ካብ ብጾታ ዝነውሔት መሸላ
ንእምኒ ወንጭፍ ወይ ንአዕዋፍ ገበላ
ብግቡእ ንረዳአያ ናይ አበው ምስላ
እንሆ ተጋሂዱ ሎሚ መሠረት ምስጢራ።

ጎብለል ንክብሃል ናይ ምብራቕ አፍሪቓ
ንጽቡቕ ዘይተዓደለ ሓንጐል ጭቃ
አቦ መንበር ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ጥልመት ሐለቃ
አብ ክሳዱ ጠንጢንዋ ገመድ መሸቘቛ።

ካብ ከባቢካ ንላዕሊ ጸብለል ንክትብል
ንሀገራውያን አጋፊዕካ ንቕንጅት አልሸባብ ክትውክል
ከይገመትካ ጊዜ ከም እትብለካ ክንብል
ዕድሜኡ ዘይምህሮ ናይ ጠላማት ወኪል።

ጎብለል ከይተባህለ ዓሪባቶ ጽሓይ
ዓለም ፈሊጥዎ ወዮ ናቱ ጠባይ
ብሕማቕ ተግባሩ ወሪዱ አደባባይ
አምላኽ ሰሚዕዎ ናይ ሕዝብና ስቓይ።

አንታ ናቱስ እንደለ ድአ ምኾነ
ካብ ሳሕል ኢዩ ሸፊንዎ ሕማቕ ድነ
ናይ እቶም ዘጣቕሉ ይገረመኒ አነ
ደስ ኢልዎም ዝሐድሩ ሕዝቢ እናተበተነ።

አየ ጉድ ዝረአናዮ ዝሓለፈ ሰሙናት
መስቀል ዘንጠልጠሉ ዝመስሉ አቕሽቲ ካህናት
ኢሳያስ ተአጊድዎም ዝወርዱ ናብ ቅርዓት
ሃይማኖት ተራኪሱ፡ ብዉሑዳት ዑሱባት
አብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ናይ ዓማጺ ዙኑባት
ገሊኦም ማጆራት ገሊኦም ከአ ጀነራላት።

ስእሊ ኢሳያስ ተሓንጊጦም ርኢና ብዓይንና
ብቅድሚት ተሰሪዖም ንጥፍአት ሀገርና
ብህግደፋውያን ረኪሱ ወዮ ክቡር እምነትና
ውሑዳት አከቲሎም ዘይሮማ ንጀነቭ ከተማ
ጽሩራ ንመወሰኪ ድምር ሓርበኛዊ ዝና።

ሰልፊ
ቀሺ ምስ ዓማጺ ከመይ ኢሉ የሳኒ
ሽጉጥን መስቀልን ካብ መአስ ይስርዑ ጉድኒ ጉድኒ
መንበር ጵጵስናና እምበአር ገቢርኩምዎ ምሐከሊ ወዲኒ
ፍሱሳት ሐሞት ናይ ኢሳያስ ጮማ ዝግኒ
ዘበን አርባዓታት ደጊምኩም ንቅንጂት ምሐበኒ።

አብ ጊዜ ጾመ አርብዓ ኣብ ጊዜ ሕማማት
ሰላማዊ ሰልፊ መሪሖም ሕዝብና ንምጽናት
አጽኒዕዎ ዝሐዝዋ ናይ ሳጥናኤል ቅናት
ሸጓጉጥ እተዀልኰሉ ዲያቆናት ዶስ ኮረኔላት
ጽሓይ እንከሎ ቀትሪ ዝሸፈኖም ጸልማት።

ህግደፋውያን ተአጊዶምሙኩም ገለብለብ
ንኢሳያስ ንምድሓን እንተበልኩም ገብገብ
አቕሽቲ አምሪሕኩም እንተበልኹም ዘብዘብ
ንክሳራ ድአ እምበር አይርኸቦን መክሰብ።

ክዳን እተኸድኑ እተከድና አይእንስሳ አይሰብ
ኣብ ክንዲ ንሕዝብን ሀገርን ዝጣበቁ ንውልቐሰብ
ብቅልውላው እተዋሕጡ ሰብ ብዙሕ ኖውራም አበር
ደም እናጠዓመኹም ውሓጥዎ የለን ዝግበር።

አብቂዓ ኢያ ናይ ጐይታኹም ዝና
ሕፍረትን ውርደትን ዝትሕጋጎም ድኹማት ሕልና
ሕማቕ ታሪኽ ሠራሕኹም ዘይሕኸኽ ካብ ልብና
ዕሱባት ኢሳያስ ዘተዓደሉ ናይ ሰብ ልቦና
ርስሓት ሕብረተሰብ ሕማም መንሽሮ ንዜጋና።

ካብ ብጾታ ዝነውሔት መሸላ
ከም’ዛ ናይ ኢሳያስ ኢያ ንዘስተውዓለላ
ጎብለል ቅርኒ አፍሪቃ ከየተባህለ ሰዓቱ አኪላ እሕለቕሊቓ
ዓለም ብምልእታ ብክፍአቱ ሎምስ ናብኡ አተኲራ
ይቓላቀል አሎ ባናሰላን ቅሳነትን ንድሕነት ኤርትራ
መንእሰያት ተለዓሉ ክትቕበሉ ናይ ሓርነት ባንዴራ።

ክብርን ዝኽርን ንስዉአት
ርሓትን ሰላምን ቅሳነትን ንሓብና
ራህዋን ዓወትን ንሀገርና

ርትዒ ንሕዝቢ ማእሰርትን ንህግደፋውያን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...