ኣብነት ናይ ዝሓለፈሕድሮ ወራድ መርዓ፣ ለጋ ሽቦ ለይቲ
ምሁራት ነይሮማ ሊቃውንቲ
ዶካትራት ነይሮማ ተዓጠቕቲ
ካህናት ተማሊኦም መዛምርቲ
ድኻም ተገዚሞም ወሰዱ ሳልስቲ
ንሕዝቢ ዘይከውን፣ እዚ ኹሉ ትምህርቲ።
 
ሽቦ ለጋው ሽቦ ንስዊዘርላንድ
ክንደይ ነርኩም ብዙሓት መአዲ
ንዘይከዱ፣ ፈርም ኣብ መገዲ
ከተፍርሱ ናይ’ዛ ዓለም ፍርዲ
እዚ ኹሉስ ነዚ ሓደ ወዲ
ዘይዓገቡ ነይሮም፣ መኻይዲ
ድኻም ወዲእኩም እዚ እከይ ስዲ።
 
እቲ ሽግርና መሊሱ ብኢሱ
ካህናት ነሮምና ዝበኣሱ
ጸናጽል ረሲዖም ከይድንሱ
እንካብ ንኢሳያስ ዝምጉሱ፤
ደብረ ቢዘን ከይዶም ዘይምንኩሱ
ኣበይ ነርኩም ኣቡን ክሕበሱ
ሕጊ ክርስትና ከመይ’ሉ ረኺሱ።
 
ፈትዮም ከይመስለኩም ኣብኡ ዝነበሩ
ኩሉ’ሎዎ ነናቱ ሽግሩ
እንታይ ወሲዱኩም ትጽንበሩ
እቲ ጌጋኹም ቅድም’ዩ ነይሩ
ኣበይ ነርኩም ጳጳስ ክእሰሩ?
ብዘይ ስዋ ተስካር ተተግቢሩ
ካልእ ጊዜ ከምኡ ከይትገብሩ?
መራሕቲ ሃይማኖት ኢኹም ብሓጺሩ።
 
ጋዜጤኛ ኣጥቢቓ ሓቲታ
ተኻቲዓ ብዙሕ ተሟጊታ
ተገዲሳ እሱራት ሓቲታ
ትብሊ’ለኺ ኢሉ ዓዒንታ ዓመታ
ኩሉ ኣሕሊፍዎ ብኣሉታ
መፋጥርቲ ኮይና ናቱ ባይታ
ጸርፊ ወሲኹሉ መጨረሽታ።
 
ጥምየትን ማእሰርትን ኣብ ዓድኹም
ንጉሆ ንጉሆ ይጠፍኡ ደቅኹም
ኩሉ ዓለም ይዛረብ ብኣኹም
ኣሉ ቐጣን ኣበይ’ከ ሪኢኹም
እሱራት ኣለዉ ትብሉ’ለኹም
ንሕና ከይፈለጥና ክትፈልጡ ደሊኹም
ኣመሪካ ዲዩ ለኣኢኹም
ንዑ ግዳ ኪዱ ገገዛኹም።
 
እንታይ ክገብር ሕዝቢ ተገዲዱ
መፈንጠርያ ፊሒሱ ኣዋዲዱ
ንዑ መሬት ኣብ ዓዲ ውሰዱ
ተሓጒሱ ክምለስ ንዓዱ
መስገደል ኣትዩ ናብ ክሳዱ
ብማሕለኻ ኣብ እግሩ ቀይዱ
ፈልከት ከምዘይብል ካብ’ዛ ኢዱ።
 
ኣደይ መደይ ኢልካ ተፋሒሳ
በሉ ንዑ መሬት ተደይሳ
ካብ ስደት ክትምለስ ተበጊሳ
ዶላራት ሂባቶ ሓሓፊሳ
ከይኣእኸለት መብዛሕትኣ ፈሪሳ
ብሽኮር ብዝሒ ደም ተደቢሳ
ባዕሉ ነጊርኩም መቐበሊ ሬሳ።
 
እቶም መብዛሕትኦም ዓምዑቶም ሓሚሞም
እነውልኩም ጥዕና ሲኢኖም
ከይዛረቡ ኣፎም ተለጒሞም
ዊሒጦሞ ኩሉ እቲ ጸገሞም።
 
እንታይ ክግበር ሕዝቢ ተገቢቱ
ብዶላር ገዚኡ ንመሬቱ
ንመገዲ ቁሸት ተመልከቱ
ብገንዘቦም ጠላዕ ተጻዊቱ
እንታይ ክገብሩ ምስ መን ክሟገቱ
ኣብ ዝወሰድኹም ትጉተቱ
ከምታ ዝበሉኹም ትምክቱ።
 
እቲ ጕድኩም ሎምስ ተቐሊዑ
ዓገብ ዝብል ለባም ተቐጺዑ
ተቛዋማይ ከዳዕ ተጸዊዑ
ትሕቲ መሬት ኣትዩ ተረሲዑ
ስለ ዝፈለለ ተጸጊዑ
ተኻሪጁ ይብልዎ ሽሙ ከይጸውዑ
ንወላዲ ወድኹም ከዲዑ
ከይመስለኩም ደሞም ተረሲዑ።
በብሓደ ሽምኩም ክትጽውዑ።
 
ሓደ ሓደ ኣሎዋ ዝዓበዳ
ሰብ ምዃነን ኣምላኽ ዝኸሓዳ
ምስ ቆረባ መሊሰን ዝገዳ
ካብ ሳጥናኤል ንሰን ዝገደዳ
ንእሱራት ስጉምቲ ዝወስዳ
ኣንድዱዎም ኢለን ዝፈረዳ
ርህራሄ ኣደታተን ዘይወሰዳ
ንባህልና ብዙሕ ዘዋርዳ።
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...