ዝመረረ ተመክሮ ህይወት
መሰረት ጽኑዕ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!!
ዑቕባይ ገብረመድህን ( ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)
28 ሕዳር፡ 2013

-----------------------------

ባህሪ ኣብ ጣዕሚን ህድኣትን ኪምዕብል ኣይኽእልንዩ።

ብናይ ፈተነን ስቓይን ተመክሮ ጥራይ ኢዩ ነፍሲ ኪሕይል፣

ድልየት ኪበራበር፣ ዓወት ኪርከብ ዝከኣል።”-- (ሀለን ከለር፡-ኣዒንታ ዓዊራ፣

ኣእዛና ጸሚማ፣ ኣፋ ተዓቢሳ፡ ካብ ሓሙሽተ ህዋሳት ሰለስተ ወሰንቲ

ስኢና ዝተወልደት ኣመሪካዊት ክነሳ፡ ተኣምር ጥራይ ኪበሃል ዚከኣል

ሓድጊ ገዲፋ ዝሓለፈት ኣብነታዊት ሰብ ኢያ ኔራ።)

 

(“Character cannot be developed in ease and quiet.

Only through experience of trial and suffering

can the soul be strengthened, ambition inspired,

and success achieved.” Helen Keller)

-------------------------

ባዕዳዊ ሓይሊ ጨቊኑ ብምግዛእ ደም ከንብዓካ’ምበር ጠስሚ ኪለኽየካ ኣይመጽእን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተረዲኡ፡ ዘይነጽፍ ኒሕን ዘይነቅዕ ጽንዓትን ተዓጢቑ፡ ብውሑድ ሓቕሚ ሰብን ንኡስ ንዋትን መሪር መስዋእቲ ከፊሉ፡ ንዓለም ብዘገረመ ሰንሰለት መግዛእቲ በንጢሱ ካብ መዓሙቕ ጸልማት መግዛእቲ ናብ እምባ ብርሃን ናጽነት ቦሎኽ ኢሉ። እንኮ ሓጢኣቱ ናጽነተይ ንዝበለ ከም ኤርትራ ንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ህዝብን፡ ምስ ብዕስራ ኢድ ዝገዝፎ ሓይሊ መግዛእቲ፡ ዝርያ ሓያላን መንግስታት ተሓዊሱዎ ናጽነቱ ኪንፈጎ ኸሎ፡ እዛ ሓላል መሬት (EARTH) በታ  ሓይሊዩ ቅኑዕ (Might is Right) ዝብል ሓደገኛ ዕላማ ሒዛ እትጐዓዝ ሰብ-ዝሰርሓ ፍትሒ ዝሓረማ ዓለም ተዓብሊላ ከም ዘላ’ዩ ዘረጋግጸልካ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ንልዕሊ ሓደ ወለዶ ኣብ መስዋእትን ዕንወትን ተሸኺሉ፡ ብብዝሑ ከይስስን ብምዕባለ ከይስጕም ዝተኸልከለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ርእሲ ኹሉ እፎይታ ሰላም ረኺቡ ናብ ብሩህ መጻኢ ኪጥምት ምተገብኦ።

ኣይኮነሉን ግን። ዘይተጸበዮ ሕሱም ኣጋጢሙዎ። እዋን ናጽነት ካብቲ እዋን መግዛእቲ ዝጸልመተን ዚመረረን ኪኸውን መን ይጽበዮ! ኣብ ዝባን መሬትን ህዝብን ዚረአ ዘሎ ናይ መሪር ዝመረረ ሓቂ ግን ንሱ ኢዩ። ክትዝርዝሮ ምፍታን እውን ካብ ባሕሪ ብርብዒት ምቕዳሕ ኮይኑ’ዩ ዚተርፍ። እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤት ዚኣተወ ዕምቈትን ስፍሓትን ሃገራዊ ማህሰይቲ ብግቡእ ንምግምጋም መዳርግቲ ዘይብሉ ልዕሊ ዓቕሚ ቃላት ኢዩ እንተ በልኩ ምግናን ኣይከውንን። ብጽንዓት ንልዕሊ ሓደ ወለዶ ተቓሊሱ ብርእሰ ሓያላን ንዝተደገፈ ገዚፍ ሓይሊ መግዛእቲ የዕኒዩ ብዓወት መሰስ ዝበለ ህዝቢ፡ ናጻ ምስ ኮነ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ወለዶ  ዕድመ  ብዝተዓጻጸፈ ኣብ ክንዲ ዚስስን ኣብ ፍጹም ጥፍኣት ናይ ምግምጋሙ ሕንቅልሕንቅሊተይ ብኸመይ ክትርድኦ ይከኣል? ምስ ዘይትርድኦኸ ክትገልጾ ይከኣልዶ?

