ሓውኻ’ዶ ይቕተል - ተኵስካ ብድሕሪት
ትእዛዝ ተቐቢልካ - ዘይትብል ንምንታይ
ካን’ዶ ተዓሚትካ - ይስሓብ’ዩ ቃታ
ንጹሃት የሕዋትካ - ብደዎም እንዳቐበርካ

ላዕለዎት ሓለፍቶት - ፍጹም እንተዓበዱ
ስስዐ በርቲዑ - ብደም ተሰኸሩ
ጸላኢን ፈታውን - ምፍላይ እንተስኣኑ
ከስብሑ በትሮም - ኩርሶም ከጣጥሑ

clouds

ንዓኻ ኣብ ደልሃመት - ንሓውኻ ኣብ ጸልማት
ኣነ ዘሕዝኑኒ - ወለዲ ሃገርና
ኣዴታት መሳኪን - ሓቑፈን’የን በረድ
ዝቐደመ ሓዘን - ገና ብንግሁኡ

ናይ ስዉእ ሓውኻ - ብጥይት ጸላኢ
ናይ ሕጂ ገደደ - ቀታሊ ካብ ገዛ
ዓቢ ሓውኻ - ጽጋቡ በርቲዑ
ስልጣን ምስ ጨበጠ - ብኢደ ዋኒኑ

ዕላማ ስዉኣት - ኣንፈቱ ኣስሒቱ
ንጥቕሙ ኣውዒሉ - ንውልቃዊ ረብሓ
ሓየት ሰራዊትና - ወጊድ በሎ ደጊም
ሓውላል ትእዛዝ - ሓድነት ዘመንምን

ንሃገር ዝረብሕ - መዓስ ጠፊኡካ
ንእሽቶይ ሓውኻ - ናብራ መሪርዎ
ተነፊጉ መሰል - ክብሪ ንእስነቱ
ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ - ስደት መምረጺኡ

ዓዱ መሕረሚኡ - ስርዓት ፈንፊኑ
እንተዝርህዎ ኣብ ገዛ - እንተዝጣጥሕ ናብራ
ሙኻኑ ተሪፉ - ናይ ስሱዓት ጊላ
ምጨከን’ዶ ኢልካ - ምመረጸ ስደት



ናብራ ዓዲ ጓና - ሙኻን ካልኣይ ዜጋ
ሓፍትኻ’ውን ከምኡ - ንቡር’ያ ስኢና
መርዓን ደርዓን - መዓስ’ድኣ ጸሊኣ
በረኻ ኣጻምእ - ክትሰግሮ ብእግራ
ምዝንጋዕ ኣይኮነን - ከምቲ ዝበሉኻ
ሓሲምዋ’ዩ ፍጹም - ናብራ መሪርዋ
ዘይረብሑ ጓሓላሉ - መጻወቲ ኮይና
                         


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...