ዋርሳይ!
ኣንታ ውልዶ ጭልቅዕ
ከይትስስን ከይትነፍዕ
ከይትዕንድር ከምዝራብዕ
ተቐይድካ ብመራሕ-መስርዕ።
ትሽቅል ትሃልኽ ትስሕቕ ተጣቕዕ
መሲሉካ እተድምዕ ዝበሉኻ ትሰምዕ።
እንተ’ዞም ኣዘዝቲ ከይትመሃር ከይትዝቲ
ከይትበላሓት ምእንቲ ዓጽዮሞ ዩኒቨርሲቲ።
እዚኣቶም! ዘይርዕሙ እርጋኖም
ምእንቲ ክጥዕመሎም ክትሓስብ ብሓንጎሎም
ክትነብር ኣብ እዋኖም።
እኳ እንኮ!
ትውረስ ከይቀረቡ ዝሓሰቡ ምስሓሰቡ፣
ሰምዮሙኻ!
ዋርሳይ ኢሎሙኻ ከይትጎዓዝ ከምግዜኻ
ንድሕሪት ክጉዕጽጹኻ።
ኣቤት’ወ!
ንስኻ ተሕልፎ ዘይውዳእ ተልእኾ
ዘይረስን ሞጎጎ ዘይበስል ጎጎ
ንንእስነትካ ይህሙኾ።
ይዋእ’ኻ!
ነዊሑ ጉያኻ ዱዃ ምስ ዋለኻ
ዓዲ ምስ በረኻ፣ ብረሃጽካ ጭቅዩ
ብንብዓትካ ጠልቅዩ ብደምካ ቀምብዩ።
በልስ’ኪ
እንተተሓትት’ሲ! እንታይ’ዩ ቱ’ዝውረስ
ዝጠዓም ዝቕመስ። ቃልሲ ድዩ ገድሊ
ወይስ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ተቖጺሩ ሃብቲ
ክውረስ ዝተደልየ ከም ርስቲ።
እንተ ንኣኻ እዝጊ ይፍደኻ!
ኣይትስሕዲ ኣይትኸንብ
ኣይትንእስ ኣይትዘልል
ኣይትወልድ ኣይትዝምድ
ኣ’በገልግሎት ትኣርግ።
እዚ ካብ ኮነ ቱ’ጉዳይ
ሓቂ ዘይዛረቡ ግዳይ
ብዘይገለ ክስታይ ምስታይ
መምዓረሎም እንተ ዝብሉኻ ተስታይ።
እምበኣር!
መንእሰይ ሃየ ተበረበር ሰዓትካ ተቖጻጸር
እዋኑ ዘሕለፈ ሓሳብ ቅበር
ንሱ’ዩ ዘብለካ ዘሎ ኾለል።
ከይትስስን ከይትነፍዕ
ከይትዕንድር ከምዝራብዕ
ተቐይድካ ብመራሕ-መስርዕ።
ትሽቅል ትሃልኽ ትስሕቕ ተጣቕዕ
መሲሉካ እተድምዕ ዝበሉኻ ትሰምዕ።
እንተ’ዞም ኣዘዝቲ ከይትመሃር ከይትዝቲ
ከይትበላሓት ምእንቲ ዓጽዮሞ ዩኒቨርሲቲ።
እዚኣቶም! ዘይርዕሙ እርጋኖም
ምእንቲ ክጥዕመሎም ክትሓስብ ብሓንጎሎም
ክትነብር ኣብ እዋኖም።
እኳ እንኮ!
ትውረስ ከይቀረቡ ዝሓሰቡ ምስሓሰቡ፣
ሰምዮሙኻ!
ዋርሳይ ኢሎሙኻ ከይትጎዓዝ ከምግዜኻ
ንድሕሪት ክጉዕጽጹኻ።
ኣቤት’ወ!
ንስኻ ተሕልፎ ዘይውዳእ ተልእኾ
ዘይረስን ሞጎጎ ዘይበስል ጎጎ
ንንእስነትካ ይህሙኾ።
ይዋእ’ኻ!
ነዊሑ ጉያኻ ዱዃ ምስ ዋለኻ
ዓዲ ምስ በረኻ፣ ብረሃጽካ ጭቅዩ
ብንብዓትካ ጠልቅዩ ብደምካ ቀምብዩ።
በልስ’ኪ
እንተተሓትት’ሲ! እንታይ’ዩ ቱ’ዝውረስ
ዝጠዓም ዝቕመስ። ቃልሲ ድዩ ገድሊ
ወይስ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ተቖጺሩ ሃብቲ
ክውረስ ዝተደልየ ከም ርስቲ።
እንተ ንኣኻ እዝጊ ይፍደኻ!
ኣይትስሕዲ ኣይትኸንብ
ኣይትንእስ ኣይትዘልል
ኣይትወልድ ኣይትዝምድ
ኣ’በገልግሎት ትኣርግ።
እዚ ካብ ኮነ ቱ’ጉዳይ
ሓቂ ዘይዛረቡ ግዳይ
ብዘይገለ ክስታይ ምስታይ
መምዓረሎም እንተ ዝብሉኻ ተስታይ።
እምበኣር!
መንእሰይ ሃየ ተበረበር ሰዓትካ ተቖጻጸር
እዋኑ ዘሕለፈ ሓሳብ ቅበር
ንሱ’ዩ ዘብለካ ዘሎ ኾለል።