ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 8ይ ክፋል 20/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ 7ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ሕጥበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።”

8ይ ክፋል ድማ ይስዕብ …

እዚ ጽሑፍ’ዚ ናብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት)ቅድሚ ምዝርግሑ፣ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት’ዚ ምስ ኣዕለልኩዎ፣ ንሱ’ውን ብወገኑ፣ “ኣነ’ውን ኣብዚ ትብሎ ዘለኻ እዋን ኣብ ብርጌድ 58 ነይረ። ናይ ብርጌድና ኣተዓዳድላ ሓላፍነት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን” ብምባል ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 58) ኣብ 1979/81 ዝነበሩ ዝርዝር ኣስማት ሓለፍቲ ናይቲ ብርጌድ ሂቡኒ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ድማ ይስዕብ፣-

ኣዛዚ ብ/ድ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ ፍላንሳ) ►ኣኹሩር   (ኣከለጉዛይ)

ኮሚሳር ብርጌድ = ሃይለ ሳሙኤል  (ሕጂ መ/ጀነራል)  ►ዓዲ መንጎልቲ (ሰራየ)

1.  ቦጦሎኒ 1 - ኣዛዚ ቦጦሎኒ =    ወዲ ፍሩጅ        ►ማርያ  (ሰንሒት)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = ስዉእ ተስፋኣለም በርሀ  ►በለዛ (ሓማሴን)

2.  ቦጦሎኒ 2 - ኣዛዚ ቦጦሎኒ  = ገብረገርግስ (ቋንቁ)  ►ኩትሞ’ውሊዕ (ሓማሴን)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = እዝራ (ወዲ ቀሺ)   ►በለዛ   (ሓማሴን)

3.  ቦጦሎኒ 3 - ኣዛዚ ቦጦሎኒ = ሓጎስ ተኸስተ  ►ንኡስ ዞባ በሪኽ (ሓማሴን                                                                     ኮሚሳር = ጸጋይ ሃንስ (ወዲ ሃንስ)   ►ዓዲ ንፋስ (ሓማሴን)

ኣብዚ ብርጌድ’ዚ እውን፣ ንወዲ ፍሩጅ (ኣማኒ ምስልምና) ገዲፍካ፣ 5 ካብቶም ዝነበሩ 6 መራሕቲ ቦጦሎኒታ፣ ከምቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ደቂ‘ቲ ከባቢ ነይሮም ማለት ኢዩ።

እቲ ብሰላሕታ ዝፍለጥ 7ይ ወራር ምስ ጀመረ፣ ማእከላይ ግምባር ዝብል ስም ዝተዋህቦ፣ ብኸባቢ ሓልሓል፣ መለብሶ፣ ሃበሮ፣ ከባቢታት ሸገን ሮራ-ባቕላን ሓድሽ ግምባር ተኽፊቱ። ገለ ቦጦሎኒታት ናይቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ናብኡ ስለዝተሳሕባን፣ ጋንታና (ጋንታ ሃንደሳ’ውን) ንገለ ካብቲ ክፉት ቦታታት ክትዓጹ “ታባ ሰላም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ክትሕዝ ተኣዚዛ። ሓደ ግዜ ኣብዚ ዝተባህለ ድፋዓት (ታባ ሰላም) ከለና፣ ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ዝመስል፣ ብኻልኦት ሰባት ተሰንዩ ኣብቲ ዝነበርናዮ ድፋዓት ይዘውር ነይሩ። “መን ድኣ’ሉ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ ድማ፣ ኣፎርቂ የማነ ከም ዝበሃልን፣ ቅድሚ 6ይ ወራር፣ ኣብ ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓኪም ብርጌድ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ፣ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ፣ ኣብቲ ዝነበሮ ኣሃዱ ኮሚሳር ቦጦሎኒ ከም ዝኾነን፣ ሕጂ ድማ ንገብርሂወት ዘሞ (ወዲ-ሊቀ) ቀይሩ ኮሚሳር ቦጦሎኒ 3 ክኸውን ተመዲቡ ከም ዝመጸን ሰሚዕና።

ብኡ ንብኡ ድማ ትሒምሒም ስዓበ። ንሱ ድማ “ኣብዚ ቦጦሎኒ ዋላ’ውን ኣብዚ ብርጌድ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ፣ ኣዝዮም ሓያላት ተዋጋእቲ መራሕቲ ሓይልታት ከለዉ ድኣ፣ ብኸመይ ኢሉ ኣላይ ሕሙማትን ውጉኣትን ዝነበረ፣ ብቐጥታ ናብ ኣላይ ኲናት ተቐይሩ?” ዝብል ኢዩ። ብሓቂ’ውን ኣብቲ ብርጌድ ዋላ’ውን ኣብቲ ቦጦሎኒ ኣዝዮም ንፉዓት መራሕቲ ሓይልታት ነይሮም ኢዮም። ብርጌድና’ውን ብሕክምናዊ ሞያኦም ኣዝዮም ዝምስገኑ ናይ ቦጦሎኒን ናይ ብርጌድን ሓካይም ነይሮማ ኢዮም።

እንተኾነ ነዚኣቶም ካብቲ ንነዊሕ እዋን ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ናይ ሕክምና ሞያ ኣልዒልካ ናብ ‘መራሕቲ ውግእ’ ክትቅይሮም፣ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ክመርሕዎ ዝመጹ ኣሃዱ’ውን ኣዝዩ ሃሳዪ ኢዩ። ናይ ኣፎርቂ የማነ ‘ካብ ኣላይ ሕሙማት ናብ ኣላይ ኲናት’ ምቕያር ድማ ምስኡ ብምንጽጻር ኢዩ ተዘሪቡሉ። ኣፎርቂ የማነ ናብቲ ቦጦሎኒ ተቐይሩ ምስ መጸ፣ ምስ ካልኦት ከምኡ ተቐይሮም ዝመጹ፣ ግን ከኣ “ልዕለኻ ንሕና ኢና ውግእ ንፈልጥ” ዝብል ስምዒት ዝነበሮም መራሕቲ ሓይልታት፣ ኣብ ህልኽ ኣትዩ ምንባሩ፣ ድሕረይ ኣብቲ ኣሃዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክዛረቡ’ውን ሰሚዐ ኣለኹ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣብተን ሓይልታት ናይ ብዙሓት ሓለፍቲ ምቅይያራይ ይግበር ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን ኣፎርቂ የማነ’ውን ከም ሓድሽ ኢፍረም፣ ዓዱ ዓዲ-ንፋስ ምንባሩ ኢዩ። ብወገነይ ሓደ ተኸዊሉኒ ዝነበረ ሚስጢር ዝተጋህደለይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ብድሕሪ ምቅይያር ናይ ሓለፍቲ (ተኽሊጥ) ስዒቡ ወይ’ውን ንዕኡ ጉልባብ ገይሩ ዝግበር ዝነበረ ምትእኽኻብ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኢዩ። ሽዑ “እቶም ኣብ ሕዳይ ከለና (1979ን - 1981ን) ኣብ ብርገድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት’ውን ብኸምዚ ዝተኣኻኸቡ እንተዘይኮይኖም፣ ካልእ ዝኾነ ሚስጢር ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን” ዝብል መደምደምታ ኢየ በጺሐ።

