ሕሹዂ ሕሹኽ - ሕሹዂ ሕሹዂሹኽ
ርእሲ ድንን - ዓይኒ ውሪሕሪሕ
ብዝሒ ራዕዲ - ምጥርጣር ጎኒ
መን ንመን ኣሚኑ - ክዝቲ ናይ ልቢ

ንፋስ ድዩ ዑፍ - ዘቀባብል ወረ
ወላዲ ንውሉድ - ውሉድ ንወላዲ
ኣብ ቃልዕ ሜዳ - ኣሕሊፍካ ንዝብኢ
ተበላላዕ እዩ - ዘመን ውራ ውራ ወረ

ነዛ ሓንቲ ከብዲ - ተመስገን ‘ዝሕርማ
ሓውኻ የሕሊፍካ - ንመን’ዩ ‘ቲ ረብሓ
ድሙስ’ያ ይበሃል - ትበልዕ ውላዳ
ሓውኻ ሂብካዮ - እኹል መሲሉካ

ዝለመዶ ስኢኑ - ደም ምስ ሓረሞ
ኩሉ ኣጻፊፉ - ናባኻ ክዘውር
ጊደኻ ኣኺሉ - ክትብል ሽቑርር
መንኮን ሓሲዩለይ - ዝሓስቦ ናይ ውሽጠይ

ክትብል ትጅምር - ጽላሎትካ ትጥርጥር
ዘመናት ሓሊፉ - ከምኡ ዘሕለፍናዮ
ጸላኢ ክንምክት - ምስጢር ክንዕቅብ
ሕጂ ኸድኣ’ሞ - እንታይ ተረኽበ

ደጊምካ ሕሹኽሹኽ - ተሓጺብካ ኣብ ጭቃ
መን ኣሎና ድዩ - ከዳዕ ዕሱብ
ናይ ሑጓ ምስጢርና - ንግዳም ዘውጽእ
ብኣና ንዓና - ናትና ዋኒና
ንዘቲ ብሓባር - ንኹልና ረብሓ
ጻህያይ ወፊርና - ክርዳድ ኣሪና
በለጸኛ ኩሉ - ነፊና መሚና
ስስዐ ‘ወጊድና - ንዓይ ንዓይ ምባል
ናይ ሓባር ዋኒና - ንዕመሞ ብሓባር


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...