ቀይርዎ ሙዚቃኹም ደርፍኹም


መቸም.....

 እንታይ ዘይሰማዕና ዘይረኣና
ዓሚ መስደመም ርኢና
ለዘበን መስደመም ሰሚዕና
ኣብ ገደናና፡  ድሕሪ ገዛና
ኣብ  ጽላል ዳዕሮና ባይቶና፡፡
እዞም ሃጸይ ኢሳያስ ንጉስና
ቆፎና ዝነግፉ እንተላይ ጁባና
ስጋና ዝበልዑ እንተላይ ዓጽምና
ዓጽምና ዝሰብሩ ፡ ዘንቁሩ ዓይንና
ዘልኣለም ዝውርዝዩ ብጥሜት ሕሰምና
ይነብሩ ኣለዉ ብናይ ሕልሚ ማና ።
እንተ ንሕና ' ሞ ብጥሜት ተፋሒስና
ካብቲ ዝነበሮ መመሊሱ ይመረና
ካብ ዓሚ፡  ለዘበን ይኸፍኣና
ካብ ቅድሚ ዓሚ፡ ዓሚ ይሕሸልና
ካብ ኣካሒዳ ፡ ለዘበን ከፊእና
ካብ ቱርኪ’ውን ናትኩም ገዲድና  ።
ክንዲ ረጒድ ጎጎና፡ ክንዲ ቂጫና
ክንዲ ሓፊስ ጸባና ፡ ክንዲ ሃንዛና 
ክንዲ ጻዕዳ ጣፍ ኢለና ጣይታና
ሓንቲ ባኒ ኰይና ስንቅና ቀለብና
ዘይተምውት ዘይተስርር ከኒና 
..........ወረ ንሳ’ኳ ጠፊኣ ተሳኢና  ።
እሞ ንመኣስ ደኣሉ እዚ ኹሉ መብጽዓ?
ከይሓዝኩም ከይቀረብኩም እንቅዓ
ዶስ ክንጽበየኩም ንባሕቲ ጥሪ
ተቓሊስና ከነጽንሓ ነዛ ሓጻር ዕምሪ
ክንርእዮ 'ቲ ዝመጽእ ዝቦቅል ዝፈሪ፡፡
እንታይ በሊዑ ደኣ'ዚ ህዝቢ
ክሰርሕ ውዒሉ ዝሓድር ከምዛ ንህቢ
ሓንቂቑ ዝተባህለ በቶም ጨካናት ኣሕሉቑ
መስኪናይ ብጥሜት ክሳዱ ሓሊቑ፡፡
'ቲ ዝበልዖ ተተሚኑሉ ብካሎሪ ብቢያቲ
በቶም ነውራማት ህግደፍ መላገጽቲ
 ተማባጺዖምሉ ነይሮም ዓሚ ከምዚ ወቕቲ
ህዝብና ከምድላዩ ክበልዕ ክሰቲ፡፡
ዓሚ ቅድሚ ዓሚ ሓሊፋ ብዘይ ፍረ
ለዘበን ውን ይመረና ከም ዕረ
ስለዚ መልስሉ ደኣ ህግደፋውያን
ብሓሶት ኣይትሽቅጡ ኣይትኹኑ ምስላውያን ።
ካልእ ደርፊ ደኣ ኣምጽኡ ይኣኽለኩም
መ ኒናዮ 'ቲ ናይ ዓሚ መዝሙርኩም
ቀይርዎ ግጥምኹም  ዜማኹም
መምይዎ  ፈት ግዎ ድርሰትኩም ቴማኹም 
ክንሰምዖ ጣዕሚ  ዜማኹም ቃናኹም !!!
.......................................................
ዮና ካብ ኣስመራ ታሕሳስ 2009

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...