እዚአን እንታይየን? ኳዃት! እተን ካልኦትከ? ምራኻት!
እዚአን እንታይየን? ኳዃት!
እተን ካልኦትከ? ምራኻት!
እተን ካልኦትከ? ምራኻት!
of Crows and Calves
ኣይኮንኩምን ምራኻት
ከዘምብያልኩም ኳዃት
ኣይፈለጡን ታሪኻዊ ያታ
ኣየድልዮን ሃታ ሃታ።
ኣበለኹም ዓዲ ወግሪ
ኣበለኹም ደቂ ባሕሪ
ኣበለኹም ደቀ ምሓረ
ኣበለኹም ደቂ ኤረ
ኣበለኹም ደቂ ከረን
ኣበለኹም ዓተከለዛን
ኣበለኹም ደቂ ተሽም
ኣበለኹም ደቂ ካርነሽም
ኣበለኹም ደቅ’ሕርጊጎ
ኣበለኹም ደቅ’ኣባሓጎ
ኣበለኹም ደቅ’ስመራ
ሓቛፊት ኩሉ ጩራ ኣዝመራ
ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ሕለሙ
5%-10% ብዙኃን ሰልፊታት ክትተኽሉ
ንዓኹም ንጎረቤትኩም ዝውክሉ
ተወዳዲርኩም ትስዕሩ ትሰዓሩ
ብሕጊ ብስርዓት ሃገር ከተመሓድሩ
ሕለሙ ኣጆኹም ሕለሙ ውሽጥኹም
ኢሱ የብሉን ሓይሊ ኣብ ርእስኹም
ተሲእኩም ደቂስኩም ኣይእውደኩም
ከምቲ ናቱ ብደገ ካልእ ይርኣዩኹም
ብውሽጢ ደሞክራሲ ሕለሙ ንኹልኹም