ብሽግ ሀልሀልታ እትክበር ዕለት
መቓያይሮ ዘመን ሓባሪት መሠረት
ንኲሉ እትለዋውጥ ዓዲ  ሕቆ መሠረት
ፍሉይ ሕላገታ ቦኽሪ ዓመት።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና
ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘሎና
ራህዋን ቅሳነትን ንኲሉ ዜጋና
ምልኪ ዘይብሕታ ኤርትራ የርእየና።

መጺኺ እምበአር መስከረም ወርሒ
ትዓዚብክዮ አሎኪ ናይ ህግ ሽርሒ
ናይ ኲሉ መቃያይሮ ንስኪ እንድኪ
ሕዝብና ንኽቐስን ጸላእትና ግንሒ።

አይፈልክን መስከረም ጀማሪት ዓመት
መሠረት ለውጢ ኢኪ ብዕጥቂ ብማእቶት
ጥልመት እውን ተፈጺሙኪ ዘይአመልኺ ክሕደት
ትዓዛቢት አይትኹኒ ሕዝብና ክዝመት።
 
መስከረም ኢኪ አደ ወርሒ ግንቦት
ሰብ ኒሕ ዘላዓዓልኪ ንሀገራዊ ናጽነት
ድሕሪ መሪር ተጋድሎ ዝሃብክና ክብረት
ብትኽትኽ ዘበልናዮ ናይ መግዛእቲ ሠንሰለት።

ብዘይ ተጸበናዮ አቲና አብ ቀይዲ
ህግ አምጺእክልና ሥጋ ሰብ በላዕቲ
ብማእሰርትን ስደትን ትበርስ አላ ዓዲ
አይፋል ኢልኪ ሕጂስ ንፍትሒ መጉቲ።

ድሃይ ሃቢ መስከረም ግበርልና ፍቕያ
ወያ ያዋህ መሬትና ብንብዓት ጠልቕያ
ጠላማት ብሒቶምዋ ስኢንና እውን አያ
ብጸሊም ዝክደና መሊኡ ጽንግያ።

ወዮ ንጹሕ ሕዝቢ የዋህ መፈጠሩ
አብ ጉድጓድ  ብዓቲ ዄይኑ ሰፈሩ
ሐደ እዃ የለን ዝበልዕ ማእሪሩ
ብጃምላ ኢዩ ኲሉ ተማሪሩ።

ውጽኢት መሪር ቃልሲ ናይ 30 ዓመት
ብህግደፋዊ ጉጅለ ተከዲኑ ድበት
ንሕዝብና በሒትዎ ከቢድ ዓቕሊ ጽበት
ድሃይ ድአ ግበርልና መሪሩና ውርደት
መስከረም ምርሕና ንለውጢ ብቕጽበት።

ጠላማት ንስደት ወዲ ሀገር ንዓዲ
ረማዕ ኢሉ ዜጋና ብሕጊ ክዝቲ
ፍቲ ፍቲ ክጻወት ብምዕባሌ ሀብቲ
እተናፈኣፈቐ ቤተሰብ ክስዓዓም ምዕጉርቲ ንሞጉርቲ።

ኢደይ ኢድካ ንበል ንሀገርና ክንአቲ
ብህግ ዝበረሰ ባህሊ ክዕንብብ ከም ጥንቲ
ብሰላም ክንነብር ዘይብሉ ሐመስቲ
ሓጂሽ ወለዶና ክቀስም ዘበናዊ ትምህርቲ
ካብ ግዱድ ዕስክርና ገገዝኡ ክአቲ
 
መስከረም ትጽውዓናላ  ብቀትሪ ብለይቲ
ናይ ሀገርና ናጽነት ክንኸውን ተጠቐምቲ
ናይ ባህልናን ልምድናን ክንከውን ወነንቲ
ኣብ በባይቶ ዓደቦና ክንመክር ክንዝቲ
ጸዋዒት መስከረም ንቀበል ብሓባር  ሰብአይ ሰበይቲ
ሕልሚ ዄይኑይትረፍ ናይ ህግደፍ ትምኽሕቲ
ሀገር ናይ ብዙኃት ብዙኃት ንሀገር።
 
ኤርትራዊ ማኅበር ተጣባቒ ሰብአዊ መሰል
ሽቱትጋርት ባደን ቩርተምበርግ ጀርመን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...