከመሓድር ብማዕረ
ይመጽኣ’ሎ ተጋዳላይ በዓል ስረ
ክሃንጽ ሃገር ከይወዓለ ከይሓደረ
ክበሃል ከሎ ግንቦት ምስወዓለ።

ውዒልካዶ ኣብኡ ኔርካዶ ሽዑ!
ቀሪቡ’ሎ ይመጽኣ’ሎ ሃብሮም ጥሒሻ ይሓንና’ሎ
እንታይ ሒዝና ኢና ንቕበሎ እንታይኮን’ዩ ባህ ዝብሎ
አረ!  እንታይኮን’ዩ ዝኣኽሎ ክበሃል’ከሎ።

ውዕልካዶ ኣብኡ ኔርካዶ ሽዑ!
ድምጺ-ሓፋሽ ዝፈነወቶ ወረ
ከም ቃል መጽሓፍ እናተደግመ
ኣቤት’ወ ክበሃል ከይተጻረ
ውሽጠ-ውሽጢ ክሰርጽ ከይተመመ።

ውዒልካዶ ኣብኡ ኔርካዶ ሽዑ!
ደበኽ ምስበለት ወርሒ ግንቦት
ሕልምን ባህግን ምሰ’ግሃደት፣
ወያ ነጻነት መጺኣስ ፈቐዶ ክሳድ ክዕምር ጓይላ
መወዳድርቲ ከምዘይብላ ርእሺ ኹሉ ተሳፊራ
ክትውደስ ክትከብር ከም ታቦት ተሰቒላ
ኣስላምይ ክስታናይ ክሰግዱላ
ሰብኣይ-ሰበይቲ ክድብሉላ።

ኔርካዶ ሽዑ ውዒልካዶ ኣብኡ!
ወጺኦም ኢትዮጵያ ኣትዮም ሻዕብያ
ተባሂሉ ዝደመቐ ጓይላ ዝተራእየ ጉያ ዝነበረ ዝላ
ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ’ሎ ነ’ድንቖት ንቕያ።

ናይ ልቡ ምስረኸበ ዝተመነያ
ሕጻን ሽማግለ ብዘይ ዋርድያ
ኣብ ቅርዓት ክትሓድር ክትፍሳህ ተዛንያ።

ነጻነት ስማ ብኢድ ዘይትድህሰስ ብዓይኒ ዘይንርእያ
ከም ጸሓይ በሪቓ ከም ሩባ ዛርያ
ብድምጺ ብዙሓት ክትማሙቕ መጋርያ።

ውዒልካዶ ኣብኡ ኔርካዶ ሽዑ!    
        
እታ ዝበረቐት ለውጢ ተኣምር ተባሂላ
ኩሉ ክቕበላ እዝጊ’ውን ክሓርያ
ኣእዳዉ ዘርጊሑ ባሪኹ ከፋንያ።
እወ ኣሰር ነጻነት ዝሰዓበ ኽረምቲ ዝተፈነወ ራህያ
ዝበቖለ እኽሊ ዝሳዕረረ ሙግያ
ማና ከምዝፈሰሰት ማዓጹ ሰማያት ኣርሕያ
ብምልኣት ክትዕንግል ንዝተጸበያ
ኢድ ኣባዥጎ ብጋህዲ ተራእያ
ራህዋን ሰላምን ኣመኣዛዝያ
ንሕጻን ነጻነት ከተታትያ። (ይቕጽል!!)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...