ይወግሕ ይዓርብ
ይበርስ ይሰርብ
ይሃምም ይነጉድ
ይዘውር ይዓውድ
ይኣርግ ይመውት
ይትካእ ብመቕርብ
ንኽብሪ ንመዓርግ።
 
ይጽብጸብ መዓልቲ
ክኣክል ሳምንቲ
ክሰርዕ ወቕቲ።
 
ይበርሁ ከዋኽብቲ
ሰማያት ሸለምቲ
ብርሃን ናይ ለይቲ
ናይ ተስፋ ትእምርቲ
ናይ ለውጢ ሓበርቲ።
 
ይጽብጸብ መዋዕል
ሃዲኡ ንዘስተውዕል
ብኣንክሮ ዘስተባህል፣
ዝሓሊ ዘናብር
ዘቐምጥ ዝኸዝን
ዝዓቁር ዘዋህልል
ንውሉድ ዝኸውን።

በ’ንጻሩ!
ዓመት መጽአ
ዝኸንብ እናፈለጠ
ኣብ ዙፋን እንተተቐመጠ!
እዋን ‘ናተለወጠ
ኢዱ እንተ’ረማጠጠ
ከምዘይረኣየ እንተ’ጽቀጠ!
ግርማ ተቐንጠጠ
ፍናን ተቖጥቆጠ።

እነሆ!
ሕጂ’ውን ከም ቀደሙ
ሓደ ዓመት ተዛዚሙ!
 
ክልተ ሽሕ ተበሊዑስ
ዓሰርተ ተደጊሙ
ከይዱ ሓሊፉ ካብ ዋንኡ ሃዲሙ።
 
ብፍላይ ዛ'እዋ’ና              
ሰላሳ ዓመት ኣብ በረኻ
ዕስራ ዓመት ኣብ እንዳና
ተተቲዑ ከም ሽባኻ!
ፍርቂ ዘመን ተኾርምዩ
ዕዮ-ምስክሩ ደርብዩ።

እንታይ ተጌሩ
ኣበይ ተዋዒሉ
ተባሂሉ እንተተወጢሩ
ክመርር’ዩ ተዝካሩ።

እዚ!
በዓል-እዋን ዝጸየቖ
ንወራሲ ኽጨንቆ
ተኺሉ ዘጽደቖ!
ንሓዋሩ!
ለባም ክብርቁቖ
ዓቕሚ ከይጽንቀቖ
ንዘትየሉ ነርቅቆ
ከምዓቕምና ነስንቆ
ከይሰኣን መዋድቖ።
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...