ዕርቃን ሽፍታዊ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢስያስ ምሉእ ተቓሊዑ ሓቀኛ መንነቱን ዕላማኡን ስጡሕ እኽሊ ካብ ዚኾነና ዓመታት ሓሊፉዎ ኢዩ። ንዕኡ ኣብ ምኽሳስን ምርጋምን ተሓጺርና፡ ጐሲናዮ ክንሓልፎ ዝጸናሕና መሰረታዊ ሕቶ ግን ኣሎ። ከመይ ኢልና ናብዚ ደልሃመት ክንወድቕ ክኢልና?  እቲ ምስጢር መልሲ ንግዳም ብምጥማት ዘይኮነ ናብ ውሽጥና ብምጥማትን ብኽፉት መንፈስ ብምፍታሽን ጥራይ ዚርከብ ምዃኑ ምግንዛብ የድልየና። ኣብዚ ናይ ሞትን ህይወትን፡ ናይ ጥፍኣትን ድሕነትን ህሞትና ኸኣ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ከም ህዝቢ ንሓዋሩ ኣደልዲልና ክንረግጽ እንተ ኾይኑ፡ ብሓባር ውሽጥና ፈቲሽና  ነቲ ጠንቂ ጥፍኣትና ብግቡእ ክንርዳእን መፍትሒ ክንረኽበሉን የድልየና። እስከ ንሕሰብ፡ ሓረስታይ ግራቱ ብግቡእ ሓሪሱ ኣብ እዋኑ ዘሪኡ ምስ ኣብቈለ፡ ብጻህያይ ኪጕበጥን ኪሕነቕን እናረኣዮ ትም እንተበለ ጻማ ጻዕሩ ምህርቲ ዚሓፍስዶ ይመስለኩም? ጻህያይ ክርዳድን ሓርኢ-እኽልን ኣብ ግራቱ ገና ውልዶ ከሎ እንተ ዘይተጻህዩን ተማሒዉን፡ ኣብ እዋን ዓጺድ ይኹን ኣብ ዓውዲ ምስ ወደቐ ኪእለ ዝከኣል ኣይኮነን።

ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዚሓለማን -ሓዳስ - ኢሉ ዝሰመያን እዛ እንርያ ዘለና ምርኣይ ምግጋይ ዝኾነት ኤርትራ ኢያ። ብተኻታታሊ ኲናታት ሓይሊ ሰባ ዝደኸመ፣ ምእንቲ ህዝቦም ዚሰንከሉ ጀጋኑ ደቃ ብጥይት ኪረግፉ ኸለዉ ረዳት ዚሰኣኑላ፣መሰልና ዝበሉ ተመሃሮ ዩኒበርሲቲ ናብ ህይወት ዘይሰፍሮ ንመቕጻዕቲ ተጓሪቶም ንሞት ዝተፈርዱላ፣ ፍቕሪ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን፡ ናይ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ባህላ ዝተበከላ፣ ህዝባ ካብ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ንላዕሊ ብድሑር ኣተሓሳስባን ስምዒትን ዝተፈላለየላ፣ መልክዓ ዝተደወነ፡ ትብዓታ ዝተዳህለ፡ ኒሓ ዝዓበረ፣ደቃ ኣብ ክንዲ መኣዲ ትምህርቲ ንወፍሪ ባርነት ተፈሪዶም ግደ ስደትን ጥፍኣትን፡ ቀለብ ጸሓይ ምድረ በዳ ሰሓራን ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን፡ ቀለብ መሸጣ ባርነት ዕዳጋ ኰላሊት ሲናይን ዝኾኑላ፣ ብኹሉ ዝጸልመታ ኤርትራ ሓሊሙን ኣተግቢሩን እነሆ። እቶም ብኣፍና ንዀርዓልኪ እንብላ ዜጋታታ እዚ ኹሉ ኣበሳ ኪፍጸም ኣበይ ኔርና?! ብሓባር ክንምልሶ ዝግባኣና ከቢድ ሕቶ’ዩ።

