ባቡር
ክትልክም’ያ ግዲ ~ ኩሎም ተጓዓዝታ
መንገዲ ተጋግያ ~ ስሒታ ሓዲዳ
ተጓዓዝቲ ኩሎም ~ ኣምላኾም ለሚኖም
ዳግም ነይንቐርባ ~ ካብዚኣ ኣውጽኣና እምበር
ተዓዘብቲ ኣብ ደገ ~ ድንግርግር ኢልዎም
ኩነታት’ታ ባቡር ~ ብዙሕ ዘይበርሃሎም
ትጸድፍ ድያ ዘላ ~ ወይስ ቅሩብ’ያ ዘዝያ
ክንደየናይ ከይትቅጽል ~ ብሰላም መንገዳ
ዝብሉ በዚሖም ~ ሓደጋ ዝተረድኦም
ካልኦት ጀሚሮም ~ ትንታነ ብደገ
ጸገም ተጓዓዝቲ ~ ኣብ ግምት ብምእታው
ክረድኡ ቀሪቦም ~ ከወፍዮ ሓገዞም
በቲ ሓደ ወገን ~ ኣለዉ ውሑዳት
ስቓይ ተሳፈርቲ ~ ፍጹም ዘይተሰቆሮም
ንፋስ’ዩ በርቲዑ ~ ተጻብኣይ ደገ
ባቡር ጽቡቕ’ላ ~ ትኸይድ ብሰለል
እንታይ’ዩ ወኻዕካዕ ~ ፍጹም ከይጸደፈት
እቲ ዝገርም ነገር ~ ዘስደምም ዘስቆርቁር
ሳዕቤን ናይዚ ኹሉ ~ ናይታ ባቡር ጸገም
ዝሃቀነ የለን ~ ክርዳእ ክፈትሕ
ናትዚ ኹሉ ጸገም ~ ወናኒ’ቲ ሽግር
ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ ~ መራሒ’ታ ባቡር