ቶባእ!!!
እርጋን’ድዩ ዕብዳን ሕርቃን’ዩ ስኽራን
ምንጪ’ዚ ኹሉ ስሕታን።

ሰብኣይ ኮይኑ ዋዕላ ውዒሉ
ወርቂ መንበር ሰፊሩ ክዛረብ ተኣኒኑ
ሃለዋት ግዝኣቱ ንዓለም ከብርሃሉ።
እንተረኣኻስ!

ብኹሉ መዳይ ስኢንዎ ምእላይ
“ላይ ኣናዘር ላይ” ጥራይ
ቀላሲት ዘረባ ብሒታቶ ውራይ።
ዘገርም’ዩ መዐቀኒ ዘይብሉ
ተጎቢኡ ብኣሉ።

መዋእል ዝምስክሮ ናይ ሂወት ተመኩሮ
ዝሓረረ’ፈኩስ ዝነቐጸ’ነቅዝ
ሹመኛ ግን ክንድ’ዚ ‘ነይሕልኩስ!
ዘገርም’ዩ!

ትርኢቱ ዕሉም ኣዋርቕ ስሉም
ቁመቱ ገደል ጉልበቱ ጠብደል
መልሓሱ ዓንደል ዘረብኡ ዳንዴር
ኣይንህዝቢ ኣይንሃገር
ምእንቲ ስልጣንሲ ‘ዙኹሉ ዓገርገር።

ካብ ቃሉ ከም ንሰምዖ
ጥሜት ህዝቢ ኣይተሰመዖን
ምጥፋእ ሃገራዊት ጋንታ ኣይበጸሖን፣
ኣብ’ዚባ’ነሆ ዘመናዊ ፈርዖን
 
ህዝቢ ይመሖ ሃገር ይነዖ
ንሱ ምስ ጭፍርኡ ይሕጸን ይምርዖ።


ኣብ ቅድሚ ካመራ ኣብ ቅድሚ ኣሬባ
ንምስክር ዘሕንኽ ዘረባ።
ወይሰብደቀይ እንታይከ ኽትብሉ
ዛርቲ ድኣ ከይህሉ
ኣብ ሓንጎሉ ሰፊሩ ዘሽካዕልለሉ።

ምናልባት ግን ካብቶም ኮራኹሩ
መቓብሩ እናኾዓቱ ዘጣቕዕሉ
ጽግዕ ኢሉ ዘኽፍኣሉ ዘጸብቐሉ
ሕሹኽ ዝብል’ዶ ስኢኑ
ብጻዕቂ ዓጀውጀው ኣቢሉና ቀንፈዘው።

ለከ’ሓቆም’ዮም ወዶም ጓሎም
ቶባእ ኢሎም መዓንጣኦም ኣሲሮም
ዝፈትውዎ ጠንጢኖም ዝዕዘሩ ንሓላሎም
መስተርሆት የውርደሎም።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...