እከይ ዶ ክብለካ ወዲ ኣፈወርቂ
ትርፊ ሓሶት ዘይትፈቱ ሓቂ
ጽቡቕ ዘይትምነ ትርፎ ጸይቂ
ንሓሶት ተምስላ ከምዛ ሓቂ
ኤርትራ ኰንኳያ ሕማም ዐርቂ፤
 
ንዓለም ክትምህር ለይቲ ምስ መዓልቲ
ቁምነገር ዘይብሉ ብጀካ ትምክሕቲ
ክኸውን ዝደሊ ሊቀ ሊቃውንቲ
ዘይድቅስ ክፍሕስ ቅርሕንቲ
ኣብ ጕድጓድ ሰፊሮም ህጻውንቲ
ከይተኩኡ ኣርኪቦም መስዋእቲ፤
 
ሕብሩ ዘየኽብር ውርደተኛ
ንኣፍሪቃ ገይሩዎም ኣለኛ
ከም ሳጥናኤል ዘምስል ሓቀኛ
ንዓይኒ ዘንቁር ገበነኛ
የድሕነና ሓሶት ደረቐኛ
ጎብለል ናይ ቀርኒ ሓደገኛ፤
 
ከም ጭጉራፍ ወቒዑ ዘእዊ
ሓሶት ዘየሕፍሮ ዝጠዋዊ
ንሓቂ ሸፊኑ ክሳዱ ዝጠዊ
ቍስሊ ገዲፉልና ዘይሓዊ
ዘጽለኣካ ካብ ኩሉ ሓሳዊ
ሓሙኽሽቲ ኰይና ተረፍ ሓዊ፤
 
ጻሕታር ኲናት ሰላም ዘይፈቱ
ካብ ቅሳነት ህውከት መባልዐቱ
ንህዝብና ናብ ህጕም ዘእቱ
ሰሪዐና ምስቶም ዘይግመቱ
ዝገርመኒ ምስኡ ዝሟገቱ
ትርፎ ዐንወት እንታይ ኣበርኪቱ
ተመሊስኩም ነፍስኹም ሕተቱ
ተፈንፊኑ ብጎረባብቱ፤
 
ካብ ቅድሙ ዘይተቐጸዐ ወዲ
ዐረ ዝመልሓሱ ዘረብኡ ስዲ
ይዃልፈካ ካብ ብሩኽ መኣዲ
ብጾቱ ዝኸድዐ ኣብ መገዲ
መገሽኡ ብዘይ መካይዲ
ሓፋሽ ህዝቢ ገዲፉልካ ዓዲ
ክትኣስር ክትቀትል ብዘይ ፍርዲ፤

ክሓተን’ዶ ነዘን ዘጣቕዓ
ድግድጊት ዓጢቐን ሓዊ ዝውልዓ
ኣብ መቓብር ደቀን ዝስዐስዓ
ብሕማቕ መልሓሰን ዝብድዓ
ኣንጻር ሰላም ኣምላኽ ዘቖጠዓ
ማሕጸን ዝወለዶ ዝርስዓ
የዐጽምቶም ትውጋእክን ተቖጢዓ፤
 
ገሪሙኒ እንታይከ ኢዩ ጉዱ
ጊዜ ዲዩ ወይቲ ሰብ ዓቢዱ
እዚ ኹሉስ እንታይ ሽበድበዱ
ሎሚ ዲዩ ህዝቢ ተኣጊዱ
ካብ ቅድሙ ሕማቕ ተፈሪዱ
ካብ ዓዱ ክወጽእ ተገዲዱ
ሽማግለ ዓዲ ተዋሪዱ
ዐውር ምስ ተሰደ ዘይሰንበዱ
ንሓደ ሰብ ክንድ’ዚ ዝዓብዱ
እንታይ ይብሉኹም እቶም ዝኣገዱ
ንህዝቢ ኤርትራ ተዋርዱ፤
 
ክሓተኩም ኤርትራ ከመላ
ዓዲ ከይትገይሽ ተኸልኪላ
ከይትወሰድ መለሊኽ መሸላ
ጭብጦ ከይትህብ ደቂ ጓላ
ኣይኮነን ዶ ሕሩጭ ቢሑቕ ዝኽልከላ
ሽዑ ደኣ ዘይትተኽሉ ጓይላ፤
 