ብኽቡር ኣዕጽምትን ንጹህ ደምን ላህመት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝመጸ ናጽነትና ጻህያይ ዘርኢ ክርዳድ ከይዕብልሎን ከይዕፍኖን ካብ ንጕሆኡ ንምጽሃዩን ንምጽራዩን ኣይተዓጠቕናሉን። ከምቲ ሕማቕ ሓረስታይ ዘሪኡ ንዘብቈሎ ብጻህያይን ምጕያን ኪዕበጥን ኪሕነቕን ዚሓድጎ፡ ናጽነትና በቶም ሕድሪ ስዉኣት ጠሊሞም ባህጊ ህዝቢ ዘጸልመቱ ቖንጠጠፈ ኪሕነቕ ትም ኢልና ርኢናዮ። ሳዕቤኑ ኸኣ እነሆ፡ ኣብ እዋን ተኻታተልቲ መግዛእቲታት ዘይተራእየ ጥፍኣትን ጸልማትን ኣብ ልዕሊ እዛ ሓላል መሬትና ይዝምቢ። እቲ ክንጥምቶ ዘይከኣልና ሓቂ፡ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ብዝራሕራሕናሉ ህዝባዊ ስልጣንና ይረግጸናን የጽንተናን ምህላዉ ኢዩ ። መፍትሒኡ ኸኣ ስልጣንና ምምላስ ጥራይ ኢዩ።

ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ፣ ንዘልዓለም ዚቕጽል ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ዕርበትን ጸልማትን ስለ ዘየሎ ኸኣ፡ እነሆ ሎሚ እቲ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብነድሪ ማዕበል ድምጹ-ይኣክል! ይኣክል ውርደትን ጥፍኣትን! -ይብል ኣሎ። ደጊም እዚ ዝተወሃሃደ ህዝባዊ ነድሪ’ዚ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልን ስልጣንን ዘይብሉ ከይሲ፡ ዝረገጾ ሃደሽ ኣቢሉ ናብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ናይ ምጕሓፉ ጊዜኡ ዝኣኸለ ይመስል። እቲ ዚዓበየ ዕማም ኣብ ዝባንና ዚህሉ ግን፡ ነዚ ዛጊት ብድሑርን ኣዕናውን ተግባሩ ቦዅቢኹ ዘሎ ሽፍታዊ ስርዓት ምእላይ ኣይኮነን፤ ኣብ ዑናኡ ከመይ ዝበለት ኤርትራ ንሃንጽ ኢዩ።

