ክሳድ ዘራፍ! ብዳንኤል ተኽለጊዮርጊስ
እንግድዓኣ ዳርጋ ነዊት
ተሰኪሙ ጉንኦ ሸዊት
ጓል ቀይሕ ባሕሪ ተፈታዊት።
ሸጥ መዓንጣ ዝተፈትለ
ከም ብርለ
ዝተመልመለ።
ኣብ ልበይ ዘሎ
ንዓኺ ዝብሎ
መን ክኣምኖ።
ባዕለይ ዝፈልጦ
ውነይ ዝገልጾ
ስኢነሉ መቓምጦ።
ሰማያዊት ከም ባሬቶ
ኮዘን በሊ’ሞ በቱ ባይቶ
ተተሓሒዝና ገዛ ንእቶ።
መሳቱና
መዓብይትና
ክሳብ ዝፈልጡልና፣
ከም ባህልና
ከም ወግዕና
ምኻድ’ሕሸና።
ጠስመወይቲ ሎዃዂቶ
ኩሉ ነብሳ ጎልቢባቶ
ብትዕግስቲ ዓቂባቶ።
ትጸናቶ በቲ ዓንቀጽ
ፍር! ትብል ናብ’ቱ ቐጽቀጽ
ትህወኽ ክንደይ ትርበጽ
‘ዛልበይ ምስኣ ትብቆጽ።
ኣዳህሊላ ሰሊባታ
ሃመይ-ቀልበይ ተማሊኣታ
ርሕሚ ከብደይ ሰፊራታ
ንእስነተይ ገቢታታ
ከምዘይብላ መተካእታ።
ተሓቢኣ ትሕቲ ህድሞ
ትምዕደኒ ክጽመሞ
ንኣዳም ክሳብ ዝገርሞ።
ጻዕዳ-ስና እንቋቑሖ
እንተዝቕልቀል በቲ መልሖ
ንዕዉር ምደጎሖ
ነ’ንበሳ ምዘቦሖ።
ቅሙጥ
ጥቕሉል!
ፈጣሪ ም’ሰረሖ
ክሳብ መኣስ’ያ ከተጽንሖ።
ክሳድ ዘራፍ
ልቢ ምዕራፍ
ኣመል ጌራቶ ምትህርራፍ
ጸጸኒሕካ ምኩልላፍ።
ትወዛወዝ ምስ’ዙ ንፋስ
ትገናጽሎ ነቱ መጽሓፍ።
መዕቆር-ታሪኽ
ድሙቕ በሪኽ።
ናይ ጉስነት ናይ ንእስነት
ናይ መስዋዕቲ ናይ ገርህነት
ጽሩይ ንጹህ ናይ ብኡነት።
ኣየ መልክዕ ኣቤት ግርማ
ኣቤት ጸጉሪ ንማእለማ
መላእኽታት ሸሊሞማ
ገምገም ባሕሪ ኣስፊሮማ
ክሳድ ዘራፍ ኣምሲሎማ።
እንታይ’ሞ ዓቢጦማ
‘ዞም ሰብ እዋን ጸቒጦማ
ስልማታ ቀንጢጦማ።
ነቲ ጸጉራ ቀምቂሞማ
ዓሊባቦ ቀይሮማ።
ትሕቲ ኹሉ ኣስፊሮማ
ንምክሐ ደርብዮማ።
ኣባ ዥጎ መርቑኒ
ጥዕና’ሎኒ
ዝሃብኩኒ፣
ክሽቅሎ
ባዕለይ ክውዕሎ።
ክሳድ ዘራፍ’ዛወለሎ
ኣልማዝ ኩሕሎ
ዕንቊ-ባሕሪ ዘይትምኖ
ክትቁነኖ
ስውንዋኖ።
በቱ ጎደና ኮምብሽታቶ
ቪላታት ቲራቨሎ
ጂራ-ፊዮሪ ካምቦቦሎ
ብዘይ ስግኣት ናይ’ዞም ወፖ
ክትዛወሮ!
