ንፑሽኪን’ዩ ሓኒጹለይ
ነንበይኑ ልቡ ምሳይ።
ኩሉ ስኢነ ክጠሚ
ስእሊ ናቱ ኣሓንቐቐኒ
ይኣክል ኢለ ክነፍጽ
ንዙረት ከደ ኢሉ’ዩ ዝገልጽ
ኣሽሓት ከለው ሓውልትታተይ
ንፑሽኪን’ዩ ሓኒጹለይ
የለን…የለን ቀልቡ ምሳይ
ኣይናተይን እዚ ሰኣላይ።
መሲልዎ ምበር….
እቶም ሓወልቲ ኣብ ልብና
ንመዋእል ኣብ ህሊና
ዝተበጀው’ዮም ምእንታና
ክርሕወና ክጥዕመና።
እቲ ሓወልቲ ኣብ ጎደና
ዘስፈርዎ ኣብ ደገና
ሕልፍ ክንብል ንርእዮ
ምስ ሰገርናስ ንዕለቱ ረሲዕናዮ።