ክንደይከ ትሓስሙ ኣቱም ዘረግቲ
ካብ ሰብ ዲዩ ወለዶኹም ወይስ ዛርቲ
ህዝቢ ከይሰምር ትኾኑ በተንቲ
ምልኪ ንምስናይ መጣቓዕቲ
ኣንጻር ሰላም ግጭት መሳወርቲ
ምብታን ስራሕኩም ለይቲ ምስ ምዓልቲ
 
ስኽፍ ዘይብለኩም ስቅያት ህዝብና
ናጽነት ጨዊኹም ዝመጸ ብቓልስና
ኩልሻዕ ትጽዕሩ ፋሕ ከተብሉና
ኣይንግራህን ሎሚስ ከም ቀደምና
ምስ ቅንጅት ምስ ወገንኩም ተባቲኽና ኢና
ዓሰብ ዘላ ኣብ ርእሶም ዘይብሎም ጥዕና
 
ክንደይከ ትሓስሙ ክንደይ ትጭክኑ
ንቓልሲ ጀጋኑና ሚዛን ከተስእኑ
ንህዝብና ኣጥፊእኩም ምሃነኑ
ብመስዋእቱ ንዘምጽኦ ነጻነት ክትብትኑ
ካብ ትቦቝሉ ሕሰም ትሕልኑ
ህዝቢ ኣጥፊእኩም እንታይ ኢኹም ክትኮኑ
 
ተኳልፉ ኣለኹም ዋዕላ ከይንገብር
ትልእኩልና ዝገብሩ ዕግርግር
ህዝብና ምእንቲ ኣብ ሽግር ክነብር
ክጸንሓልኩም እቲ ጎይታ ዕግርግር
ኣይተራእየን ከም ናትኩም ዝገብር
መሰናኽል ኮንኩም ህዝቢ ከይኽብር
ሃገር ከይማዕበለ ምእንቲ ክነብር
 
ሕቶ ኣለኩም ጊዜ እንተ ወጊሑ
ገበንኩም ፍሉጥ ኢዩ ብሕጂ ጋሕግሑ
ብሓጥያትኩም ሕጂ ተናስሑ
ከሳሲኹም ክቐርብ ኢዩ ብብዙሑ
ክተብዕ ኢዩ እቲ ዘሎ ሰጊኡ
ድሕሬኹም ኩሉ ክቕንጠጥ ኢዩ ፍርሑ
 
በጃኹም ህዝብና ትኽስ ኣይትበሉ
ህዝብና ኣለዉ ዓወት ይምህለሉ
ምእንቲ’ዚ ኢዮም ሓደ ኩኑ ዝብሉ
ንዝካየድ ቃልሲ ኣስተብህልሉ
ቅኑዓት ፍለዩ ካብቶም ዝትንኮሉ
ሓደ ኮንኩም ዓወት ክትጽምብሉ
ሕጊ ገርኩም መንግስቲ ክትተኽሉ
ህዝብና ቀልጢፉ ክሓልፈሉ
 
ሃገራዊ ዋዕላ እንተ ተዓዊቱ
ንጥዑይ ስርዓት ኩሉ እንተ መኪቱ
ህዝብና ድሉው ኢዩ ሃገሩ ክኣቱ
ብዝቐልጠፈ ከረጋግጾ እዩ ንዕብየቱ
ምኣስ ሰነፍ ኮይኑ ብጊሓቱ
በዚሖምዎ ዳኣምበር ዓንቀፍቱ
ሃገርስ ምዓንበበት ከም ድልየቱ
 
ህዝብና ብሽግር ኣናተጻገመ
ባህሊ ተደምሲሱ ኣናቃሃመ
ሃይማኖት በሪሱ ቀሲ ኣናረገመ
ንሽክ ዘይገድፉ ዝጭሓመ
ክፍኣተ ግብሮም ዓለም ዘስደመመ
ብሓሶቶም ህዝብና ጽመመ
 
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...