ጽሉል ኣብ ኢንተርነት።
ጽሉል ኣብ ኢንተርነት ኣእማናት ዝድርቢ፡
ቁጡዕ ሓርቃም ኣስናን ፈጺሙ ዘይዓቢ፡
ጽባሕ ጽባሕ ጽልኢ ኩሉ ግዜ ወዝቢ።
ሎሚ ዘየስተውዕል፡ ጽባሕ ዝደፈረ፡
ትማል’ውን ከይፈልጣ ፍጹም ዝዓወረ፡
መንከማይ በሃሊ መንጎ ዝደንቆረ።
ኣይረኸብ! ኣብ ሂወት’ምበር ከምኡ ብዙሓትዮም፡
ሕጂ ግን ገደደ ሰይበራዊ ትኳኖም፡
ወግሐ ጸብሐ ጸርፊ ዘይመዝኑ ወገኖም፡
ተካል ዕጥቆም ጽልኢታት ዙፋኖም።
እወ! መማዕረግቲ ጽልኢ ሓሶታት ዝነፍሑ፡
ወገኖም ቀቲሎም ምስ ጓኖት ዝነብሑ፡
ሓቂ ንኸምስሉ፡ ፈልዮም ዘቃልሑ፡
ንብዙሓት ንምቕታል፡ ቁንጡር ዘመቕርሑ።
ኣይዓቕሞምንዩ ብዙሕ፡ ዝሞቑ ኣብ ጸቢብ፡
ፍቕሪ እንተ ረኣዩ፡ ዝደልዩሉ መንቅብ፡
ዘይዕደለይናታት፡ ሰብ ዝርግና ጥበብ፡
ሰቦም ዝመነዉ፡ መዳቕስቲ ሰበብ።
ክልፍልፉ ጥራሕ ዘይደልዩ ክሰምዑ፡
ጸርፊ እንተዘይኮይኑ ጣይታ’ውን ዘይሰልዑ፡
ዓቕሞም ቀረባ’ዩ ፍልጠት እንተ እቕኒዑ፡
ጸገም እንጢሾው’ዮም ውሽጦም ክቕልዑ።
ይኸውለልና ባዕሉ፡ ሰብዶ ሓይሊ’ልዩዎ፡
ይሰውረልና’ወ ኣንታ ባዕሉ ደኣ’ርህዎ፡
ፍቕሪ ይዝረኣሎም፡ ጽልኢ ክመነዉዎ፡
ንጸርፍታት መንዮም፡ ፍቕሪ ከኽብሩዎ።
ዲሞክርስያዊት ሃገርና ክትዕንብብ’ያ!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!
ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!