ኣቱም ዓዲ ገዲዱ እንታይ’ዩ ጉዱ
ተግነን ኣቢሉዎ ጎብየ ሎምስ ፈጺሙ ዓቢዱ።
ሓንሳብ ዓሕ ይብል ይፍክር ሓንሳብ ይግዕር
ክፉእ ራኢ ይሕንሕን’ሎ ሕሱም የዕገርግር።

ክዘልልዩ ዝመስል መደልደል ክሰብር
ኣጠማምትኡ’ይግድን ይእነፍ’ሎ ይንድር።
ዝምለኽ ስለ ዘይመሰሎ ኣሚኑ’ዩ ድርዑ
ሻዲኑ’ዩ ጸኒሑ ፋኒኑ ብዙሕ ተበዲዑ።

ብታል ከይትሕዞ መትሓዚ ስኢናትሉ
ኣማራጺ ስኢና ሰንሰለት ኣእትያትሉ።

ክልተ ሳብዕቲ ክሕጸብ ይኣይ እንተሓሾ
ስንቂ ማጨሎት ተዳልዩሉ ጥሕኒ ኮሮሾ።
መንሞ የሕጽቦ እንተበልካስ ዕሹ ምሹ
ለካስ ተኸተልቱ ዕቡዳት ካብኡ ዘይሕሹ።
ዕብዳንሲ ያኢ ፋሺን’ዩ ኢሉ ስለ ዝመሃሮም
ንሶም’ውን ክፍርጥጡ መደልደል ሰቢሮም።

ዓዲ’ሞ ዋዛ ድያ ሰንሰለታ ኣኻኺባ
ጎብየን ሰዓብቱን ብሰንሰለት ኣብ ዛሬባ
ገለ ካብ ደርዓንቶ ገለ ካብ ዓዲ ራእሲ
ብጀሪካን ጌርካ ያኢ እንተኾኖም ፈውሲ።

ንዓይላ ምልእቲ ጨንቀብ እናበልካ ከተሕጽብ
ዓዲ ተኣሊሻ ተዋሪዳ ጸላኢኹም ከምዚ ይርከብ።
 
ኣታ ብኡ ጥራሕ ይመሰለልኩም በሉና
ኣብ ዘዘሎኹሞ ብጸሎትን ጾምን ሓግዙና።
ኤእ እንተዘይሓወዩ ድማ የሕጽሮ በሉ
ናይ እንዳ ጎብየ ሕማም ነዊሕ’ዩ ሱሩ።
ዓመታት ዝሻደነ ሕሱም ጋንየን
ደምን ጥንቆላን ለሚዱ ከይከውን።

ኣብኡ’ውን ክንፍትን እንተተመሰለልና
እንታይ’ሞ ክንገብር ተካላት ወሊድና።
ብጥዑያቶም ኣይቀሰንና ምስተጸለሉ ኣየዕረፍና
ንመን’ሞ ክንቦም እምኒ ትለድ ኩሉ ወዮ ኮይኑና።
እወ ጨካን ስለ ዝኾነት እምኒ ትለድ ከም ዝብሃል
ንሕና’ውን ኩልና ከነዕርፍ የሕጽሮ ጥራሕ ንበል !!!!!!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...