ካልእ ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ኣብቲ ኣብ 1979 ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበረ ወታደራዊ ምርብራብ፣ ነቲ ግምባር ብቆዋሚ ዝዓጽዋ ኣርባዕተ ብርጌዳት (51, 58, 70, 77) ነይረን። ካብቶም ሰለስት ሕጂ ዝዘከርኩዎም ኣዘዝቲ ብርጌዳት ድማ፣ ዓሊ ኢብራሂም፣ ኢሰያስ ፍላንሳን ሳልሕ ሕሩይን ነይሮም። ሰለስቲኦም ኣዝዮም ሓያላት ወታደራዊ ኣዘዝቲ ምንባሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ሜላ እምበኣር ብላዕሊ ብርቱዓት ኣዘዝቲ ገርካ፣ ብትሕቲኦም ንግዜኡ ንዕኦም ዝከታተሉ፣ ውዒሎም ሓዲሮም ድማ ነቲ ስራሕ መሊኾምን ተላልዮምን፣ ናይ ሓዋሩ ኣዘዝትን ወረስትን ንምግባሮም ዝነበረ ውጥን ይመስል። ብሓቂ እውን፣ ዓሊን ኢሰያስ ፍላንሳን፣ ቅድሚ ናጽነት ክስውኡ ከለዉ፣ ሳልሕ ሕሩይ ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊቱ መሪሑ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወላ ዕለት ተኣሲሩን ቦትኡ በቶም ወረስቲ ክኾኑ ዝምልመሉ ዝነበሩ ተተኪኡ። ምኽንያት መእሰሪኡ ክሳብ ሕጂ (ብዘይካ ብ03 ዝዝርጋሕ ወረ) ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ኣብዚ ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ፣ እዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎም ሓለፍቲ ‘ትሕቲ ሰቦም ተዋጋእቲ ነይሮም’ ወይ’ውን ‘ውግእ ኣብ ምእላይ ድኹማት ነይሮም’ ይብል የለኹን። እኳ ድኣ ካብቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ሚኪኤል ጊለ (ወዲ ጊለ) ኣብቲ ብጥሪ 1984 ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል (ውቃው እዝ) ንምድምሳስ፣ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ) ድማ፣ ኣብ ግንቦት 1988 ከረን ንምሓዝ፣ ኣብ ዝተገብረ ውግኣት፣ ሰራዊቶም መሪሖም ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ሰሊኾም ድሕሪ ምእታዎም፣ ብጅግንነት እናተዋግኡ ክቡር ህይወቶም ንሃገር ሂቦምን ተሰዊኦምን ኢዮም።

እቶም ዝተረፉ’ውን ከም ኩሎም መራሕቲ ኲናት ኤርትራ ነናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጅግንነት ታሪኽ ክህልዎም ከም ዝኽእል ርግጸኛ ኢየ። ኩሎም (እንተላይ እቶም ኣብ ብርጌድ 58 ዝነበሩ) ሓለፋ ብጾቶም ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከም ዝደየቡ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፣ እዞም ካብቲ ከባቢ ጥራይ ዝተሓርዩ ሰባት፣ ልዕሊ ኩሎም ተጋደልቲ ኣመንቲ ምስልምና፣ ልዕሊ’ቶም ካብተን ካልኦት ኣውራጃታትን ካልእ ከባቢታትን (እንተላይ ካብቲ ካልእ ከባቢታት ሓማሴን) ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኣመንቲ ክርስትና፣ ንበይኖም ብኽንድዚ ቂጽሪ ሓለፍቲ ንምዃን ዘብቅዖም ምኽንያት የለን።

እዋኑ እዋን ሰላሕታ ወራር ኢዩ። ኣሃዱታት ካብን ናብን ዝወናጨፋሉ ዝነበራ እዋን። ጋንታና’ውን (ጋንታ ሃንደሳ) ካብ ታባ ሰላም (ከባቢ መንድዓት) ናብ ማእከላይ ግምባር ናቕፋ ተቐይራ። ኣነ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1983 ኣብ ስንክልና ዘብጽሕ መውጋእቲ ስለ ዘጋጠመኒ ናብ ሕክምና ኢየ ኣምሪሐ። ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመኒ ስንክልና ናብተን ሓይልታት ክምለስ ስለ ዘይከኣልኩ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ ዝነበረ ጨንፈር ትምህርቲ ተመዲበ። እቲ ብበራኺ ገብረ-ስላሴ ዝምራሕ ዝነበረ ጨ/ትምህርቲ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ከም መምህርን ኣላይ ተማሃሮን ኮይነ ክሰርሕ መዲቡኒ። በዚ ድማ እቲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝነበረኒ ቀዳማይ ትዕዝብቲ (ምጥርናፍ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ሓላፍነት) ኣብቂዑ።

ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ።



ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
9ይ ክፋል 23/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

“ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ” ክብል ኢየ ተፋንየኩም። ንእግረ መንገደይ እዚ ዝትርኸሉ ዘለኹ እውን፣ ብርጌዳትና ኣብ ቀዋሚ ግምባር፣ ኣብ ጸቢብ ቦታ ዓሪደናሉ ዝነበራሉ እዋን ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ።

መቐጸልታን 9ይ ክፋልን ድማ ይስዕብ…..

