አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ..! ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ክቡር ሓው ዮሴፍ ገብሪሂወት።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 03.04.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ ንክቡር ሓው ዮሴፍ ገብሪሂወት፡ ጋሻ ናይ (Eritrean Room for A Strong and united opposition) ኮይኑ ከምሲ ምስ ህዝቢ ክዛተ ታዓዲሙ አሎ። እዚ (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ እዋን ካአ፡ ኣብ ከባቢ ሳዓት 21፡ 00 ክኸውን እዩ። ዘተ ምስ ጋሻና ዘብቃዓሉ እዋን ካአ፡ ከባቢ ሳዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ጋሻና ግዜ ሃሊይዎ፡ ፍቃደኛ እንተ ኾይኑ፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ .ወዘተ ክንአቱ ኢና።

ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ መዛተይ ኣርእስትና ቅድሚ ብዝርዝር ምጽሓፍና፡ ሓቤረታና ምልኡንት ክህልዎ፡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ እንታውነት ጋሻና ክንህብ፡ አንበብቲ ሓቤሬታና ክትጻወሩና፡ ብትሕትና ንሓትት፡፡ ኣብዚ እዋናት እዚ፡ ብምኽንያት እታ “ምቅንጃው ገድሊ“ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት፣ ኣብ ኣዝማሪኖ ኮም ትዝርጋሕ፣ ኣብ ሬድዩ ድምጺ መሰልና ደሊና ኻኣ ትንበብ፣ ዝነበረት ጽሕፍቲ፡ ንክቡር ሓው ዮሴፍ ገብሪሂወት፡ ዳርጋ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የሎን። ናይ ኣካዳሚ ተመክሮ ድሕሪ ባይታ ሓው ዮሴፍ ገብሪሂወት ኣብ “Philosophy-ን Psychology-ን“ እዩ። ሓው ዮሴፍ ገብሪሂወት፡ ከም ናይ ሕልንኡን ሞራሉን ግዙእ፣ ከምኡ’ውን፡ ረብሓ ብዙሓት፡ ቅድሚ ውልቃዊ ረብሕኡ ዘቐድም፣ መጠን፡ ህዝብና መሰረታዊ ሰብአዊ መሰሉን ናጽነቱን አብ ትሕቲ ግዝአት ሕጊ ክረጋገጽን ክኸብርን፣ ምእንቲ፡ ድሕሪ’ዚ እውን፡ ኣብ ሃገርና ስርዓት ውልቀ-መላኪ ምስዕራር ውልቀ-መላኺ ኣብ ሃገርና፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ኣሊኻ፡ ብስርዓት ዲሞክራሲ ክትካእ፣ ምእንቲ፡ ግዜኡን ዓቕሙን ከይበቐቐ፣ ብጽሑፍ ደረጃ ካብ 2001 ጀሚሩ፡ መጀመርያ ኣብ ..“ዳሃይ ዶት ኮም “..፣ ዳሓር ካኣ ኣብ “ዓዋተ ዶት ኮም “..፣ ኣብዚ እዋናት’ዚ ካኣ ኣብ “ኣዝማሪኖ ዶት ኮም“..፡ ዘይሕለል ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሔን ዘሎን፡ ተባዕ ወዲ ሃገር እዩ። ሓው ዮሴፍ ገብሪሂወት፡ ንዕለት 03.04.2010፡ ምስ ህዝቢ ክዛተየሎም ተዳሊይሎም ዘሎ ንጥብታት፡ ኣብ 5 ሓሙሽተ አርእስቲ ዝተኸፍሉ እዮም። ንሳቶም ካኣ፤

  1. ድሕነት ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ።
  2. ኣታሓሳስባ ሃገራውነትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ከመይ ይመስል ..?
  3. ኣብዚ እዋን’ዚ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ፡ ሕቶ መንነት ዶስ፡ ዋላ ሕቶ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን እዩ ..?
  4. ሽግር ህዝብና በየናይ መንገዲ ይፈታሕ፡ ነዚ ኣንጻር ህግድፍ ተውሲኑ ዘሎ እገዳ ብ-UN-’ከ ብከመይ ኣብ ረብሓ ተቓውሞ ደንበ ይውዕል ..?
  5. ብዛዕባ እታ “ምቅንጃው ገድሊ“ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት ጽሕፍቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ስዒቡ ዝተዘርጋሓ ጽሑፋቱ፡ ሕቶ ክቀርብ ባይታ ክፉት እዩ።

እዮም ዝመስሉ። ስለዚ፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ እዋናውን ኣገዳሲ ዝኾነ፤ ንኽውንነት ህዝብናን ሃገርናን፣ ንኣግባብ ኣቃላልሳ ተቓውሞ ደንበ ዘንጻባርቕ፤ ዛዕባታት፡ ዘተ ምስ ክቡር ሓው ኣማረ ገብረማሪያም ገብረ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ፡ ናይዚ ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ እዚ፡ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ብዳሓን ምጽኡ/አ …!!!

ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ብአግባብ አቃላልሳናን አቓውማናን፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር፡፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...