ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሰላም ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን
12 መጋቢት 2010

ብዝሓለፈ ታሕሳስ 2009፡ ንሕና፡ ካብ ዝተፈላልለየ ሸነኻት ዓለምን ድሕረ-ባይታን ዝመጻእና ኤርትራውያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባና ከባቢና ሰፊኑ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዘይምቅዳው ክንዝትን ክንግምግምን ኣብ ለንደን ተኣኪብና ከም ዝነበርና ዚዝከር ኢዩ። 

እቲ ቀንዲ ዕላማ ኣኼባ-ለንደን ብዛዕባ’ቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ተኸሲቱ ዝጸንሐ ስእነት ሰላም ብዕምቈት ብምግምጋምን ብምዝታይን፣ ሰላም ኰነ ምርግጋእ ኪፈጥሮ ዝኽእል ደረተ-ኣልቦ ጸጋን ረብሓን ብምልላይን ምስትብሃልን፣ ሰላም ዝነግሰሉን ዝዕምብበሉን መገድታት ንምፍታሽ ኢዩ ነይሩ።  ካብዚ ቅዱስ መንፈስ’ዚ ብምብጋስ ከኣ ንሕና ኣኼበኛታት ሽግር ዞባናን ሃገርናን ንምፍታሕ እጃምና ከነበርክት ሓላፍነትና ምዃኑ ብምግንዛብ መንገዲ ሰላም ተኸቲልና መንፈስ ተጻብኦን ህልኽን ኣጥፊእና ሰላምን ምርግጋእን ክሳዕ እንፈጥር ክንሰርሕ ምዃንና ኣረጋጊጽና።  

ስለ ዝዀነ ኸኣ ንሕና ኣኼበኛታት-ለንደን ኣብዚ ናይ ሰላም-ቻርተር ብምዕሳል ነብስና ሰሪዕና  መዘናታት  ብምፍራይን ብምውዳብን ምስ ሕመረት ራእይና ዝተኣሳሰረ ሓደ ሓያል ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ፈጢርና ስራሕና ብምስልሳል ንመንግስትታት ዞባና ብምጕስጓስ ኣብ ጽምዶ ሰላም ከምእንሰርዖም እምነትና ኢዩ።    ነዚ ዉጥን’ዚ ንምትግባር ከኣ ከም መርሓ ዘገልግለና ናይ ሰላም ቻርተር እትነድፍን ኣብ ግንቦት 2010 ንዝካየድ ስፍሕ ዝበለ ኣኼባ እተዳሉ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ መዚዝና ኣሎና።

እዛ ኮሚቴ በቲ ዝተዋህባ ሓላፍነት መሰረት ከኣ ድሮ ሓደ ናይ ሰላም ቻርተር ነዲፋ ንኣኼባ ዘድሊ ምድላዋት ኣብ ምስልሳል ትርከብ ኣላ። እቲ ዚስዕብ ኣኼባ ኸኣ ካብ 21 – 23 ግንቦት 2010 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኽካየድ ብምውሳን ኣፈናዊ ሊስታ ተሳተፍቲ ኣዳልያ  ናይ ዕድመ መልእኽቲ ኣብ ምውዳድን ምልኣኽን ትርከብ ኣላ። እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ኣኼባ ኸኣ እቲ ብመሰረት ራእይና ተነዲፉ ንዘሎ ቻርተር ንምዝታይን ንምጽዳቕን ኰይኑ ኣብ ዞባና ተኸሲቶም ንዘሎዉ ሽግራት ዝሕግዝ መደባት ሰላም ንምቕያስን’ውን ኢዩ።

ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ተምሳል ኣኼባ ግንቦት ንብዙሕነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ዝኑቕን ጾታዊ ሱታፌን ማዕርነትን ዘማልእ ንኪኸውን ትጽዕር ኣላ። እቲ ኣኼባ ወከልቲ ናይ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ፡ ስቪላውያን ማሕበራት፡ መራኸብ-ብዙሃን፡ ተቃለስቲ-መሰላትን ኣካደሚካውያን ምሁራትን ኪሳተፍዎ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣሰናዳኢት ኮሚቴ
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Dec 2009, London Peace Conference Attendees


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...