ገለ ካብ ኣብነታውያን ሓለፍቲ፦

ኣብተን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝጸናሕኩለን 5 ዓመታት፣ ዘይሃስስ ተዘክሮታት ካብ ዝገደፉለይ ብዙሓት ሓለፍቲ ከም ኣብነት፣ ብዛዕባ ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። ካብቲ ኣብ ብርገድ 51 ዝኣተኹሉ ግዜ (ክራማት 1978) ክሳብ’ታ ተወጊአ ካብታ ብርገድ ዝወጻእኩላ ዕለት (ሓምለ 1983) ከይተቐየረ ከም ሓላፊ ናይታ ብርጌድ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓሊ ኢብርሂም ኢዩ። የማነ በርሀ’ውን ከምኡ ክሳብ’ታ ናብ ጋንታ ሃንደሳ ዝተቐየርኩላ ዕለት፣ ንሱ ኢዩ ኮሚሳር ሓይሊ 32 ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ። በዚ ከኣ ኢየ ብዛዕባ ክልቲኦም ቁሩብ ክዛረብ ዝደለኹ።

ዓሊ ኢብራሂም

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፣ ዓሊ መበቆሉ ካብ ብሀረ ሳሆ (ዓዲ-ቀይሕ) ኮይኑ፣ ካብ  ቤት-ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ (2ይ ደረጃ ዓዲ-ወግሪ) መንደፈራ ምንባሩ ኢዩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፈ። ዓሊ ሓደ ካብቶም ሰውራ ኤርትራ ዘፍረዮም ውሑዳት ጀነራላት ኢዩ። ብዛዕባ ግምባር ናቅፋ ተዛሪብካ ንዓሊ ከይዘከርካ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ንሱ ሓደ ካብቶም ብሉጻት መራሕቲ ውግእ ምንባሩ፣ ብዙሓት ፈለጥቱ ይሰማምዑሉ። ንኣብነት ሓደ ንዓሊ ብቐረባ ዝፈልጦ ሰብ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዚ ዝስዕብ ኣዘንቲዩለይ፦

“ብገለ ምኽንያት ናብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ከድኩ፣ ሓደ ተኪኤ ዝበሃል፣ ኣብ ወታደራዊ ስርሒት ዝተማረኸ፣ ናይ ጀነራል ታሪኩ ኦፐረተር (ኣዛዚ ናደው እዝ) ዝነበረ ወታደር ረኺበ። ብዛዕባ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግምባር ከዕልል ከሎ፣ ‘ልዕሊ ኩሎም ሓለፍትኹም ዝፍራሕ ጀነራል ዓሊ ኢዩ። ጀነራል ታሪኩ ኣዝዩ ኢዩ ዘድንቖ። ኩሉ ግዜ ‘ጀነራል ዓሊ’ እናበለ ኢዩ ዝጽውዖ። ‘መልእኽቲ ጀነራል ዓሊ እንተጠሊፍኩም ወይ ካብ ጀነራል ዓሊ ዝሓልፍ መልእኽቲ እንተረኺብኩም፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣተንሲእኩም ንገሩኒ’ ይብለና ነይሩ። ኣነ’ውን ዕድል እንተዝረክብ ንጀነራል ዓሊ ክርእዮ ምደለኹ…” ከም ዝበሎ ይዛረብ።

ዓሊ እምበኣር ብጸላእቱ ከይተረፈ ‘ጀነራል’ ዝተባህለ፣ ብወታደራዊ ብቕዓቱ ዘመስከረ ብቑዕ ወታደራዊ መራሒ ኢዩ ነይሩ።

ምስ ዓሊ ዝነበረኒ ሌላ ከም ኣዛዚ ብርጌድ ካብ ናይ ማዕዶ ፍልጠት ዝሓልፍ ኣይነበረንን። ኣብታ ንመወዳእታ እዋን ዝተራኣኣናላ መዓልቲ፣ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1983፣ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ብርጌድ ክወጽእ ስለ ዝነበረኒ፣ መሰነይታ ወረቐት ክወስድ ናብቲ ኣብ እማባልቆ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት (እዚ) ብርጌድ 51 ምስከድኩ ኢየ። ወዲ ሓወልቲ ዝበሃል ፐርሰነል ናይቲ ብርጌድ “ዓሊ ይደልየካ ኣሎ” ምስ በለኒ፣ ናብታ ዓሊ ዝነበራ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐት ክፍሊ ከይደ። እታ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተደኮነት ገዛ፣ ብላዕሊ ዝኾነ ናይ ገዛ ምልክት የብላን። እቲ ናሕሲ ‘ቅንጭቢ’ ዝበሃል ገረብ በቊሉዎን ተመሳሲሉን ኢዩ። እታ ንመእተዊ ዝተዃዕተት ካናለ’ውን ብየማነ ጸጋም ተመሳሲላ ኢያ። ንውሽጢ ምስ ኣተኻ ግን ብሕብርታት ዘገጼት ኢያ። ኩሉ ዓይነት ንብረት ማለት ኮፍ መበሊ፣ መጽሓፊ ጣውላ፣ መደቀሲ ወዘተ ኣለዋ። ብዛዕባይ ምሉእ ሓበሬታ ከም ዝነበሮ ገምጋም ኣለኒ፣ ብፍላይ ናይቲ ኣብ ጋንታ ሃንደሳ ዝነበርኩሉ እዋን። ኣነ ካብቲ ብርጌድ ጠቕሊለ ዝወጸሉ እዋን ስለ ዝነበረ፣ ርክብና ካብ ተራ ናይ ምፍናው ዕላልን ለበዋን ዝሓልፍ ኣይነበረን። ብብቕዓት ወታደራዊ ኣመራርሕኡ ግን ዕጉብ ኢየ።

እቲ ዓሊ ዝመርሖ ‘ብሓላው ማዕጾ፣ ቆፋሪ ብርጌድ’ ዝፍለጥ ኣሃዱ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ ኢዩ ዝዓጹ። ንኣብነት ኣብ ኩሉ’ቲ ናይ ምዝላቕ እዋን፣ ኣብ ዕላበርዕድ (ኣብ ጸሊም ጽርግያ)፣ ኣብ ገንፎሎም፣ ግዝግዛ፣ ሕዳይ ወዘተ ብማእከል ጽርግያ እናኸድና፣ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እናዓረድና ኢና ግምባር ናቕፋ በጺሕና። ናቕፋ ምስ ኣተና’ውን፣ ነቲ ዳሕራይ ብርጌድ 58 ዝተረከቡና፣ ኣብቲ ቀንዲ ጽርግያ ዓሪድና ኢና ንጸላኢ ተጸቢናዮ። እቲ ቀንዲ ናይ ናቕፋ ውግእ ግን፣ ታንክታት ሰሪዕካ ብማእከል ጽርግያ ዘይኮነስ ኣብ ጎቦ ደንደን ኢዩ ጽዒቑ። ከይደንጎየ እቲ ዓሊ ዝመርሖ ብርጌድ፣ ጎቦ ደንደንን የማነ ጸጋሙ ዝነበረ ድፋዓትን ክዓጹ ተኣዚዙ። እቲ እዋን ጸላኢ ንጎቦ ደንደን ክቆጻጸር፣ ኣሃዱታትና ድማ ክከላኸላ ዝነበረ ናይ መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን ውግእ ትንፋስ ዝህብ ኣይነበረን። እቲ ብኣግራብ ዝማዕረገ፣ ስሕት ኢሉ ብግመ ዝሽፈን ኳዕናን ጎቦ ደንደን፣ ናብ ናይ ሓጺን መምከኺ ፎንደርያ ዝተቐየረ ኢዩ ዝመስል። እቲ ካብን ናብን ዝወናጨፍ ሓባሪ ጠያይቲ (ብፍላይ ብለይቲ)፣ እቲ ካብ ወገን ጸላኢ ጥራይ ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ሞርታራትን፣ እቲ ካብ ነፈርቲ ዝድርበ ፋሽሽቲ፣ ነቲ ጎቦ ናብ መግሃር ሓዊ ኢዩ ቀይርዎ። እምባ ደንደንን ከባቢኡን ናብ እሳተ-ጎመራ ተቐይሩ። ኣብ ማእከል’ቲ ዝነድድ ዝነበረ መሬት ከኣ ስጋ ዝለበሱ፣ ካላሽንን ቡምባ ኢድን ጥራይ ዝሓዙ ተጋደልቲ።

