ሓፍ ኢሉ ዕግ
ግመ መሲሉ ጭፍግግ
ሪሑቑ ዘየማዕዲ ምኻኑ
መሲሉዎ ከምዘይጠፍእ በኒኑ
ደሮና ትኪ ኮይኑ ዓብሊሉዎ
ንዓይኑ ኣዕዊሩ ንጉሮሮ ዓቢስዎ
ንእዝኑ ለኪቱ ንኣእምሮ ኣደስኪልዎ
ንሓቂ ብኣሉ ተኪኢዎ።
ደሮና ትኪ ኮይኑ
ትማልን ጽባሕን ረሲዒዎ
ኣብ ሎሚ ንኹሉ ኣኪብዎ
ንሓሶት ንጭካነ ደማሚሩ
ኣይረኣኹን ኣይሰማዕኩን ኮይኑ
ደቂሰ ወላ ተንስአ ተበራቢረ
ኣሉ ቀጣን እምነተይ በለ።
 
ደሮና ትኪ ኮይኑ ብሓቂ
ኩሉ ሓደ ንዓይ ግዲ
ዘይምዘን ዘይዕሞኽ ስርሖም
እንተዓቢሶም እንተኣብኪዮም
ንመን ከይጎድኡ ሐሲቦም
ብቐደሞም ክፍጠሩ ደንዚዞም
ደድሕሪ ንፋስ ክጎዩ ሃሊሎም
መዝሙሮም መዝሙር መራሒኦም።
 
ዓንዲ ሕጊ ተደርብዩ
ተጀኒኑ ብሰረት ዓለባ
ምዕባለ ተነፊሑ ብሎቖታ
ደሞክራስያ ተጨውዩ ብጋንታ
ፍትሒ ማዕርነት ተዘሚታ
ኤርትራ ደቂሳ ኣብ ቃሬዛ
ኩሉ ሓሊፉሉ ብዘረባ ደሮና
መንእሰይ ግን ተወጺዑ ዕንባባ።
 
ተስፋ አሎ ግን ዝወሃብ
ብመራሒ ደሮና ዝጋልብ
ህዝቢ ሬሳ ዓዱ ክስሕብ
ሰዓብቲ ደሮና ክኣኻኽብ
ብሽም ውጹዓት ክንግድ
ብልሙሳት ምዉታት ክዛረብ
ደሮና ተበቲኑ ኣብ ዓለም።
 
ደሮና ትኪ ኮይኑ
ንብዓት ሓርገጽ ክበኪ ፈቲኑ
ብኣሉ ግን ነቒፁ ዓይኑ
ሰማዒ ሓላያይ ሲኢኑ
ብደጌ ብውሽጡ ተፈንፊኑ
ይእውይ ኣሎ ተጠሊዑ
መንእሰይ ንጹሃን በሊዑ
ድርቅና ሓሶት ዝፈቱ ጋኔኑ።
 
እቲ ሎቖታ ደሮና ተንፊሑ
ህርፋን ከብዱ ብስስዐ ሰፊሑ
ኡፍ ዝበሎ ትንፋስ በኒኑ
ዝሕዞ ዝዓምኮ ሲኢኑ
ከም ትኪ ደሮና ማህሚኑ
ምልኪ ጸልማት ተኸዲኑ።
 
ዋይ ኤርትራና ብትኪ ብደሮና
ብኹሉ ማእዘናት ብጸልማት ተሸፊና
ኮራኹር ናይ ምልኪ ዋጭዋጭ ናይ ግድን
ምዕባለ’ዩ ኢሎም ግን ከእምኑ
መንእሰይ ደንጎላ ኣብ መንኩቡ ተሰኪሙ
ክንዲ ትምህርቲ ስራሕ ንቡር ናብራ
መዛወሪ ዕሱባት ጽርጊያ ክሰርሓልና
ብኢዱ ፋሕጢሩ ክበሃል ብጽፍርና
ንጉራ ንጃህራ ተሸይጡ መንእሰይና።
 
ህዝቢ ኤርትራ ብጅምላ ተሳቕዩ
ክርስታናይ ኣስላማይ ብሐደ ነብዑ
ህይወቱ ተጨውዩ ብስርዓት ምልኪ
ብጸለግለግ ደመና ብደሮና ትኪ
ፀሓይ ጮራ ምዕባለ ብጥልመት ተሸፊና
ዓብይ ንእሽቶይ መንእሳያትና ይበኽዩ
ናጽነት ሃገር ብባርነት ተተኪኢዎ
ኤርትራዊ ኮነ ዓለም’ውን ደንጺዎ
ገፋዓይ ድዩ? ተገፋዓይ ዘእዉይዎ።

ደሮና ኮነ ትኪ
ብግፍዒ ደይቡ ንምልኪ
ዘይሓፍር ባህልና ሓኻኺ
ፀሓይ ሓቂ ምስ ወጽአ መኻኺ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...