ንገሩኒ እንታይ’ዩ ጽቡቑ
ካብ ጥሽኡ ገባር ተበርቂቑ
ኣደይ መደይ ኢልኩም ትጽይቑ
ዓሻ ድንቁርና ንዓለም ንዒቑ
ንሓደ ሰብ ከምዚ ተሐንቁቑ
ህዝብኹም ጠፊኡ ካብ ዓዲ ሪሒቑ
እንታይ ገደሸኩም ትጭነቑ
ጅግና እናበልኩም ትሕለቑ
ብዘይ ሕጊ ንሃገር ጽይቑ
በብቕሩብ ዘርእኹም ሓቒቑ፤
 
በጃኻትኩም እባ ተዓገሱ
ኣስተውዐሉ ናበይ ትግስግሱ
ቁሊሕ ኢልኩም ንድሕሪት ተመለሱ
ሕጊ ናይ ስውኣት ቀልጢፉ ፈሪሱ
ዝሞቱ ይበልጹ ካብቶም ዝሕበሱ
ሕሰብሉ ሃገር ተላሒሱ፤
 
ክትድግፉ ነዚ ሕማቕ ስርዓት
ከይህበኩም መስታ እዞም ውጹዓት
ኣብ ሕቑኡ ዝወጾ መንዳዓት
ንህዝብና ኣውሪዱሉ መዓት
ሓደራ ዝጠልም ናይ ስውኣት፤
 
ሽማግለ ሃገር ተሸቝሪሩ
ኣርባዐተ ኣባጽሕ ዝቐበሩ
ሓሙሻዮም ሓደ እንተነይሩ
ኣበይ ከይዱ ኢሎም የዐገርግሩ
ወላዲ ይኸይድ ተኣሲሩ
ሓምሳ ሺሕ ይብሉ ከይሓፈሩ
ነዚኣተን እንተዘይቆጺሩ
ብዘይ ፍርዲ ይነብር ተኣሲሩ
በጃኻትኩም ህዝብኹም ዘክሩ
ሽዑ እንዳ እዩ ኔርኩም ክትጭድሩ፤
 
"ቅድም ብጽፍርና ሎሚ ብጽፍርና
ዘይንምብርከኽ ናይ ዓለም ለመና"
ታዐቢት ዲዩ ወይስ ድንቁርና
ንኸብድኹም ኢሎም ዝሃቡና
"መኸተ" ኢሎሞ ንለመና
ብምክልኻል ኣሪጎም ደቅና
ጸማም ሓደ ደርፉ ድንቁርና
ክንደይ ዓመት ንከታሉሉና፤
 
እቶም ጀጋኑ ቀደም ዝተኣሰሩ
እንተልዮም ተረፍ ዘይተቐበሩ
ንዐኦም ዘኪርኩም ዘይትሓፍሩ
እዚ ህዝብና ጥልመት ተማሂሩ
እንታይ ኰይኑ ከዳዐ ተቐይሩ
ከምዘይ ደቂ ሃገር ዝቝጸሩ
ዑሱባት ኢሉሞም ከይሓፈሩ
ሽዑ እንዲዩ ነይርኩም ተዐገርግሩ፤
 
ኣብ ቦትኦም ኰንኩም ነብስኹም ገምቱ
ንህዝብኹም እንታይ’ኩም ትሓቱ
እስከ ሕሰብሉ ነብሱኹም ሕተቱ
ተረፍ እንተልዩም ካብ አቶም ዘይሞቱ
ኣብ ክንዲ ሓደ ሰብ ትሟገቱ፤
 
ኣሎዋና ክፍኣት ዝለበሳ
ደናግል ዝመስላ ዝፈለሳ
ዐረ ዝመልሓሰን ዝበኣሳ
ዘይሓፍራ ቁሩብ ዘይምለሳ
ኣብ ርእሲ ሬሳታት ዝድንሳ
እንካብ ሰይጣን ንሰን ዝበኣሳ
ኣብቲ ክፍኣት ኢደን ዝሕውሳ
ንሳተን ኢየን ኢሳያስ ዘንገሳ፤
 
ቴጌሩ ዘይፈልጥ ተሰሪሑ
ገዛ ገዛ ኬድኩም ትኩሕኩሑ
ብቴለፎን ህዝቢ ትህዉኹ
ብዓል ገዛ ካባኹም ፈሪሑ
ንመሰራርሒ ተፈሪሑ
ህዝብና ጕዲሙ ብበሊሑ፡

ናይ ኣሜሪካስ እንሀዋለ ናይ ካልእከ?
ናይ ኣሜሪካስ እንሀወለ ናይ ካልእከ?
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...