ኣብ ማይ ጃሕ-ጃሕ ክትሰኣሎ
ግርማ-ሞገሳ ከተስተማቕሮ
ክትሕበኖ!!
ሸናዕ ክትብሎ
መኣዲ’ሕዋት ክትጽንበሮ
ዕስክርና ዘይበከሎ።
ኣነ ዝደሊ
ሰላም ምስ ፍቕሪ
ጻማ ንግብሪ።
ኣነ ዝጸልእ
ሰላም ዝኽልእ
‘ማእል ዝበልዕ።
ኣንቲ ብርዛፍ
ክሳድ ዘራፍ
በቲ’ጻድፍ
ንፋስ-ባሕሪ እንኪሃፍፍ
ኣብ’ቲ ገምገም ከነተንፍስ።
ኣጋ ግዘ
ዓይኒ ምስ ሓዘ
ክንዋዘ።
ክልእኮ ኢየ
ንእሽቶ ሓወየ
ተቐበልለየ።
ወርሒ ምስ ወጸት
ኣጸቢቓ ከይደመቐት
ውጥም ቅልቅል እናበለት
ከነንብቦ’ቱ ወረቕት።
ንብዓታ’ለዎ ናይ ዝሓለፉ
ከይቀሰኑ ከየዕረፉ
ብውዑይ ደሞም እናጸሓፉ
ምስ ናፍቖቶም ዝተኾልፉ
ብዕሸሎም ዝተቐዝፉ።
ውሽጢ ባሕሪ ዝጠሓሉ
ብሙቐት ጸሓይ ዝሓረሩ
ብጎዲብ ካራ ዝተመትሩ።
ዶብ ክሰግሩ
ዝተፈንጀሩ
ብጠያይቲ ዝተመንጠሉ።
ሃየ ሓደራ!
ንዓድና! ንስድራና!
እናበሉ ኣርድኡልና።
ክሳድ ዘራፍ
ኣጸቢቕና ከይንደሓፍ
ንዘትየሉ!
ንግበረሉ ድባብ።
ዓደ’ቦና ክድበሱ
ከም ባህሎም ክከሓሱ፣
ብርኮም ከስብሩ
ዝሑል ማይ ክቋረሩ።
ዝተሰ’ዱ ክምለሱ
ኣብ’ቱ ማይቤት ክሕወሱ
ንሓድሕዶም ክደዓዓሱ
ጉዳይ ዓዶም ክቕልሱ።
እቲ ኹሕሊ
ክወጽእ ካብ ጥፍሒ፣
ንሸፋሽፍቲ ቅርኒብ-ዓይኒ
ክንጸግ ይረኣየኒ።
ቆላሕታኺ ክደጉሓኒ
ሰጊድ ሰላም ከብለኒ
ክሳድ ዘራፍ ተቖነኒ
ክንደይ እዋን ክትድርመሚ።
ሕልሚ’ይኮነን ጋህዲ
ክዓግብ’ዩ መኣዲ
ሸውሃቱ ከርዊ ትውልዲ።
እሱራት ክፍትሑ
ቤት ማሕቡሳት ክፍንጥሑ
ኩሉ ከንግህ ናብ ስርሑ።
ከይፈርሑ!
ቆልዑ ክሰሓቑ
እናበሉ እዋ’ና’ዩ ወጊሑ።
ክሳድ ዘራፍ ክብሉኺ
ክማሙቑ’ብሕቑፎኺ
ለይትን ቀትርን ክስልሙኺ
ክኸፍትዎ ባሕሪ-ከብድኺ
ምእንቲ ክትዋስኢ ምስ ጎረባብትኺ።
ክሕበኑ ብኣኺ
ክሳድ ዘራፍ ክብሉኺ
ከምበልብሉ ባንዴራኺ።