እታ ክቡር ኣዕጽምትን ንጹህ ደምን ላህመት ደቃ ኣብ ከብዳ ዘእተወት፡  ራኢ ሓርነት ህዝቦም ልዕሊታ መተካእታ ዘይብላ ህይወት ብምስራዕ ዝወደቑላ ሓላል መሬት፡ ሕድሮም ህያው ዝኾነላ ሃገር ንምህናጽ ዚለዓለን እንኮን ዕላማና እንተ ኾይኑ፡ ጕዕዞ ፓለቲካዊ ርጋጽና መርማርን ጽጹይን ኪኸውን ግድን፤ ካልእ ምርጫ የብልናን። ቀሊል ጕዕዞ ከም ዘይኮነ፡ ኣብዚ መንነት ሽፍትነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብኣረሜናዊ ተግባሩ ዕርቃኑ ወጺኡ  ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም ኣዳዕዲዖም ዝድግፉዎ ንጐኒ ገዲፍና፡ ዋላ ካብቶም ከም ተቓወምቲ ዝፍለጡ ዜጋታት እውን ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ከም ዝተቓለሰ ዝርእዩን ዝከራኸሩሉን ኣይተሳእኑን። ኣብዚ ዕስራን ክልተን ዓመታት፡ ብፍላይ ግን ካብቲ ኢሳያስ ካብ 2001 ጀሚሩ ምልካዊ ስርዓቱ ዚኣወጀሉን፡ ኣዳዕዲዑ እንታይ ማለትዩ ደሞክራሲ? . . . ምርጫ ዝበሃል ኣይክህሉን  ኢዩ . . .ምናልባት ድሕሪ ሳላሳ -ኣርባዓ ዓመታት” - ብምባል ዘባጨወሉ፡  ብስም ቃልሲ ንደሞክራሲ ኣብ ደምበ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብተን መሰረት ደሞክርሲያዊ ሓይሊ ህዝቢ ኪኾና ትጽቢት ዝግበረለን ሲቪክ ማሕበራት፡ ኣብቲ ልዕሊ ኹሉ ዝተወጽዐ ደምበ መንእሰያት በብዓይነቱ ዘልሓጥሓጥን ምፍንጫልን ኪረአ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይኣቱ፡ ንጹህ ድልየት ናይቲ መብዛሕትኡ ተቓላሲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ኢዩ። ግን ዕምቈት ኣተሓሳስባ ዘይሓትት ጉዳይ እንተ ኣሊዩ፡ ኣብ መንጎ ሽሕ ዓሰርተ ዝተወደቡ ዘረግቲ ከድምዑ ከም ዝኽእሉ ዚከሓድ ኣይኮነን። እዚ ኢዩ ኸኣ ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኣዚዩ ሓያልን ጽንኩርን ዝገብሮ። ኣብዚ እዋን’ዚ ውዕዉዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጢ ጀሚሩ’ሎ። ኣብ መንጎ’ዚ ንጹህ ህዝባዊ ጻውዒት ንመሰረታዊ ለውጢ፡ ሕቡእ ኣጀንዳ ሒዞም ዝጐዓዙ ከም ዚህልዉ ክንህመለሉ ዘይግባእ ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ዓለም ብጸቢብ ረብሓ ዚጐዓዙ፡ ምውህሃድን ሰላምን ህዝቢ ዘይወሓጠሎም ፍጥረት ሰባት እንተ ዘይህልዉ፡ ዓለም ብዘየቋርጽ ኲናታትን ምጽናት ንጹሃትን ኣይምጸልመተትን፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳግማይ ጸልማት ህይወት ኣይምተሸመመን። ስለዚ፡ ነባሪ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን፡ ራህዋን ሰላምን ህያው ዚገብር ትርጉም ዘሎዎ ቃልሲ ከነካይድ እንተ ድኣ ዓጢቕና፡ ኣብ ክንዲ ሚሐ ጸቢብ መንፊት ክንጥቀም፡ ሓሙሻይ መስርዓት ከይሳዕረሩ ጐሊልና ከነውጽእ ክንክእል ይግብኣና። እዚ ሓደጋዚ ጐሊሑ ዝረአ ኣብቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ኣብ ስደት ኣብ ዝርከብ ህዝቢ ምዃኑ ጋህዲ ነገር ኢዩ። ርእሲ ኹሉ ካብ ህቡባት ንጠንቀቕ፣ ካብ ኢሳያስ ንመሃር፤ ንምልኪ ብኻባ ህቡብነትዶ ከይኮነ ኣቲዩዋ። ናይ መወዳእታ ግን ኣይኮነን፣ ከምኡ ወትሩ ኪህልዉ ኢዮም፤ምዕዋቶምን ዘይምዕዋቶምን ግን ደረጃ ንቕሓትናን ድሉውነትናን ኢዩ ዝውስኖ።