ቁሩብ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጅማር ውግእ ደንደን፣ ሓደ “ነቲ ኣብ መንጎ ዓልን ኣብቲ ውግእ ዝነበረ ሓላፍን ዝግበር ዝነበረ ናይ ሬድዮ ርክብ ሰሚዐዮ” ዝበለኒ ተጋዳላይ ዘዕለለኒ ወስ ከብል። ነቲ ትንፋስ ዘይህብ ተደጋጋሚ ህጁማትን፣ ኣብቲ ዘይተሃደመ ካናለታት ዝዘንብ ዝነበረ ጻዕቂ ደብዳብን ጠቒሱ፣ “እዚ ኩነታት ጽንኩር ኢዩ ዘሎ” ምስ በለ፣ ዓሊ ድማ “ጽንኩር ብጽንኩር ኢዩ ዝፍታሕ! ነቲ ትብሎ ዘለኻ ጽንኩር ኩነታት፣ ብጽንኩር እንተ-ዘይሓሊፍካዮ፣ ካልእ ካብኡ ዝጸንከረ ክመጽእ ኢዩ” ኢሉ ከም ዝመለሰሉ ኣዕሊሉኒ። እዛ ‘ካብ ኣፍ ዓሊ ወጺኣ’ ተባሂላ ዝተነግረትኒ ‘ጽንኩር ብጽንኩር ኢዩ ዝፍታሕ’ ትብል ጥቅሲ እምበኣር፣ ኣብ ኣእምሮይ ሓያል ድርኺት ኣቐሚጣ ኢያ ሓሊፋ። ከም ኩሉ ተጋዳላይ ኣብ ኣዝዩ ከበድቲ ውግኣት ተኻፊለ ኢየ። ኣብ ህይወተይ’ውን ብዙሕ ፈታኒ ብድሆታት ኣጋጢሙኒ ኢዩ። ኩነታት ጸልሚቱ፣ ጉዳያት ከቢዱ፣ ፍታሕ ዘይርከቦ ኮይኑ እንተ-ተራእዩኒ፣ እታ “ጽንኩር ብጽንኩር’ዩ ዝፍታሕ” ትብል ናይ ዓሊ ዘረባ ብቐጥታ ኣብ ኣእምሮይ ‘ከተፍ’ ትብል። ነቲ ጽንኩር ብጽንኩር ንምፍታሕ ድማ ብውሽጢ ደፋኢ ድርኺት እውስኽ።

እቲ ኣብ ዝተፈላሰየ እዋን ከም ወኪል ፖሊቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፣ ግዝያዊ ሓላፊ ግምባር ናቕፋ፣ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ዓሊ፣ ኣብ መጋቢት 1988 ናደው እዝ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ውግእ፣ እታ ንሱ ዝመርሓ ዝነበረ ክ/ሰራዊትን ካልኦት ተደረብቲ ኣሃዱታትን፣ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኣትየን፣ ንመስመር ኣፍዓበት ከረን በቲኸን፣ ነቲ ኣብቲ ግምባር ዝቕጥቀጥ ዝነበረ ጸላኢ፣ ካብ ከረን ሓገዝ ከይመጾ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንባዕሉ’ውን ንከረን ገጹ ንኸይሃድም፣ ብቕድሚትን ድሕሪትን እናተዋግኣ (ኣብ መንጎ ክልተ ጠያይት ተቐርቂረን) ጸላኢ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ከም ዝጠፍእ ገይረንኦ ኢየን። ንባዕሉ’ውን ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ፣ ኣብቲ መንቀራቅሮ ኮይኑ እናተዋግአን እናኣዋግአን ኢዩ ተሰዊኡ።ዓሊን እቲ ንሱ ዝእዝዞ ሰራዊትን እምበኣር፣ ፊት ንፊት ገጢሙ ዝሰዓረ፣ ብጸቢብ ሰሊኹ ኣብ ሕምብርቲ ጸላእቱ ኣትዩ፣ ንዕኦም በቲኑ (ተደረብቲ ኣሃዱታት’ውን ዝነበሩዎ) ሩስያውያን ኣማኸርቱ ዝማረኸ፣ ትእምርቲ ኤርትራ ኢዩ። ብወገነይ እዚ ጠላም ስርዓት ተኣልዩ፣ ታሪኽ ናብ ዋናታቱ ምስ ተመልሰ፣ ዓሊን ካልኦት ዓሊታትን፣ ኣብቲ ከም ትእምርቲ ጽንዓት ተጋዳላይ ክሳብ ሕጂ ምስልታቱ ዘይጠፍአ ድፋዓት ናቕፋ፣ ኣብ ክብ ዝበለ ርኡይ ቦታ ሓወልትታቶም ክስራሕ ይግበኦ በሃላይ ኢየ።

የማነ በርሀ (ሻባይ)

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፣ የማነ በርሀ ኮሚሳር ሓይሊ ኢዩ ነይሩ። ኣባላት ናይተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ኣሃዱታት፣ ‘ሓይሊ 32’ ካብ ምባል ‘ሓይሊ ወዲ በርሀ’ ምባል ይቐሎም። ኣብ እዋን ሰላም ወድ በርሀ ኩሉ ኢዩ። ኣብ ጭርቃን ተጫራቓይ፣ ኣብ ጸርፊ ተጻራፋይ፣ ኣብ ፖሊቲካ መዳራይ፣ ኣብ ጓይላ ሳዕሳዓይን ኣቦጓይላን ወዘተ። ኣብታ ሓይሊ ‘ብወዲ በርሀ ዘይተጸርፈን ዘይተጨርቀሉን ነይሩ’ ንምባል ዝከኣል ኣይመስለንን። ንኹሉ ምስ ጭርቃን ኣሰንዩን እናሰሓቐን ስለዝገብሮ ግን ቅርሕንቲ ወይ ቂም ዝሓዘ ሰብ እንተልዩ’ውን ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።

