ኣንታ ምዒሩ’ኖ ቆድዩ፡ ግሩም ዓርዩ፡
ግሂዱ’ወንታ ሕልሚ ኣኽዕቢቱ ፈርዩ፡
ሕምሽምሽ ሕልክስክስ  ክጓሓፍ ተፈልዩ፡
ኪፍታ ዲሞክራስያ ንኸብቁል ኻፍዩ።

ማዕርነት’ዩ መፍትሕ ኣፋፈት ምህብታም፡
ቅሳነት እምበር’ዩ ኣንታ ንቕድሚት ምስጓም፡
ፈላጢኡ ይፈልጦ ከይተሰ’ልመ ስሉም፡
ነዚ ስኢንካዶ ሓፋሸይ ክትዝለም?

እወ! መሰልካ’ኮ ውህበት’ዩ ፈጣሪ ዝቐብኦ፡
መዋልድኻ ‘ወ’ንታ፡ ትንፋስካ ዝመልኦ፡
ጉድ ኮይኑ መን ከማይ፡ ንበይኑ ኽሓዝኦ፡
መን ምስ ኮነ’ዩ’ሞ‘ንታ ንሓቂ ክገትኦ።

እኖ’ሞ ደሪሱ እምቢ! ኣይናይበይኑን ዓዲ፡
ሕሰም ክሞሖ’ዩ፡ እኖ’ቲ መኸዲ፡
ጽቕጠት ተነውኒዉ ሓጉስ ክኾን ግዲ፡
ሓፋሽ ዝፈተዎ ክጥምጠሞ ዓንዲ።

እወ! ሃገረይ ምድረ ገነት፡ ከተግህዶ ሓቂ፡
‘ቲ ዝመሃር ክመሃር ክርከብ’ቲ ብርቂ፡
ሓረስታይና ክሓርስ ክምስገን’ቲ ሓቂ፡
ዋጋ መስዋእትናስ ክቡርቁቖ ጸይቂ።

ወኻዕካዕ ክብል ህዝቢ፡ ከምቲ ዝበሃጎ፡
ላዕሊ ታሕቲ ክጻፋዕ ፍርህታት ክዘርጎ፡
ብሕጊ ክዳነ ምስጋና ከዕርጎ፡
ጻማ ምስ ክብረቱ ኣድራጋ ክሰንጎ።

ሓንጎላት ክሕረር ክፍታሕ ኣእሙሮ፡
ሃገርና ክትሕንበብ ከላእ ይደንቁሮ።
በዓል መንጥል ኣሕድግ ዓደልቲ ቁንጣሮ፡
ከልግሱ ካብ ስልጣን ኣሕሉቕ ዝሮ ሙሮ፡

ደጊም ሕጂስ በቒዕና ተሓለቕቲ ህዝቢ፡
እወ ሃብታም ቆፎሰ ኮንና ማዕከን መዓር ንህቢ፡
ዝለሓስ ዝበሃግ ዘይቁንጠር ካብ ዓቢ፡
ጽባሕ ጽባሕ በርኩት ዘይስልኪ ወሃቢ።

ኣንታ’ዚዶ ክውሕዶ ነዚ ገባር ቅያ?
ሕጹብ መዓንጣ’ወ፡ ንበጃ ዝጎያ፡
መኽበር መፍቀር ሰቡ፡ ዘይምእምኦ ዝርያ፡
ዝተጸበዮ ነይወሓደ ፍቕሪ ንምዕራያ።  

ዝሓለፈ ሕሰም ክኾን ዝነበረ፡
ጎነፍነፍ ስልጣናት ክስንዶ ክዕረ፡
ስኒ ኣድጊ ኮይኑ ሓፋሽ ክመዓረ፡
መበገስ ቃልስና ዕቕሚ ክባራረ።

እሱራት ክዳነዩ፡  ክፍትሹ ፍትሒ፡
ወለዲ ክፈልጡ ክገጥሙ ንሸርሒ፡
ውሉድ’ውን ክሕቆፍ እንታይ ዝኾን ጉርሒ፡
ክሰዓር ጸይቅታት ክሞት ጨርሐ መርሒ።
 
ደጊም ሕጅስ ኣኺሉ’ዩ ኣቋራጭ ንብተኮ፡
ድልየት ሓፍሽ ፍሉጥ’ዩ ነየድልዮ ስልኮ፡
ኣሕሉቕ ኮለል መለል ንምለሰሎም ሕልኮ፡
ሓፋሽና ክዕወትዩ!

ዲሞክራስያዊ ቃልስና ንቕድሚት!
ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

 


ሃይለ፡ ወልዱ።
ሎንዶን።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...