ዋዕላ ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቱ


ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ናይ ሎሚ 3 ነሓሰ 2010 ርክቡ፣ ነቲ ትማሊ 2 ነሓሰ2010 ዝመረጻ ሰክረታርያ ናይ መጀመርያ መዓልታ ስርሓን ዕማማታን ኣጻፊፋ ናብ ዋዕላ ኣቕሪባ።  ሰክረታርያ ኣብ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ርክቡ፣ ንኣካይዳ ሃገራዊ ዋዕላን ኣገባባትን ዝሕግዝ ውሽጣዊ ሕጊ ነዲፋ። እዚ ብሰክረታርያ ዝቐረበ ውሽጣዊ መምርሒ ጉድያት ኣዋሳስዳ ውሳነታትን ንዝምልከት ሕቶታት፣ ተሳተፍቲ ዋዕላ ስጋብ እዋን ምሳሕ ኣብ ዘሎ ሰዓታት ድሕሪ ምዝታዮም ብፍላይ ኣብ ምሕላፍ ውሳነታት ብዝምልከት ኣብዚ ዝስዕብ ዋዕላ ወሲኑ። 

  • ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብናይ ሓባራዊ ስምምዕ (consensus) ንክኸወን፤
  • ኣብ ንኣሽቱን ርዱእ ሕቶታትን ብ3/4 (ብሰለስተ ርብዒ ድምጺ) ክኸውን፤

በዚ ስምምዕ እዚ ከኣ ዋዕላ ንኣጀንዳ ጉዳይ ኣወሳስዳ ውሳነ ድሕሪ ምስምማዑ፣ ብቐጥታ ናብ ሲዒቡ ዝመጸ ኣጀንዳ ኣትዩ። ሲዒቡ ዝቐረበ ኣጀንዳ። ፖለቲካዊ ገምጋም ህልው ኩኒታት ኤርትራ ኢዩ። እዚ ብኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዝቐረበ ኩሉ መደያዊ ህልው ኩነታት ሃገረ ኤርትራ ደምበ ተቓውሞ ድኹምን ሓያልን ጎድናት ዝፈተሸ ገምጋም ድሕሪ ምስማዕ፣ ዋዕላ ነዚ ጉዳይን ካልእ ኣርእስትታት ዝያዳ ክካታዓሉን ክዝተየሉን ክውስነሉን ንጽባሕ 4 ነሓሰ 2010 ክራኸብ ብምባል ተዛዚሙ። 


ዜና ተኸታተሉ

መሓሪ ኣብርሃም
ሜድያ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ
ካብ ኣዲስ ኣበባ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...