እታ ዝፈትዋ፤ ዝፈልጣ ኣብ ስደት
ኣብ ሽግር ኣብ ጸልማት፤ ምሳይ ዝነበረት
ኣብ ሜዲተራንያን፤ ኣብ መዓሙቕ ቀላይ
ብወዝቢ ሃንደበት፤ ዓሳ ወሲዱለይ

መሬት መስ መስየ፤ ንባሕሪ ኣቲና
ኣብታ ጀልባ ኾይንና፤ ጸሎትና ኣዕሪግና
ንማእከላይ ባሓሪ፤ ብህድኣት ክንስግሮ
ፍቕሪ እናዕለልና፤ ብስላም ክንከዶ
ድሌትና ክንረኽባ!

ትስፍዋት ኢና ኔርና፤ ክንኣቱ ኤውሮጳ
ሰብ ይሓስብ፤ ጎይታ ይፍጽም
ኣብ ከምኡ እዩ ዝጥቕለል እዋይ ነገር ዓለም።

ኣንፈት ምስ እጥፋእና፤ 3ይቲ መዓልቲ
ማዕበል ዓሳ ሒዙ፤ መጺኡና ብለይቲ
ፍቕረይ ነነው ክትብል፤ ኮይና ኣብዛ ጎነይ
በወዝቢ ሃንደበት፤ ሽዑ ወሲዱለይ።

መሊሱ ዓሚቁ በዚሑ እቲ ማያት
ምስ ወስኽኩሉ ንብዓት፤
ምስ በርተዐ ማዕበል ባሕሪ
ክትመጽእ ተለሚና እታ ናይ ሙሴ በትሪ።

ዎ ማእከላይ ባሕሪ ጓና ድየ ኾይነካ
ዝርንዛሕ ንብዓተይ ፈጹም ዘይራህራህካ
ዓሳ ነባሪኽ? ዘይናትካ ደየ ኾይነካ?
ፍቅረይ ንክትወስድ ምሒር ዝጨከንካ
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዝኽውን  ኔሩ እቲ ሓደጋ
ምሓዞ ናይ ሰጋ።

ብንጻሩ  እቲ ዓሳ፤ ሽግር ሓላፋይ እዩ ኢሉ መደዓዓሳ
ብንጻሩ ምሓለዋ፤ ኤርትራ ኣይትረሲዒ ኢሉ ምተላበዋ
ንዓይ ግን ካብ ርሑቅ ምጻተኛ
እንታዋይካ ኮይነ ኣነ ስደተኛ።

ሰብ ደልየ ኣነ ዘጸናንዓኒ………
ስድርኣ ክረኽቦም መገዲ ዝህበኒ፤
እቲ ማእከላይ ባሕሪ ብማይ ዝዘቕበበ
ይነጽፈለይ ዶኾን ንካልኣይ ሓመድበ።

ከይነግረላ ንስድርኣ ዘጋጠማ ኣብ መገሻ
የብለይን ኣድራሻ።

ኣራኺቡና ሸሽግርና
ካብ ምብራቅ ናብ ምዕራብ እወ ተሰዲዲና፤
ልዕሊ ዓቅምና እወ ተፋቲና
ዘመን ምስከፈአ ንሕና ግዳይ ኮይንና፤
ተወሊዳ ዕባይ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ
                 እንተፈሊጥኩማ ሽማ ኔሩ ኑራ።                                                

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...