ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ አብ ዝሓለፈ መዓልታት ብንኡሳን ኮሚተታት አቢሉ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ብመልክዕ ዎርክሾፕ ክካየድ ቀንዩን አሎን።

አብዚ ጉዳይ አዚ ዝረአ ዘሎ ብልዙብ አገባብን ስነ ስርዓትን ብመሰረት ዝተሰማምዕሉ ሰዓታትን አጀንዳ ስሪዒትን ንዝላዓሉ ሓሳባትን ርእይቶታትን ብዕቱብ እናተኻተዐሉን እናተዛረበሉን እናወሰነሉን ይካየድ አሎ።

ኣብዚ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ መስርሕ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ከም መስርሕ፡ ንመሰል ብጠባዩን አግባብ አሰራርሑን በዚ ዝካየድ ዘሎ ንተሳተፍ ቲ ዋዕላ ናይ ጽቡቕ መንፈስን ድሌት ንለውጢ ዘዳሉን ዝእምት ምዃኑ ተኣሚኑሉ።

አብቲ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ መኽፈትን ዝረአ ዘሎ መልእኽቲ ማለት ”ምእንቲ ምዕዛዝ ምትአእምማንን ምህናጽ ፍትሓዊትን ማዕርነታዊትን ኤርትራ !!!” ”To strengthen trust and build equality and social justice in Eritrea!!!” ብተገዳስነትን ከም ማአከላይ ሕመረት ናይ ዝካየድ ኩለንታዊ ስራሓትን አግባብን ኮይኑ ይረአ አሎ። ንዝያዳ ህልዉ ቃለ መሕትት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ኣል ፈረጃት.ነት ብኣካል ምስ ተሳተፍቲ ዋዕላ ብቪድዮ ንምርኣይን ንምስማዕን ኣብዚ ጠውቑ። ብተወሳኺ ብኣካል ኣብ ዋዕላ ናይ ዘለዉ ኤርትራውይያን ናይ ዜና ማዕከናትን መርበባትን ተኸታተሉ።

ተሳተፍቲ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብግብሪ ነዚ ሸቶ አዚ አብ መዓላ ንምብጽሑ ብግብሪ ይሰርሑሉን ኣገባብ መስርሕ ይምስርቱሉን አለዉ።

ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ አብ ባይታ ዘርኣዮ ኣገባብ ናይ ትዕግስትን ስኒትን አብ ነንሕድሕድ ምክብባርን ዝዓሰሎ ኢዩ።

ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ጋዜጣዊ መግለጺ ክወሃብ ኢዩ።

መሓሪ ኣብርሃም
ሜድያ መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኤርትራ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...