ውዒልካዶ ኣብኡ ኔርካዶ ሽዑ! (1)

መሬት ተዓፊኑ ጣቓ ተኸዲኑ
ሙቐት ጸሓይ መሪሩ ኣቕጽልቲ ሓሪሩ
ግንቦተ-ሰነ ምብሓቱ እዋን መስኪሩ።

ይኹንደኣ’ምበር ንሱ ከይዓጀቦም
ወድን ጓልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም
ኣብ ናይ ብሕቶም ዓለም በትሪ ተስፋ ተመርኵሶም
መናእሰይ ደቀ-ስመራ ብዕላል ተመሲጦም
ኮዘን ክብሉ ክዛወሩ ጎደና መሊኦም
ፈታዊ የሐብኑ ዓይኒ ሓሳድ ይድፈነሎም።

ሰማይ ሕብሩ ተቐይሩ
ጸዓዱ ኣኽራናት ዝመስሉ ሰንሰለት ደመና ተጻዒኑ
ገሊኦም ይጎዩ ገሊኦም ይኹመሩ
ጽዕቕ-ስሕው ኢሎም ይረኣዩ በብሰፈሩ።

ንሃሩር ንሙቐት ኣባሪሩ
ሓጋይ ንኸፋኑ ክረምቲ ሓንጊሩ
ዝሑል ንፋስ ሽ...ው.. ይብል በብመኣዝኑ።

ይሓድ-ይብዛሕ ማይ እንተኻፈ
እቲ ዝወረደ ካብ ባይታ እናሃፈፈ
ይዕብልኽ ይተክኽ ጽርግያ ከይተረፈ
ይህንጥስ ይስዕል ነዚ ዝጸየፈ
ደሃይ ክረምቲ ወዲ ኣዳም ይትስፈ።

ሕጊ ተፍጥሮ ኣኽቢሩ ዑደት ምቕጻሉ
ንተሓድሶ ንለውጢ ወቕቲ ምቕያሩ
ሂወት ክዕንግሉ ኣዝርእቲ ክቦቕሉ
ጸብሪ ክዕበጡ ክወልዱ ክፍልፍሉ
ይጸግእ-ይኣይም ሓረስታይ እዋን ተኸቲሉ

የፍልስ የእጉም እዝግሄሩ ኣሚኑ
ንጽባሕ ዝኸውን ዘመሓይሽ ዕድሉ።
ኔርካዶ ሽዑ ውዒልካዶ ኣብኡ!
ኣብ’ቲ እዋን ክረምቲ ምቕልቃሉ

ሃውናት መዳፍዕ ብባጽዕ ኣቢሉ
ነጎዳ ተመሲሉ ደመና ተሸፊኑ
ሰማያት ዓሪጉ ደብረ-ቢዘን ዘሊሉ
ጎልጎል ሰምበል ኪዓልብ ጠኒኑ-ሓኒኑ።

ኣየ’ወ! ደሃይ ነጻነት ኣለዎ ተባሂሉ
ለይትን ቀትርን ዝወረደ ተደሚሩ
ንሱ ዘብርሶ ባጃ ተቖጺሩ
ሓንጎፋይ ክበሃል’ከሎ ብኹሉ።

ውዒልካዶ ኣብኡ ኔርካዶ ሽዑ!
ጠያይቲ መዳፍዕ ቤት-ገርግሽ እንኪዓልብ
ዝዓበ ዝነኣሰ እናበለ ግሊብ-ሊብ
ደሃይ ነጻነት ክሰምዕ ባሩድ ክቖልብ።

መጽአ ኢሳያስ መጽአ እናበለ ክሃርፍ
መሲሉዎ ሰላም ዘስፍን ዘሕብር ዘናብር
ዘመሓድር ሃገር ህዝቢ ዝጥርንፍ
ዝወለደ ክሓቁፍ ሽማግለ ከዕርፍ
ሃገር ክትምዕብል ንቕድሚት ክትግስግስ።

ወጽአ መንግስቱ ወጽአ እናበለ ክልፍልፍ
ጭቆና ጠፊኡስ ሓሳረ-መከራ ክሓልፍ
ሕሰም’ያኢ ምስ መንግስቱ ከልግስ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ከምዘይደግስ።

ሸቃላይ ገባራይ ክጽሕትር ክቛርፍ
ንዕምሩ ከይሰግአ ክሽቅል ክሃልኽ
ክምህለል ክትስፎ ዝሓይሽ ዝበልጽ
ንግስነት ኢሳያስ ብዓይኒ-ማዕዶ ክመርጽ።             

                   ይቕጽል

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...