ብሰሪ ካብ ታሪኻዊ ተመክሮታትና ዘይምምሃር፡ ዚሃሰዩና ጌጋታት ዝደጋገምናሉ ጊዜ ውሑድ፡ ዝሓለፍናዮ መዋእል ሓጺር ኣይኮነን። ነዚ መሪር ትምህርቲ’ዚ ብግቡእ ነቒሕናሉ ብሕጂ ንእንተኽሎ ህይወት ሓርነት ብሸለልትነትናን ብጸቢብ ፍልልያትናን ንፋስ ከይነእትወሉ ከም ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ብስም ስዉኣትናን ብኸንቱ ዝጠፍኡ ደቅናን ዘይገሃስ ቃል ክንኣቱ የድልየና። ሓርነት ብጓይላን ዳንኬራን ውሕስነታ ከም ዘይረጋገጽ ብመሪር ተመክሮ ተማሂርናዮ ኣለና። ሓርነት ትኩር ዘለዓለማዊ ሓለዋ ዘድልያ ምኽንያት እቶም ደቂሶም ዘይሓድሩን ኣድቢዮም ዝጽበዩን ናይ ውሽጢ ጸላእታ ሓሙሻይ መስርዕ ብቐሊል ኪልለዩ ስለ ዘይከኣል ኢዩ። ንግሉጽነትን ተሓታትነትን ዚጣበቕ ሓያል ናጻ ፕረስ ብምትካልን ናጻ ሲቪካዊ ማሕበራት ብምምዕባልን ጥራይ ኢዩ ኸኣ፡ ነቶም ነቐዝ ርግኣትን ሰላምን፡ መርዚ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዝኾኑ ክርዳድ ሃገር ብውልዶ እናጸሀኻ ውሕስነት ሓርነት ዚራጋገጽ።

ኣብዚ ካብ ዝኾነ እዋን -ፍጹም ይኣክል! - ብምባል ናይ ሞትን ህይወትን ቃልሲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ ታሪኻዊ ሓላፍነት፡ ኣብ ኣተሓሳስባን ግብርን መሰረታዊ ለውጢ ዚሓተና፡ ካብ ንህሉው ኩነታት ንዚሓለፈ ዘመጕስ ተርእዮ ኣሎና። -ዓሚ ይሓይሽ! - ዝብል ብሂልና፡ ኣንፈት ጕዕዞ ታሪኽና ኣብ ክንዲ ናብ መጻኢ ብተስፋ፡ ናብ ሕሉፍ ብናፍቝት ክጥምት ከም ዚጸንሐ ኢዩ ዚሕብረና። ነጸብራቕ ናይ ዘይባህሪያዊ ኩነታት ዘይባህሪያዊ ኣጠማምታ ምዃኑ ኣየካትዕን፤ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንቅይሮ ኸኣ ይግብኣና። ንምቕያሩ ክንክእል ግን -መረዳእታ መጀመርያ ሓርነትዩ - ከም ዝበሃል፡ ስለምንታይ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት፡ ማለት - እቲ ሓጺር ዕድመ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ፈደረሽን ብመግዛእቲ ሃይለስላሴ ምስ ተወርሰ ዓሚ ይሓይሽ ተባሂሉ፣ ስርዓት ሃይለስላሴ ብደርጊ ተገምጢሉ መግዛእቲ ምስ ከረረን ምስ መረረን ዳግም ዓሚ ይሓይሽ ተባሂሉ፣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈሪሱ ኣብ ዑናኡ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኪትከል ትጽቢት እናተገብረሉ፡ ኣብ ታሪኽ መዳርግቲ ዘይብሉ ዕንወትን ምጽናትን፡ ድሕረትን ምጽልማትን ስዒቡ - እቲ ዓሚ ዝብሃል ኣዚዩ ርሒቑ፡ እቲ መሰነይታኡ  ይሓይሽ ዝብል ቃል ተረሲዑ ነእምሮ ፍጹም ዘደንዘዘ ህይወት ይሕለፍ ምህላዉ ኣዕሚቝና ምስ እንርዳኦ ቀዳማይ ሓርነትና ይኸውን። እቲ ዓሚ ይሓይሽ ዝብል ብሂል ጭብጢ ኣይነበሮን ወይ የብሉን ኣይኮነን እቲ መጎተይ፣ ባህሪያዊ ኣይኮነን ኢዩ። እቲ ባህሪያዊ ኣንፈት ጕዕዞ ህይወት ብርእሰ ምትእምማን ሎም ዘመን ካብ ዓሚ ይሓይሽ፡ ንዓመታ ኸኣ ካብ ሎሚ ዝበለጸ ኪኸውን ኢዩ ኪበሃል ከሎ ኢዩ። እምበኣር ቃልስና ኣንፈት ታሪኽና ካብ ዕጉብ ሎሚ ናብ ትስፉው ጽባሕ ንምቕያሩ ኪኸውን ይግባእ።

