ዝዓበየት ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዓለም
ህግደፍ መስሪታ ኣብ  ማንሃይም
ዓባሳት ተናጊፎም ካብ ሕማም መሃይም
ተመሃሮ እንታይ ኮለጅ ኣበለኩም ሕልምልም
ፕሮፈሰር ዓውለማ ከሎ ፍልስፍና ዘቑሕም።

መስክነይቲ ጀርመን ንነዊሕ ዶንቂራ
ሕጂ መጺኦሙላ ዘውጽኡ ሓራ ሓራ
“ትምህርቲ” ዝዕጣቖም ሰብ ሽራራ
ደቂ ህግደፍ ደቂ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ
ኣብ ክንዲ ብርዒ መጽሓፊቶም ካራ።

በሪቖም ብጽኣት ዝምዕዱ ሕቡኣን ባሕተውቲ
ተፈጢሮሙልኩም ናይ ጸሎት ሊቃውንቲ
ቁኒን ኣይትበሉ ኣይትሕመሙ ብመጽናዕቲ
ኣብ ኣስመራ ተኪፊታ ኣላ ዓባይ ዩኒቨርሲቲ
ቅርንጫፋ ኣብ መንሃይም ታሕቲ ታሕቲ።

ብኢዱ ናይ ክብሪ ዶክቶር ዝሰቐለ ኣብ ክሳዱ
ኣብ ሳሕል ሃጢሩ ረጉዱ ከሲዑ ሰዊዱ
ወከልቲ እንበኣር ኣቐሚጡ ኣብ ዓዓዱ
ናይ ቲቪ ኤረ ከይኣክል ናይ ዓሊ ዓብዱ
ኣብ ኤውሮጳ ዓውለማታት እንሆ ወሊዱ።

ጉዳም ደሃይ ኣስመራ ቲቪ አረ
ብትግርኛ ኣብ ማንሃይም ፍልስፍና ተዋፈረ
ሓንቲ ኣስካሉ 6 ውጩታት በብእብረ
ጀመሩ ከስምዑ ዘይተጻሕፈ መደረ
ፈላሚ ጀብሃ-ነበር ሸቃ ዓውለማ ገዓረ።

ሓዳስ ጋዘጠኛ ቀጸለት ገስገሰት
ኣብ ጀርመን የለን ናይ ፕረስ ናጽነት
ዓለም ብኣመሪካ ኢያ ኣፋ ዝተዓብሰት
ከም ማይ ትቕዳሕ መሰል ሰብ ትኽ በለት              
ኣብ ኣስመራ ጥራይ ኢያ እንኮ ዝቦቐለት
ክትብል ብጸያፍ ኣፋ ቃላታ ደምደመት።

ብጎድኒ ደበኽ በለ መን ክብሎ ኣቶ ኹስቶ
ንኩሉ ትምህርቲ ኣብ ሃይድልበርግ ዝፈትፈቶ
ኣይ ኣልጫዶ ኣይ ቀይሕ ጸብሒ ወይ ሕምቶ
ገለ ዘንበቦዶ ወይ ዝተጻሕፈሉ ካብ ፎርቶ
ሓሞኽሽቲ ነስነሰ ክፍሊ ዜና ዝሃንኮቶ
መስኪን ሕብሩ ዝቐያየረ ከም ነፋሒቶ።

ዓው ኢሉ ሓቂ ስለ ዝዛረብ መራሒና
ዓለም እዛ ሓሳዊት ብምላኣ ትጸልኣና
ሽታ ሽላን ዕንበባ መሮር ንሕና ኢና
ብዘይ ገደብ ብዘይ ደረት ዝዛረብ ኣያና
ክብል ንኣዶ ነቲ መራት ገረወይና
ቀዳድ ባዶ ዝኣፉ ባዶ ሽከና።

ዝቦኽበኸ ርእሲ ነቕጺ ዝቦቐለ ሓምሓም
ግርማ ዝረሓቖ በዓል ሳእኒ ጥላም
ሕግታትና ዘብረሰ ናይ ብራና ሕታም
መንዳዓት ህዝቢ ዘይተገርዐ ብሉጓም
መንሽሮ ሃገር፣ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕማም
ቃልቃል ኣቢሉ ዝቐየራ ንኤርትራ ፈሓም።

ሕማም ከብዲ ጻብእ ከስዐ ፈጊ
ጸረ ፍትሒ ኩብኩብታ ሕጊ
ሕብረ-ኣልቦ ዝቐየረ ህዝባዊ ባህጊ
መብረሲ መብረስ ሰውሒ ባርኖስ ናይ እኽሊ ሞርጊ
ተጸበ ትመጽእ ኣላ ሃገራዊት ሓለንጊ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...