ድሕሪ’ቲ ነዊሕ ናይ ምዝላቕ ጉዕዞ፣ ኣብ መፋርቅ ወርሒ መጋቢት 1979፣ እተን ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበራ ብርጌዳት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ከባቢ ኣስመራ ኣትሒዙ ደድሕረና ዝሰዓበ ጸላኢ፣ ሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣካይደን ነይረን። ነቲ ግምባር ምሉእ ብምሉእ ኣፍሪስና፣ ሕዳይ ቅልቅል ክንብል፣ ኣብ ‘ኢትሓልበብ’፣ ጸጋም ካብ ጽርግያ (ሸነኽ ምብራቕ) ዝነበረት ነዋሕ ጎቦ፣ ዓሪዱ ዝጸንሐ ኣሃዱታት ጸላኢ ‘ምንቕ‘ ክብል ኣይከኣለን። ናብታ ብዙርያኣ ብጸድፊ ዝተኸበት ነዋሕን በላሕን ጎቦ ዝተጸግዐ ተጋዳላይ፣ መደያይቦን መእተውን ስኢኑላ። ሓይልና ሽዑ ነታ ካብ ጽርግያ ንምዕራብ (የማን) ዘላ ‘እንዳ ሓሰር’ ዝበልናያ በላሕ ጎቦ ከተጥቅዕ ተኣዚዛ። እንዳ ሓሰር ንውሽጢ እትው ዝበለት ኮይና፣ ናብኣ ክትድይብ እንተፈቲንካ እቲ ብየማነ ጸጋማ ዘሎ ሓይልታት ጸላኢ፣ ብድሕሪት ብሕቖኻ ኢዩ ዝሃርመካ። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ከባቢ ኢትሓልበብ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ኣሃዱታት። ብጉያን እናተጠዋወናን፣ ኣብ እግሪ እታ ታባ ምስ በጻሕና፣ እቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ዘይኮነስ፣ ብኽልተ ጎድንና ዝነበረ፣ ብካላሽናት ከነርክበሉ ዘይንኽእል ረሽራሻት ጸላኢ ፍጹም ከሰጉመና ኣይከኣለን። እዚኣ -እቶም ኣዘዝቲ ናይቲ ግምባር ዝወሰድዋ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ይመስለኒ።

ነዚ ዝተዓዘበ የማነ በርሀ፣ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቦምባ ኢድ ኣኪቡ፣ ኣብ ነጸላ ጠሚሩ፣ ቀስ እናበለ ንበይኑ ነታ ታባ ደይቡዋ። ኩሉ’ቲ ዝሓዞ ቦምባታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ርእሲ’ታ ታባ ዝነበሩ ወታደራት ኣዝኒቡ፣ ኩሉ ዝወሰዶ ቦምባታት ምስ ወድአ፣ ከም ኢራብ እናነጠረ ኣብ ብጾቱ ተጸንቢሩ። እቲ ከም ማይ ዝዘንቦ ዝነበረ ጠያይት፣ ነቲ ከም ተመን ዝጠዋወ የማነ በርሀ ጨሚቱ ዝሃርም ኣይነበረን። እዛ ናይ እንዳ ሓሰር ፈተነ ከይተዓወተት ምስ ተረፈት፣ ሓለፍቲ ናይቲ ግምባር ነቲ ሰራዊት ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ክምለስ ኢዮም ኣዚዞም። ነዚ ዘምጽኦ ዘለኹ ድማ ወዲ በርሀ ከም ኣብ እዋን ሰላም፣ ኣብ እዋን ኲናት’ውን ልዕሊ ሰቡ ተዋጋኣይ ምንባሩ ንምብራህ ኢየ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን። ኣብ ዝሓደርናሉ ቦታ፣ ብውሑዱ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዝዓልብ ቦምባታት በጥ ኢልካ ነብስኻ ተድሕነሉ፣ ብቕድሚት ካብ ዝትኮስ ጠያይት እናተኸላኸልካ ትትኩሰሉ ድፋዕ ተዃዒቱ ክሓድር ኣለዎ። ብዙሕ እዋን፣ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ እዋን፣ ኣብቲ ድፋዓት እናተዘዋወረ፣ ኣየነይቲ ድፋዕ ነየናይ ከባቢ ክትቆጻደር ኣለዋ ዝሕንጽጽ ወዲ በርሀ ኢዩ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ 1983 ዝነበረ ናይ ሓለፍቲ ምቅይያር (ተኽሊጥ) ናብ ክፍለ-ሰራዊት 85 ኢዩ ተቐይሩ። ኣብኡ’ውን ብደረጃ ናይ ቦጦሎኒ ሓላፊ ይሰርሕ ምንባሩ እፈልጥ።ልዕሊ’ቲ ዝነበሮ ወታደራዊ ጥበብን ቆራጽነትን፣ እቲ ዘውጽኦ ሓደ ሓደ ቃላት ዝያዳ ሚዛን ስለ ዝተዋህቦ ወይ’ውን ብኻልእ ምኽንያት ካብቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ናይ ቦጦሎኒ ንታሕቲ ናብ መራሕ ሓይሊ ከም ዝመለስዎ ሰሚዐ። እዚ ኩነታት’ዚ ግን ኣብ ተወፋይነቱ ይኹን ወታደራዊ ክእለቱ ኣይተንከፎን። ንኣብነት፣ ኣብኡ (ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 85፣ ‘መራሕ ጋንታ ነይረ’ ዝበለኒ ሓደ ብጻይ፣ ነቲ ኩነታት’ቲ ኣመልኪቱ፣ ብዛዕባ የማነ በርሀ ከምዚ ክብል ኣዕሊሉኒ።

