አንታ ብዓል አበር ናይ ህግደፍ ከዳሚ
አንቲ ብዓልቲ አበር ናይ ህግደፍ ጠስሚ
ደስ ኢሉዎም ዝሓድር ሕዝብና ክደሚ
ውርደትን ሕፍረትን ኢዩ ጽባሕ ናታትኩም ገዝሚ።
 
ህግደፍ ተአጊዶም ኢልካ ላዕሊ ታሕቲ
ውዲት ድዩስ ሕማቕ ሕማም ዛርቲ
ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን እትሃሉ ቀትሪ ለይቲ
አይትዘንግዕዎ ምዃንኹም ብገበን ተሓተቲ።
 
ህግደፍ’ዶ አይኾኑን ደመኛታት ሕዝብና
ንመንእሰይ ወለዶ አብልዮም ብጉዱድ ዕስክርና
ሓዲሽ ትውልዲ ጸሊኡዋ ንወያ ኤርትራና
አዴታት አብ ክንዲ ጻዕዳ ጸሊም ይኽደና
ማህጸነን ዘፍረዮ ንዓሳ ዝተረፈ ንስደት ዓዲ ጓና።
 
ተአጊዶም ህግደፍ ኢልካ ዓበድበድ
ንመን ንምድሓን ኢዩ ብሰላማዊ ንሰልፊ ዘብዘብ
ብሕልና እንዶ ግዳ መናባብሮ ሕዝብና ንተዓዘብ
ንውድቀቶም ድአ ምስ ዉጹዕ ወገንካ ተላዘብ
ብዙሕ ረብሓ አሎካ ናይ ሕልና መኽሰብ።
 
ንሕና ንህግደፍና ህግደፍና ንአና
እናበልኹም እትጭርሑ አብ ኲሉ ጐደና
ቕልውላው መንነት ድዩስ ጉድለት ጥዕና
ቃልኪዳን አሲርኹም እምበአር ንብርሰት ሀገና
ብአካትኹም ሓሲሩ ወዮ ክቡር መንነትና።
 
ደቕካ ሓቊፍካ አብ አፍሪቓ አውስትራልያ ኤውሮጳ አመሪካ
ብመንእሰይ ኤርትራ እትጻወት ንመላኺ ደጊፍካ
ዓቢ ገበን ኢዩ ምልጋጽ ብውላድካ ሓውኻ
ካብ ውድቐት አይተድሕኖምን ንህግደፍ ዝጨራሕካ እንተጨራሕካ።
 
ንዓ ድአ ተሰለፍ ምስ ጭቁን ሕዝብካ
ንስዕረቶም ተቓለስ አሪምካ ዝሓለፈ ጌጋኻ
ዕምሮም ሓጻር ኢያ ፈቲካ ጸሊእካ
አብ ገበን ኣይትሓንብስ ንመሸጣ መንነትካ።
 
ዓጀብ ኢዩ ዘብል ክትኸውን ናይ መላኺ አጋፋሪ
ርሑቕ ሀገራት እናተቐመጥካ ስግር ባሕሪ
ንጃንጃ ህግደፍ ከተቐብሎም ድርብ በትሪ
አብ ክንዲ አይፋል ምባል ብትብዓት ብትሪ
ትርድእዎዶከ አሎኩም እትፍጽምዎ ዘሎኹም ነውሪ።

አንቲ አታ ህግደፍ ተአጊዶም ኢልካ ትግዕር
ደስ ድዩ ኢሉካ ሕዝብና ተሸቑሪሩ ክነብር
ስለ ህግደፍ አዳባባይ ክትወጽእስ እምብዛ የነውር
ኣብ ክንዲ ንሕዝብስ ንጠላማት ክትውክል
አብ ምዕብልቲ ዓለም ዘገርም ምስትንክር።
 
እናተቐመጥካ አብ ሀገራት ዲሞክራሲ
እናፈለጥካ ክትኸውን ናይ ህግደፍ ማእሲ
ትክእልዎ ዲኹምከ ጽባሕ ናይ ሕዝብና ክሲ
ምስ ገበነኛታት ብፍቃድኹም እይተእተዉ አብ ጋህሲ።
 
ደጊምኩም ሕተትዋ ነታ ናታትኹም ነፍሲ
እንታይ ረብሓ አሎኹም ምኽላብ ምስ ዓማጺ
ንጌጋኹም መርምርዎ ድአ ሀየ ክወግሕ ክመሲ
ጽባሕ ከይከብደኩም ምስ ሕልናታትኹም ባእሲ።
 
ሕዝቢ ኢዩ ንወትሩ ዘይነጽፍ ባሕሪ
መን እሞ ርኢኹም አብ ሥልጣን ነባሪ
ንሕዝብኹም ምስ ህግደፍ አይትእትዉሉ ቁሪ
ጭርሖኹም ቀይርዎ ንመንነትኩም ክብሪ
ሰላም ንኽሰፍን ኣብ ኤርትራዊት ምድሪ
ምልኪ ቀቢራ ብፍትሒ ብማዕርነት ንክትምዕሪ።
 
ምህላል ምስ ህግደፍ ንጥፍአት ሀገር
ትዕዝብቲ ይኹንኩም ናይ መለኽቲ ነገር
ታሪኽ መንግሥቱ ታሪኽ ሳዳም ይዘከር
እንታይ ተፈሪዶም ናይ ሂትለር ዓስከር
ሎምስ የብቕዕ ምስ ህግደፍ ቀብጠርጠር።
 
ሥልጣን ናይ ሕዝቢ ኢዩ አይኾነን ናይ ሓደ
ንለውጢ ድአ ይኹን ሕዝባዊ መኸተ
ጸረ ህግደፍ ዘይመከተ ብደዉ ዝሞተ
አጣቃዒ ዝኸውን ሕዝቢ እናጸነተ።
 
አበር ዘለዎ ኢዩ ጉዱ ዘይተፈልጠ
ብኾንቱ ዝሀልል ሳዕቤኑ ከየገመተ
ወይልኡ ድኹም ሕልና ልቡ እተዘምተ
እንታይ ክብል ኢዩ ጽባሕ ህግደፍ ምስ ትዓጽደ።
 
ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉአትና
ዓወትን ሰላም ንሕዝብና
 
ውድቀትን ጥፍአትን ንአቦ መንበር ህግደፍን
ናይ ውሽጥን ናይ ደገን አጋፈርቱን
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...