እዚ ባይታ’ዚ ምስ ተረጋገጸ ኢዩ ኸኣ፡ እቲ እንዀርዓሉ ሰፊሕ ኤርትራዊ ባህልና፡ ንዝወረዶ ብከላ ከም ዕፋፈት ደርቢዩ፡ ብዝማዕበለ ደረጃ ተሓዲሱ ህያው ኪኸውን ዚኽእል። ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጀሚሩ፡ ብኹሉ መኣዝናት ብዝኸፍአ ደረጃ ተሃሲዩ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕባለ ረጊጽና እፎይ ክሳብ እንብል ኣብ ዝባንና ዘሎ ብድሆ ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ስምዒታት ኣወጊድና ብዕትበት ክንግዘቦ ይግባእ። ብጽሞና’ሞ ነቲ ብናይ ጥርጣረን ፍርሃትን፡ ሸለልትነትን ምስሉይነትን ዝቐበርናዮ ሕልናዊ ሓቂ ንመርምሮ፡ እቲ ፍታሕ ኩሉ ጊዜ ኣብ ኢድና ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ክንርዳእ ኢና። ዘይብድሁ ንዝመስሉ ዝነበሩ ባዕዳዊ ሓይሊታት ብርእሰ ምትእምማንን ዘይጽንቀቕ ተስፋን ርእስና ዓቕኒዕና ብምቅላስ ዝተዓወትና ህዝቢ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ርእስና ምድናንና ዘይባህሪያዊ ምዃኑ ምስ ተረዳእና፣ ህዝባዊ ስልጣንና ንጐሓላሉ ብምርሕራሕ ባዕልና ንዝፈጠርናዮ ግመ ብምግላህ ሓቂ ጥራይ ሓራ ከም ተውጽኣና ከም ብርሃን ወጋሕታ ኪበርሃልና ኢዩ። ባይታ ዝተነፍጎ ህርኩትናና ካብ መቝሕ ድስካለን ስደትን ናጻ ኮይኑ ኣብ መሬቱ ኣደልዲሉ ምስ ረገጸ ኣኽራናት ኪደፍእ ከም ዝኽእል ኸኣ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ኩሉ ኣብ ኢድና ምዃኑ ክሳብ ዘይዘንጋዕና፡ ደረት ዓወት ጕዕዞና ሰማይ ትራይ ኢዩ። ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ምስ ተፈተነ ዝፍለጥ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ብመሪር ተመክሮ ዝተፈተነ ብምዃኑ፡ ኩሉ ዓይነት ድሑሩ ኣተሓሳስባታት ከም ዕፋፈት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ኣብ ነባሪ ጽኑዕ ሓድነት ደው ከም ዝብል ኣየጣራጥርን። ወነንቲ ህይወትና፡ ጎይቶቶ መጻኢና፡ ሃነጽቲ ታሪኽና ክንከውን ምስ በቓዕና፡ እታ ቐለቤት ምልእቲ ኮይና ማለት ኢዩ። ከም ንበጽሖ ኸኣ ሓያል እምነት ኣለኒ።

 

ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጸጋ ሓርነትን ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...