“ኣብ 1985፣ ኣብ ወራር ባሕረ ነጋሽ፣ ሓይልታት ህዝባዊ ግምባር ካብ ከተማ ባረንቱ ዘዝለቓሉ እዋን ኢዩ። ነታ ቅድም ንሱ ኣብ ብርገድ 51 ኮሚሳር ሓይሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበራ ድፋዕ (ድፋዓት ግሎፕን ፊደል ‘ተ’ን) ጸላኢ ተቖጻጺሩዋ ነይሩ። ወዲ በርሀ ዝሓዛ ኣሃዱ ናብቲ ኣብ ፊት ናይ ቀደም ድፋዕና ዓሪዱ ዝነበረ ጸላኢ ምስ መጸት፣ የማነ ፍጹም ኣይተዋሕጠሉን። ‘ጸላኢ ኣብ መቓብር ብጾትና ክሸይን!’ ክብል ይስማዕ ነይሩ። ሽዑ ነታ ንሱ ዝሓዛ ኣሃዱ ኣኪቡ፣ ኩለን ሬድዮታት ርክብ ከም ዝዕጾዋ ገይሩ። ነቲ ቦታ ከም ኣጻብዕቲ ኢዱ ኢዩ ዝፈልጦ። ብናይ ወርሒ ብርሃን ተሰንዩ፣ ኣሃድኡ መሪሑ፣ ብገለ ክፉት ቦታ ሰሊኹ ብድሕሪት ነቲ ተዛንዩ ዝነበረ ጸላኢ ሓደጋ ወዲቑዎ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ እታ ብኣዕጽምቲ ጀጋኑ ዝተነድቀት፣ ናይ ቀደም ድፋዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትያ። እቶም ብልሓት ናይቲ ጽዕጹዕ ተኹሲ ዘይተረድኦም ላዕለዋት ሓለፍቲ፣ ነቲ ኩነታት ክፈልጡ ደጋጊሞም ክገብርዎ ዝጸንሑ ፈተነ ሬድዮ ርክብ ኣይሰለጠን። ሬድዮታት ዕጹዋት ስለ ዝነበራ ካብ የማነ መልሲ ክረኽቡ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ንሱ ዕላምኡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ሃረመ (ነቲ ናይ ቀደም ድፋዓት ምስ ተቖጻጸሮ) ጥራይ ኢዩ፣ ሬድዮ ርክብ ከፊቱ እቲ ኩነታት ዝሓበሮም”… ይብል።

ካልኦት ተጋደልቲ’ውን “ንሱ ኣሃዱኡ ሒዙ ብረዳት ናብቲ ቦታ ምስመጸ፣ ብኸምቲ ኣቐዲሙ ኣብ እንዳሓሰር ዝገበሮ፣ ቡምባ ኢድ ብነጸላ ጠሚሩ፣ ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ተጸጊዑ ኢዩ፣ ብብዝሒ ቦምባታት ብምድርባይ ጸላኢ ቦትኡ ክለቅቕ ዝገበረ” ዝብሉ’ውን ኣለዉ። በቲ ኮነ በቲ የማነ በቲ ዘጋጠሞ ግዝያዊ ጸገም (ካብ ሓላፊ ቦጦሎኒ ናብ መራሕ ሓይሊ ምምላሱ) ከይተዳህለ፣ ኣብ ድፋዓት ግሎፕ ዕዙዝ ተራ ከም ዝነበሮ ኢዩ ዝንገር።

የማነ በርሀ እምበኣር ብወታደራዊ ጥበቡን ክእለቱን ዝተኣማመን፣ ‘ክግበር ኣለዎ’ ኢሉ ንዝኣምነሉ ዕማም፣ ትእዛዝ ከይተጸበየ ብጽፈት ዝዓምም ተጋዳላይን መራሕን ኢዩ ነይሩ። እቲ ክኢላን ተባዕን የማነ በርሀ፣ ድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝ፣ ኣብቲ ናይ ጎላጉል ውግእ ብመስዋእቲ ሓሊፉ።

የማነ በርሀ ምስ ጠባያት ተስፋልደት ስዩም ዘመሳስል ነይሩዎ፦ ብዛዕባ ተስፋልደት ስዩም ብዙሕ ኣብ ኢንተርነት ስለ ዝተጻሕፈ፣ ኣብዚ ምድጋሙ ዘድሊ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ኣብዚ ከይገለጽኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ግን ኣሎ። ኣብዚ ኣብ ስደት ከለኹ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ዶብ ኲናት ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ‘ኢሉዎ ወይ ገይርዎ’ ኢሎም ገለ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝነበሩ መንእሰያት ከዕልሉ ሰምዐ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ዝሰማዕኩዎ ምስ ጠባያት የማነ በርሀ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን፣ እቲ ኣዝዩ ተባዕ፣ ማዕረ ትብዓቱ ድማ ዘረብኡ ጥንቁቕ ዝነበረ ወዲ ስዩም “ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ስርዓት ኣመልኪቱ ብቕሉዕ ክዛረብ ጀሚሩ? እንታይ ስለ ዝተዓዘበ ኢዩ’ኸ ናብ ከምኡ ወዲቑ…? ወዘተ ክብል ወትሩ ንነብሰይ ምስ ሓተትኩዋ ኢየ።

ኣብ 1978 ኣነ ካብ ታዕሊም ናብ ሓይሊ 32 ክምደብ ከለኹ፣ ወዲ ስዩም’ውን ኣብታ ሓይሊ፣ መራሕ መስርዕ ጸኒሑኒ። ኣነ ካብታ ሓይሊ ናብ ጋንታ ሃንደሳ ክስሓብ ከለኹ’ውን ኣብታ ሓይሊ መራሕ ጋንታ ከሎ ኢየ ገዲፈዮ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ኣስመራ (መዓስከር ቃኘው) ብዙሕ እዋን ተራኺብናን ኣዕሊልናን ኢና። ስምዒተይ’ውን ሓቢአሉ ኣይፈልጥን። ናብዚ ዳሕራይ ‘ተዛሪቡዎን ገይሩዎን’ ዝበሃል ነገራት ዘብጽሕ ባህርያት ግን ርእየሉ ኣይፈልጥን። ሓደ ‘ክኸውን ይኽእል’ዩ’ ዝብሎ ሓሳባት ግን ኣሎ። ክልቲኦም (ወዲ በርሀን ወዲ ስዩምን) ኣብ ነንበይኑ ግዜ፣ ኣብ ኣመራርሓን ኣተኣላልያን ናይቲ ውድብ ይኹን ዳሕራይ መንግስቲ፣ ሓደ ፍጊዕ ዝበሎም ነገር ምንባሩ ኢዩ። ከም ሓቂ‘ውን ኣይኮነንዶ ንሳቶም ቅድመይ ንሓያሎ ዓመታት ኣብቲ ገድሊ ዝጸንሑን፣ ነቲ ግናይ ኣሰራርሓ ልዕለይ ዝተዓዘቡን፣ ኣነ ድሒረ ዝመጻእኩ’ኳ ነዚ ዝገለጽኩዎን ብሕጂ ዝገልጾን ርእየን ተዓዚበን ነይረ። ልዕሊ ኩሉ ግን፣ ወዲ በርሀን ወዲ ስዩምን፣ ንሓንቲ ደቒቕ‘ውን ትኹን ህይወቶም በቒቖም ዘይፈይልጡ ኣዝዮም ደፋራትን ብሱላትን ተጋደልቲ ምንባሮም ክገልጽ ደስ ይብለኒ። የማነ በርሀ ኣብ ኲናት’ዩ ተሰዊኡ። ተስፋልደት ስዩም ግን፣ በቶም ቀደም ከም ብጾቱ ኣሚኑ ኣብ ጎድኖም ዝተቓለሰ፣ ብዝኾነ መልክዕ ግን ማዕሪኡ ውፉያት ዘይነበሩ፣ እኳ ድኣ ገሊኦምስ ተሓንጊሮም ዝመጹሞ ሎሚ ናብ ጎይቶት ዝተቐየሩ ሓለፍቲ ምስ ተኣስረ ደሃዩ ጠፊኡ ኣሎ።

