ስልጣን ኣምበላይ
እንትዝኾነለይ ልቡ ቐላይ
ዋሕሊሉ ንምእላይ
ሚዛን ብምሕላይ።

ኣብ ዓዲ!
ሓላው እኽሊ ሓላው ግራት
ሕዛእቲ ኣኽራናት
ዝመልኡ ማዕከናት
መሳገሪ እዋናት።

ኣኽባሪ በዓላት
መናበሪ ብስርዓት
ዝበደለ ዋሕስ ምዕጋት
ክድንፍዑ ትካላት
ናይ ሃገር ቅናት።

ዝእበ እንዳ ጭቃ
ትስሕብ ተማሕጺንካ
ንሞገተ ደው ኢልካ
ተፍስስ ጉዳይካ
ትቕበል ብጽሒትካ
ተፈጽም ትእዛዝካ
ሕጊ -ማሊእካ።

ስልጣን!
ስራሕካ ልኡኽ
ኣብ ባይቶ ቡሩኽ
ብግርማ ትመልኽ።

ኣብ ከተማ፣
ትጸናቶ ዕዳጋ
ውረድ ደይብ ናይ ዋጋ
ከይዋሰ ዜጋ
ዘወር ትብል ብኣጋ
ከይዝረግ ሪጋ።

ከም’ቱ ንቡር
ብታሪኽ ንጉር
መልክዕካ ንጹር
መልኣኽካ ሕፉር
ተወዝ እንክትብል
እግርኻ ዝረኣየ ብኣኻ የዕልል።

ድምጽኻ ክቡር
እሕሕ እንክትብል
ይሓንኽ ዘታልል
ምድር ቤቱ የዋሕልል።

ዕዳጋ  ይዕምር
ማህበራዊ ናብራ ይቐልል
ፍሕትሕት ትብል ዓዲ ክትምዕብል።

ናይ’ዛ  እዋን ጉድ
እዙ ስልጣን ክረጉድ፣
ከምስል!
ምልክት ኣብ መንኩብ
ተረቢቡ!
ከም ጎበጣ ኣርኩብ
ሙያ-ብሉ ዘየወቅብ።

ወዮ ንቡር፣
ኣሪጉ ተባሂሉ
ከም ዒቃ ተጻሒጉ
ከም ዋለኻ ተባሕጒጉ
ተጓሒፉ ተሓግሒጉ።

ስልጣን ጉዕላይ
ለኺፍዎ መንደላይ፣
ኣኺሉዎ
ጋኔን ሰሪሩዎ፣
ዝተወልደ ምምንጣል
ሽማግለ ምዝንጣል
ዘይናትካ ምዕምጣር፣
ስራሕ ቆጺሩዎ
ጋሕንትዕርብ ተተሓሒዙዎ።

ዘመኑ ዘመን ግርምቢጥ
ኣብ ዘውዲ ኹጢጥ
ከስዐ ዝፍጥጥ
ኣረማጥጥ
ምንጥል ምልጥጥ።
ተቖጺሩ ፈሊጥ
ዓይኒ ፍጥጥ
ብሒም ንዝበለ ቕትቅጥ
ቤት ማሕቡስ ልኩት
ድፍን ዕብጥ
ርስዕ ኣጽቅጥ።

ካን!
ኣሳዕ ዝብል ተሳኢኑ
እቲ ምንታይ ልብና ገንጺሉ
ወሲዱዋ መንጢሉ፣
ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ
እናበለ ኣታሊሉ።

ምስ በሓተ!
ንበይኑ ዓንዲሩ
ፈሊሉ ሳዕሪሩ
ሃሊሉ ፈንቲሩ
ከም ኣመሉ በረኻ ሰፊሩ
ገዛ ምእታው ስኢኑ።

ወጺዑና በዲሉና
ድፋዕ ኣስፊሩና
ክሳብ ዝሓርር ንእስነትና።
እወ!
ሸዊት ዕድመና በሊዕዎ
ከም ዘይፈሪ ኣምኪኑዎ።

ኣገልግሎት ኮይኑ ስምና
ልኢኾም ዘይጸግቡና።

ከይበጻሕና ዓዲ ውዒልና
ከይመሰልና ኣሪግና
ከይረኣናያ እዛ ሂወትና
ትሰቱኽ ካብ’ዛ ኢድና።

ወይ’ዙ ስልጣን!
ብብርክና ነጢሩ
ብዝባና ሓዂሩ
ኣብ ርእስና ሰፊሩ
ደይመድይ ኢሉ
ክብትነና ከም ጨራሩ
መስሓቕ ጎሓላሉ።

ንሱ ውሒዱዎ
መንፈዓት ቆጺሩዎ፣
ይብል ቀልባዕባዕ
ምስ ኩሉ ይጻባእ።
ኣመል ስኢኑ
ተናዒቑ ተመዚኑ
ንምሕዝነት!
ኣይበቅዕን ተባሂሉ።

