~ወላድ መኻን~  
ኣንቱም ኣቦ  እዚ ወድኹም’ሲ....
ኣበይ ተሰዊኡ ይበሃል?

እህህህ...ኣይትተዓደሎ‘ዚ ወደይ
ዝሃበካ ተስፋ፡ ሂቡ ኣይኽላእካ
ዝኣተወልካ ቃል ኣማስዩ ኣይጥለምካ
ዘዕበኻዮ ከልቢ ኢድካ ኣይንከስካ
እሾኽ ምድሪ-ቤትካ ኢድካ ኣይውጋእካ  

እንታይ ኢልኩም ኣቦ.........?
ብውላድካ ኣይቀረጽ ኣምዑትካ
ብርስትኻ ኣይደፈር ክብረትካ  
ፈጣሪ ዓለም ብዘይምጻእ ኣይምጻእካ
እንክኸውን ብእትፈትዎ ውላድካ።

እዝጊሄር ብዘይ ምጻእ ክመጽእ ከሎ
ኣብ ዝባንካ ጋኔን ክሰርር ከሎ  
ኣብቲ ኵናት፡ ኵናት ክዘንብ ከሎ  
ኣየርኢኻ ኣይትርኣዮ ኣይትተዓደሎ።

ውሉድ ጥዑም፡ ውሉድ ሕሱም
እንተሎ ኣየቕስን እንተሞተ ኣየቕስን  
እንተ’ሎ ኣብ ዝባን እንግደዓ ኣሎ
እንተሞተ ኣብ ማሕተም ልቢ ኣሎ።

ኣየ ‘ወ........
ክንደይ ክጥዕም ወላዲ ክቕድም ከሎ
እዚሄር ይፈቱ ሰብ እውን ይቕበሎ  
ክንደይ ክጥዕም ህውከት ዘይብሉ
ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ ዓለቕቲ ዘይብሉ።

ኣንቱም ኣቦ ኣበይ ዲዩ ተሰዊኡ...... ?
በል’ዚ ወደይ....

ባንዴራ ገቲሩ ካብ መሮር ምስ መጸ  
ማሕለኻ በቲኹ ኣብ ብርሃን ምስ ወጸ    
እሾኽ ዓጋም ወጊእዎ እንድኡ ከይበጽሐ
ከዋኽብቲ ከይወጹ ከይጸብሐ ከይወግሐ።

ኣብ ጸባብ ዒላ መኣውይቲ ዘይብላ
ኣብ ርስንቲ ሞቕሎ ኮንተይነር ጋብላ  
ትንፋሱ ሓሊፋ ብኹርማጅ ሓለንጊ
ቶባ ደጊም ኢላ ፍትሒ ከተናዲ።  

ኣቦ፡ ኣጆኹም ደሓን ክወግሕ ኢዩ........
እቲ መርገም ወላዲ ኣይሰድድን ኢዩ
እቲ ነጎዳን በርቅን ከኣ ክሓልፍ ኢዩ  

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...