የማነ በርሀን ተስፋልደት ስዩምን ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም እምበር ካልኦት ከም በዓል ኢያሱ (ዓዲ-ቢደል) ወዲ ዘረፋ፣ ዑቕባይ (ዓድታቶም ኣይፈልጦን ኢየ) ብርሃነ ካሕሳይ (ዳሕራይ መራሕ ጋንታ)፣ ኪዳነ ገብረስላሴ (ቂጣው) ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣድናቖት ዝገደፉለይ መራሕቲ መሳርዕን ምክትላቶም ምጥቃስ’ውን ግቡእ ይመስለኒ። ኩሎም እዚኦም ግን፣ ገለ ኣብነታት ናይቶም ኣሽሓት ተጋደልቲ ጥራይ ኢዮም።


ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
10ይ ክፋል 26/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 9ይ ክፋል፣ ብዛዕባ የማነ በርሀን ዓሊ ኢብራሂምን ኢየ ተዛሪበ። ነቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ዝጸንሐ ኣብ ታሪኽ ንውልቀ-ሰብ ዝወሃብ ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዘይጸንሐ፣ ንዕኡ ንምስዓር ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ ታሪኽ ናይ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ህዝቢ ዝመርሑ ውልቀ-ሰባት ስለዝኾኑ፣ ሰባት ከከም ኣበርክቶኦም ክግለጹ ጽቡቕ ይመስለኒ። በዛ ትስዕብ ሑጥበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም።

“የማነ በርሀን ተስፋልደት ስዩምን ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም እምበር ካልኦት ከም በዓል ኢያሱ (ዓዲ-ቢደል) ወዲ ዘረፋ፣ ዑቕባይ (ዓድታቶም ኣይፈልጦን ኢየ) ብርሃነ ካሕሳይ (ዳሕራይ መራሕ ጋንታ)፣ ኪዳነ ገብረስላሴ (ቂጣው) ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣድናቖት ዝገደፉለይ መራሕቲ መሳርዕን ምክትላቶም ምጥቃስ’ውን ግቡእ ይመስለኒ። ኩሎም እዚኦም ግን፣ ገለ ኣብነታት ናይቶም ኣሽሓት ተጋደልቲ ጥራይ ኢዮም።”

መቐጸልትኡ ይስዕብ …

ጨንፈር/ ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ካብ ሓይልታት ድሕሪ ምውጽአይ፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ (ጨንፈር ትምህርቲ) ከም ዝተመደብኩ ክብ ኢለ ገሊጸ ኣለኹ። ኣብ መጀመርያ ሚያዝያ 1983፣ ኣነ ናብቲ ኣሃዱ ቅድሚ ምምጽአይ፣ እቶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ ዓበይቲ ተማሃሮ፣ ብገለ ኣባላትን መማህራንን ተሰንዮም ብስም ‘መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ’ ናብቲ ብድሕሪ መስመር ዝፍለጥ፣ ሓውሲ ሓራን ተወራራሲ ቦታታትን ፋሕ ኢሎም ነይሮም። ምምሕዳሮም ድማ ብዞባታት ዝተጠርነፈ ነይሩ። እቲ ዞባታት ነቲ ኣብ መንጎ ቀንዲ ጽርግያታትን ዓበይቲ ከተማታትን ዝርከብ፣ ጸላኢ ብቐሊሉ ዘይበጽሖ ከባቢታት የጠቓልል። እቲ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ እምበኣር፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝተባህለ ጸቢብ ቦታታት ተቐርቂርካ፣ ምስ ወፍሪ ወዶ-ገባን ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ስልኳታትን እናተቖራቖስካ፣ ኣብ ዝከኣለሉ ቦታ ጥራይ ዝግበር፣ ፖለቲካ ዝዕላምኡ ወታደራውን ኣካድያሚያውን ስራሕ ኢዩ ነይሩ። ምስ ብርትዐን ድኻምን ጸላኢ፣ በብግዝይኡ ዝቀያየር’ኳ እንተነበረ፣ እቲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብኣጠቓላሊ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ዞባታት- ዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት፦

1.    ዞባ ሱዳን፦ እዚ ነተን ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝነበራ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ዝመሃሩለን ኣብያተ-ትምህርቲ የጠቓልል።

2.    ዞባ ሳሕል፦ ነተን ኣብ ሓራ መሬት ማለት ኣብ ሳሕል፣ ከም ባቕላ፣ ሮራ፣

ኣግራዕ፣ ከባቢታት ናቕፋን ካልእ ከባቢታትን ዝነበራ ኣብያተ-

ትምህርቲ የጠቓልል።

3.    ዞባ ባርካ፦ ካብ ጽርግያ ከረን ኣፍዓበት ንምዕራብ፣ ካብ መስመር ከረን

ኣቑርደት ድማ ንሰሜን ኣብ ዘሎ ከባቢታት ማለት ንከባቢታት

ኣስማጥ፣ ማርያ ቀይሕን ማርያ ጸሊምን፣ ሸርኢት፣ ሃበሮ ወዘት

የጠቓልል።

4.    ዞባ ጋሽ ባርካ ፦ ንከባቢታት ሸላሎ፣ ተኾምብያ፣ ኣውጋሮ፣ ሃዳሙ፣ ዓዲ ተኽላይ፣

ዓዲ በርበረ ወዘት የኣጠቓልል።

5.    ዞባ ምዕራብ፦ ንከባቢታት ደምበላስን፣ ከባቢታት ማይድማን ትኹልን..