ህ’ሞ በል ኣባዥጎ
ከም’ቱ ንብህጎ
ኣበይ ከይንረኽቦ
ዘንጊዕና ዓንተቦ።

እዙ ስልጣን!
ክረክብ መብረ
ክርዕም ንእብረ
እንታይ እንተ ተግብረ
ክንብል!
ቅድሚ ዝኣገረ
ተሃዊጽና ብወረ።

እንተ ንሱ
እንኮ ደርፉ
መውጽኢት ኣፉ
ጸላኢ!
ኮይኑ ተሪፉ።
ንሱስ ደሓን ተለኺፉ
ግናይ ሰጊሩ ተጎኒፉ፣
እቲ ዝገረም!
ናይ’ቶም ዝስዕቡ ኣሰሩ
እንኮ ከየትረፉ
ዝሽምድዱ መጽሓፉ።
እዚኣቶም!
ተተሓሒዞም ክሳብ ዝጸድፉ
ኣበይ ከይጋደፉ።

እንተ ንኣና!
ከይነግርሮ በርቲዑ
እምብዛ ፈርጢዑ፣
ከይንኣስሮ ነዊሑ
ብዙሕ ጸኒሑ፣
ከይንመኽሮ እዝኑ ኮሪዑ
ልቡ ዘንጊዑ፣
ምሒር ሰሲዑ
ሕድሪ በሊዑ
ንዒቑና ተጠሊዑ።

ህ’ሞ በል ኣባዥጎ
ንኣኻ ክንሓድጎ
ማይ ጳጉሜን ክንሓጽቦ፣
መን ይፈልጥ እንተሓሾ
ናብ ልቡ እንተመለሶ
ምስ ሰቡ እንተሓወሶ
ምስ ሓድሽ ዓመት እንተሓደሶ።
ይዕርጋ’ሎ
ይመጽኣካ’ሎ!
ምህልላ ካብ’ቲ ደጎል
እዝግዮታ ካብ’ቲ ጎልጎል።
መሊኡ’ሎ!
ባሕታዊ ኣብ’ቱ ጎቦ
ብሕዛብ ብዛዕጎል
ብምርኩስ ብመስቀል
ብዕጣን ብሰንደል
ዝልምን ዝጽለል።
ኣባዥጎ ህ! ደኣ በል
በጃኻ ተለመን
ክትሃድእ ‘ዛዘመን
ስልጣን ብባይቶ ክትመን
ስራሕ ብብቕዓት ክሙቕነን።
ሽማግለ ክጡረት
ከዕርፍ ብኽብረት።
እዙ ስልጣን እታ ዘውዲ
ክወርዱ ናብ ዓውዲ
ክትከለሎም ዋሕስ ዓንዲ
ግቡኣ ክትረክብ ዓዲ።

ስልጣን ሓለቓና
ምስ ጎረባብትና
መዳውብትና
መናግድትና
ከመ’ዓልካ ኣጥፊኡልና
ሰምይዎም ጸላእትና።
ንሳቶም
ከይዓጀቦም፣
ለይትን ቀትርን ይቃለሱ
ሰዊት ሓጋይ ክጠብሱ፣
መሬቶም ከልምዑ
ሓምሊ ጾመ’ርብዓ ክበልዑ
ሕዛእቶም ከጠጥዑ
ማይ ተከዘ ክጭንጉዑ
ይውዕሉ’ለዉ!
ኣቤት ክነፍዑ።
ገለ ድማ፣
ይህንድሱ የጽንዑ
በትረ-ሙሴ የቕንዑ
ባህረ-ኤርትራ ክስንጥቑ።
ታሪኽ ክደግሙ
መሳገሪ ንሓዋሩ
ሓወልቲ ክተኽሉ።
ይእከቡ’ለዉ የዕልሉ
ንሕና ዘይብሉ
ምስ ሊቃውንቲ ዓለም ይመኽሩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...