ከኣሎ’ዝ ወደይ

ገና ብንእስነቱ - ሓንጎሉ በሲሉ
ብምሒር ሽግር - ጎኑ ተሪሩ
ሓላፍነት ገዛ - ወዲቑ ኣብ ሕቑኡ
ክብል ላዕልን ታሕትን - ክሕግዝ ኣዲኡ

ቆሎ ፉል ጥጥቖ - ቀንጠ መንጢ ሸቐጥ
ዝጸንሐት ቤተሰብ - መኣዲ ‘ንተረኸበት
ምሳሕ ‘ንተተረፈ - ድራር ክትዕንገል
ኣዲኡ ሓሚመን - ፍጹም ተደኒሰን
ብብርቱዕ ሓዘን - ዘይምሱል መሲለን

ዓራት ካብ ዝሕዛ - ድሮ ኮይኑ ዓመት
ሓፍቱ’ውን ፈቲና - ክትሰግር ብባሕሪ
ኮይና ግን ተሪፋ  - ድራር ዓሳ ነባሪ
ተባዕትዮ የሕዋቱ - ሃለዋቶም ጠፊኡ
መጽሓፍ ቅዱስ - ሒዞም ምስ ተረኸቡ

ንኣሽቱ የሕዋቱ - ጸባ’ኳ ኣይጸገቡ
ኣቡኡ ተበጅዩ - ምእንቲ ሃገሩ
ልዕሊ ዓጽሚ ኣቡኡ - ካልኦት ይዕንድሩ
ወዲ ስዉእ ግና - ጠምዩ’ሎ ተደርብዩ
ፈቐዶ ቤት ማሕቡስ - ኮይኑ’ሎ ናብርኡ

ንግሆ ወጺኡ - ምምላሱ ምሸት
ጠራኒፉ ቅሩብ - ዝተረኽበ መኽሰብ
ዘይመለአ’ኳ ዓሰርተ - ኣላዪ ቤተሰብ
ኣደራዕ ወሪድዎ - ከይጸገበ ንእስነት
ንብዓት ዝሓዘለ - መበረታትዒ ቃል
ኣንደበት ኣደ - ክኣሎ’ዚ ወደይ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...