ዲሞክራሲ
ኣንቲ ዲሞክራሲ ስለምንታይ ብኣደንጎ ዘይትግደሲ
እዚ ናይ ዊልያም ዶላር ኣዕቢዱኪ
ልብኺ ንኣድንጎ ዘይዝክር ፊጺሙ
ኮይኑኪ ድዩ ሕሱር እቲ ገንዘቡ
ንዋይ ዊልያም ምስ ረኣየ ልብኺ
ዊስኪ ቮድካ ምስ ጥዓመ መልሓስኪ
ኣድንጎ ረሲዕኪ ብዊልያም ተጸሊልኪ
እምበር ግብጺ’ዶ ኣይነበረን መደበርኪ
ብፍቕርኺ መሪር እናነብዐ
ተስፋ ከይቆረጸ ልቡ እናጸናንዐ
ደደሕሬኺ ይሃልል መስተፋቕር ዝበልዐ
ይልምነኪ ምናልባት ልብኺ ኣንተሰድዐ
ዲሞክራሲ እም ኣበይ ክትርድእዮ
ዲሞክራሲስ ሓው ንዝቐተለስ ፈሪሕክዮ
ብፍቕርኺ ምስ ሰኣነ ዝሕዞ ዝጭብጦ
ምናልባት ውላዱ ሰሪቑ እንዳ ዊልያም እንተሸጦ
ወዱ’ውን ኣበይ ከይሰልጦ
ባርያ ኾይኑ እዩ ተሪፉ
እቲ ምስጢር ዊልያም ምስፈለጦ
ንስኺ ከኣ ጥሜት፣ ኤይድስ፣ መንሽሮ
ናብራ ድኽነት መን ክነብሮ
እናበልኪ ምስቲ ጮማ ዝምንጻፉ
‘ምቾት’ ደርፉ ልብኺ ተሰሪቑ ተሪፉ
ንብረቱ ሸይጡ ዋጋ ምውጻእ ምስሰኣነ
ሓደ ዓቢ ሂያብ ክህበኪ እዩ ዝሓለነ
እንተኾኖ መፍትሒ ጸገሙ
ኣብ ክንዲ ገንዘብ ሂቡኪ እቲ ድሙ
ወርቅን ብሩርን ድኣ ካበይ ከምጽኣልኪ
ኣይፋሉን ግን ልብኺ
ገንዘብ እዩ ዝፈቱ
ምእንታኺ ደሞም ሂቦም
በዓል ኣደንጎ እናሞቱ
እዚ ናይ ዊልያም ዶላር ኣዕቢዱኪ
ልብኺ ንኣድንጎ ዘይዝክር ፊጺሙ
ኮይኑኪ ድዩ ሕሱር እቲ ገንዘቡ
ንዋይ ዊልያም ምስ ረኣየ ልብኺ
ዊስኪ ቮድካ ምስ ጥዓመ መልሓስኪ
ኣድንጎ ረሲዕኪ ብዊልያም ተጸሊልኪ
እምበር ግብጺ’ዶ ኣይነበረን መደበርኪ
ብፍቕርኺ መሪር እናነብዐ
ተስፋ ከይቆረጸ ልቡ እናጸናንዐ
ደደሕሬኺ ይሃልል መስተፋቕር ዝበልዐ
ይልምነኪ ምናልባት ልብኺ ኣንተሰድዐ
ዲሞክራሲ እም ኣበይ ክትርድእዮ
ዲሞክራሲስ ሓው ንዝቐተለስ ፈሪሕክዮ
ብፍቕርኺ ምስ ሰኣነ ዝሕዞ ዝጭብጦ
ምናልባት ውላዱ ሰሪቑ እንዳ ዊልያም እንተሸጦ
ወዱ’ውን ኣበይ ከይሰልጦ
ባርያ ኾይኑ እዩ ተሪፉ
እቲ ምስጢር ዊልያም ምስፈለጦ
ንስኺ ከኣ ጥሜት፣ ኤይድስ፣ መንሽሮ
ናብራ ድኽነት መን ክነብሮ
እናበልኪ ምስቲ ጮማ ዝምንጻፉ
‘ምቾት’ ደርፉ ልብኺ ተሰሪቑ ተሪፉ
ንብረቱ ሸይጡ ዋጋ ምውጻእ ምስሰኣነ
ሓደ ዓቢ ሂያብ ክህበኪ እዩ ዝሓለነ
እንተኾኖ መፍትሒ ጸገሙ
ኣብ ክንዲ ገንዘብ ሂቡኪ እቲ ድሙ
ወርቅን ብሩርን ድኣ ካበይ ከምጽኣልኪ
ኣይፋሉን ግን ልብኺ
ገንዘብ እዩ ዝፈቱ
ምእንታኺ ደሞም ሂቦም
በዓል ኣደንጎ እናሞቱ