“ሞቱ ዝቐደሞ”
"ሞቱ ዝቐደሞ"
ትማሊ…..
ሓንቲ ስጕሚ…
ናብ ዳር ቅባጸት ገጹ ኣሳጕሙ….
ኣእጋሩ ዘዕልበሉ ባይታ ኣይረከበን….
እቲ መሬት በቃ ኢሉ ንሂሉ
መደራግሕ ነቓዓት ለኻኺሙ….
ካቡኡ…
ነብሱ ካብ ሸለውታ ክባልህ…
ኣእዳው ሊኢዅ…
እሾኽ ቖጠጠፈ ምስ ጨበጠ…
ሽዑ ኢዩ ቃንዛ ስጕኡ ተረዲእዎ
ስቡሕ ከብዲ ኢዱ ምስ ተቐልጠ….
ሻቡ ሃንደበት
ኣውያቱ ምስ ደርግሖ…
ኣኽራን እኳ….
ተረቢሸ ኢሉ ኢዱ ኣወጣዊጡ
ምስ ገንሖ….
ሽዑ ተሰዊጥዎ…
ከሎ ብህይወቱ ሞት
ከም ዝቀደሞ….
ዋላ ኣይተጸበዮን ንቡር ሲኢኑ
መቓብር እውን ከም ዝሃደሞ
ኣብኣ ነቒጹ ሓዲሩ
ከም ቋንጣ ተንጠልጢሉ
ነቲ ዘጽደፎ ገደል ዘሕኵር
ግዲ ገዛእ ኣእጋሩ እውን ሲኢኑ