መን’ዩ ሃዲሙ?
ስርዓት መሪርዎ - ካብ ሃገር ወጺኡ
ነብሰይ ኣውጽ’ኒ - ኣብ ዘይፈልጦ ኣትዩ
እንዳነደደ እንከሎ - ብፍቕሪ ሃገሩ
ንዘይንጹር ዕላማ - በረኻ ምስፋሩ
ንሱድ’ዩ ሃዲሙ - ኣርዑት ዝኸበዶ
ዝሃደመስ ኣሎ - ተጸጊዑ ኣብ ዝለመዶ
ሕልንኡ ሸይጡ - ምጥቓዕ ዝኣመሉ
ክብሪ ሃገር ኩሉ - ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ
ዝሻየጥ ዘሎ - ኣብ መንበር ተኾዲሙ
ክውንነት ንርአ - ይኣክል ሽፍንፍን
ስቓይ ዜጋታት - ክርኢ ዝስዕስዕ
ብኸበሮ ዘሰኒ - ንብኽያት ኣዴታት
ሃገር ‘ንዳደድዋ - ክርቢት ዘቐብል
ካብ ሓቂ ሃዲሙ - ኣብ መሕልም ዝነብር