ጥንታዊ ምስላታት ኣበው (ሻብዓይ ክፋል)

ካብ ምስ ተወቕዑ ምንጽርጻር፡ ከሎ ገና ሓጹር ምሕጻር
ካብ ምድብዳብ፡ ይሓይሽ ምእዳብ

ካብ ሽሕ ሰራራይ፡ ሓደ ዘይብሎም መኻራይ፡ ንኹሎም ኣኻኺብካ ናብ ቀላይ
ካብ ሽሕ ሃተፍ፡ ሓደ ከተፍ

ካብ ክፉእ ዝገብሩኻ፡ ክፉእ ዘልምዱኻ
ካብ ክልተ ደቅኖ ኣይተዳሉ፡ ህጓጕ መሸላ ኣይትሓሉ

ካብ ክልተ ጥነሲ፡ መታን ከይትሕጐሲ
ካብ ወደይ ከብደይ፡ ካብ ካልእ ሃገር ዓደይ

ካብ ክረምቲ ዘገልገለ፡ ቀውዒ ሰፍኢ ዘቐበለ
ካብ ዘገልገለ ዘውደልደለ፡ ካብ ዘማኸረ ዘጋለለ

ካብ ዝወርወረ ዝመኸረ፡ ካብ ዝኣመተ ዝሰደረ
ካብ ዝደፈረ ዝተጠራጠረ፡ ካብ ዝተጠራጠረ ዝተመራመረ

ካብ ዝጸድፉ፡ ቈንጠጠፈ ይሓቝፉ
ክልተ ሳዕ ዝበልዑ ይተፍኡ፡ ክልተ ሳዕ ዝዛረቡ ይኸፍኡ

ክርክር ካብ ስራሕካ የብኩር 
ክሳዳ ደጊፎም እንተላሃይዋ፡ ይዋእ’ያ ዘላ መሲሉዋ

ክሳብ ዝወጸለይ ዘመነይ፡ ጽግዕ ኢለ’ጸንሕ ኣብ ከረነይ
ክቡር የኽብረካ መጠን ነብሱ፡ ሕሱር የሕስረካ መጠን ርእሱ

ክብራ ንኽብራ፡ ተኸባቢራ ንዓለም ትነብራ
ክናብ ኣብ ማሕረሱ፡ ኣባይ ኣብ መልሓሱ

ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ
ክንድ ትገድፍ ትነድፍ፡ ክንድ ትለምጽ ትቑንድፍ

ክዉን ኣይምለስ፡ ጓህሪ ኣይኵለስ
ክፉእ ከፊኡ የኽፋኣካ፡ ሓተላ የትፋኣካ

ክፉእ ትደርፍ፡ ኣብኡ ትተርፍ
ክፉእ ዘተ፡ ይኸፍእ ካብ ዘመተ

ኰራዪ ተዀርማዪ፡ ጐያዪ ተገማዪ
ኳኽ ኣይጽዕዱ፡ ዕዉር ኣየማዕዱ

ኩሉ ይሓልፍ፡ ግን ክሳብ ዝሓልፍ የሕልፍ
ኩሉ ከደ ሓሓዲጉና፡ ኣነን እህህን ተረፍና፡ በለ ሓዘንተኛ

ኲናት ንዝወርወረ፡ መሬት ንዝገበረ
ኩምራ ዓሻ፡ መጻወት ህበይ

ክርእዩዎ ዝጸልኡዎስ፡ ምስ ሞትኩ ደገ ሰላም ቅበሩኒ በለ
ክበልዑዎ ዝደለዩ ኣባጉምባሕ ዘግራ ይብሉዎ

ኪድ ኣይትበሎ ከም ዝኸይድ ግበሮ
ካብ ሃገር ዝገዝእ ሰብነቱ ዝገዝእ ይበልጽ

ካብ ሓጹር እሾኽ፡ ሓጹር ሰብ ይጸንዕ
ካብ ሎሚ ዝገርገረ ዝብኢ ኣየሕደረናን

ካብ ሳዕ በሎ፡ ሳዕ ይቐርብ
ካባኻ ንዘይሓልፍ ጋሻ ጠጠዊቕካ ሰዓሞ

ካብ ሕሱም በቕሊ፡ ብሩኽ ኣድጊ ይሓይሽ
ካብ ዘይምዝራብ ደገዝምነት ይተርፍ

ካብ የጥዕመለይ ኢልካ ምዝራብ፡ የኽፋኣለይ ኢልካ ምሕዳግ
ካብ ጕይይ መዓል፡ ክሳድ ምሓዝ

ክልተ ጐራሓት ሓመኹሽቲ ስንቆም
ክምብል በለ’ምበር ኣይተዅዖን

ክበልዕ ዝደለየ ገደል ኣፉ
ክንዳና ዘይኮና ብኣና ይወዓላ

ክንብርኵት ከይንብርኵት ኣብ ማይ ንብጻሕ
ክዳን’ምበር ሕማቕ ዘረባ ኣይበልን’ዩ

ክጸድቕ ኢለ እንተሓዘልኩዋስ፡ ተንጠልጢላ ተረፈት
ኮፍ በለለይ ክብለጸልካ

ወሓጥዮ እንተ በልኩዋስ ትጐስመሉ፡ ግደፍዮ እንተበልኩዋስ ትውስኸሉ

ወራዙት ዝጠፍኡሉ፡ በዓለገታት ይወራዘዩሉ

ወራዙት ከም ቆርበት ይቕደዱ፡ ወዲ ማእምን ግን ዘይግዳዱ
ወዓግ ተታሒዛ ትስዕስዕ፡ ኣድጊ ተጻዒና ተዀምስዕ

ወኻርያ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር
ወይ’ዝ ዓሻ ከዐሽወኒ፡ ጣፍ ነቒዙ ይብለኒ

ወዮ ብቐደሙ ዘይጽቡቕ ስኒ፡ እንጣጢዕ ቍሒሙ ድማ ይስሕቀኒ
ወዮ ናታ ንሓማታ፡ ወዮ ንኡሶም ኮነ ንጉሶም

ካብ 'ናይ ኣቦታት ጥንታዊ ምሳሌ' ብሊቀመዘምራን ሞገስ ዑቕባገርጊስ ብ1958'
ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዝተዋጽአ ምሳሌታት

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...