የጠቓልል፣

6.    ዞባ ሰሜን፦ እዚ ድማ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ከረን ንደቡብ ዝርከብ፣ ካብ

ምቁጽጻር ጸላኢ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት ማለት ንከባቢታት ላዕላይን

ታሕታይን ዓንሰባ፣ ከምኡ’ውን ንገለ ዓድታት ላዕላይ ባርካ ማለት

ገርገር፣ ጉርዒ፣ ዓዲ-ዑመር፣ ሸበቕ፣ ዴዳ፣ ዒን፣ ክሳብ ከባቢ መንሱራ

ይዝርጋሕ።

7.    ዞባ ደቡብ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ኣስመራ - ዓዲ-ዃላ ንምብራቕ፣ ካብ

መስመር ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ ድማ ንደቡብን ምዕራብን ማለት ንከባቢታት መረታ-ሰበነን መረታ ቀይሕን፣ ተድረር፣ ትምዛኣ፣ እገላሓጺን፣ ክሳብ ጾሮና ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ ንሰሜን ድማ ንከባቢታት ዓላን ዓደረሶን’ውን የጠቓልል።

8.    ዞባ ምብራቕ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ጊንዳዕ - ባጽዕ ንደቡብ ክሳብ ደንከል

ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንከባቢታት ፎሮ፣ ኣፍታ፣ ዙላ፣ ኢዶፋይለ፣ ባዳ፣

ወዘተ የጠቓልል።

9.    ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ጊንዳዕ - ባጽዕ ንሰሜን፣ ካብ

መስመር ከረን ኣፍዓበት ድማ ንምብራቕ ኮይኑ፣ ንከባቢታት

ሸባሕ፣ ሽዕብ፣ ገድገድ፣ መትከል ኣቤት፣ ሰለሙናን ከባቢታት

ሰሜናዊ ባሕርን የጠቓልል።

… ብዘይካ እዚ ኣብ ላዕሊ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፣ ሓደ ንመዓስከር ስደተኛታት ሰለሙና (እንዳ ህዝቢ) ዝከታተል ኣካል ከም ዝነበረ’ውን ይዝረብ ኢዩ። ኩሉ’ዚ ኣከፋፍላ’ዚ ናተይን፣ ነዚ ናይ ሕጂ ጽሑፈይ ክሕግዘንን ድኣምበር፣ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ናይ ጨንፈር ትምህርቲ ከም ዘይኮነን ኣንባቢ ክርድኣለይ እፈቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም እቶም ብህይወት ዘለዉ፣ ነቲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብንጹር ዝፈልጡ ኣብ ኤርትራ ስለዘለዉ፣ እቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ድማ ክዛረቡ ዘይደልዩ ወይ ድማ ክረኽቦም ዘይከኣልኩ ኢዮም። ስለዚ ከኣ ኢየ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ከቕርብ ዘይከኣልኩ። ኣብቲ እዋን’ቲ መማህራንን ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነትን ምስ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተዘራረብኩሉ ግን ክገልጽ እፈቱ።

በብግዜኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዞባታት፦

ነዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ዞባታት በብእዋኑ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ሓለፍቲ (ዋላ’ውን ንሓጺር እዋን) ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም። ሕጂ’ውን ኣብ ስደት ኮንካ ዝተማልአ ጽፉፍ መጽናዕቲ ከተካይድ ስለ ዘይከኣል፣ ገለ ዝተረስዐ ወይ ጌጋታት ክህሉ ከም ዝኽእል ክገልጽ እፈቱ። እዚ ግን ካብ ናተይን ካብ ገለ መሳርሕተይ ዝነበሩ መማህራንን (ካብ ዝዘከርናዮ ጥራይ) እጽሕፍ ስለ ዘለኹ፣ ንዝፍጠር ሃጓፋት ቦታ ንምግዳፍ ድኣምበር፣ ‘ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ’ ንምባል ኣይኮነን። እቶም በብከባቢኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ እምበኣር፦

ቃልኣብ ሃይለ፣ ጎይትኦም ተስፋዮናስ፣ ተስፋማርያም ተኸስተ - ወዲባሻይ- (ሕጂ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ እስራኤል)፣ ጸጋ ጋይም (ጓል-ሻምበል)፣ ወልደ-ማይክል፣ ሃይለ ኣልኣዛር፣ ሓኽሊ ዝበሃል (ሕጂ ስሙ ዘይዝክሮ)፣ ሃይለ መብራህቱ፣ ሃይለማርያም ኢዮብ፣ ገብረስላሴ ዮሴፍ፣ ጎይትኦም (ደጎም)፣ ዑስማን ሳልሕ (ናይ ሕጂ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ መጀመርያ እዋን)፣ ወዘተ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ሓላፍነት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ትሰርሕ ዝነበረት’ውን ኣስመረት ሃብተሚካኤል ነይራ። ንኹሉ’ቲ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝካየድ ዝነበረ ትምህርታዊ ንጥፈታት ዘወሃህዱ ዝነበሩ ድማ ጴጥሮስ ሃይለማርያምን መሓመድ ኑር ኣማንን ከም ዝነበሩ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መማህራን ይዛረቡ። ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮም ዘለኹ ሓለፍቲ፣ ብዘይካ ሓኽሊ (ኣቐዲሙ ካብቲ ጨንፈር ዝተቐየረ) ክሳብ ናጽነት ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ዝነበሩን፣ ብህይወት ዝኣተዉን ኢዮም።

እዞም ክብ ኢሉ ኣስማቶም ተገሊጹ ዘሎ ሓለፍቲ፣ ነቲ ብኸበሳን መታሕትን ዝፍለጥ ጅኦግራፍያዊ ምክፍፋል ወይ’ውን ንክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታትን ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራን ብልክዕ ዘንጸባርቑ‘ኳ እንተዘይኮኑ፣ ብውሑዱ ግን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹን፣ ምስቲ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ወፍርታትን ስልኳታት ወዶ-ገባን እናተዓጻጸፉ ነቲ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዘወሃህዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኢዮም። ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፣ ከም ሓላፊ ናይቲ ጨንፈር (ጨንፈር ትምህርቲ) ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ናይ ሎሚ ሚኒስተር ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኢዩ።

ድሕሪ ናጽነት

ህዝባዊ ግምባር ኣስመራ ኣትዩ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዘቖመሉ እዋን፣ እቲ ብደረጃ ጨንፈር ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ትካል፣ ክፍሊ ትምህርቲ ተባሂሉ ኢዩ ክጽዋዕ ጀሚሩ። ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ (ሎሚ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ተኣሲሩ ዘሎ) ድማ፣ ንዑስማን ሳልሕ ተኪኡ፣ ከም ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ ተመዲቡ። በራኺ ብደረጃ ሚኒስተር ከም ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ (ደሓር ሚኒስትሪ) ድሕሪ ምምዳቡ፣ ኣብ ማ/ ቤት ጽሕፈትን ኣብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን ከም ሓለፍቲ ኮይኖም ዝተመደቡ ሰባት - ኣስማትምን መበቆል ዓዶምን እዞም ዝስዕቡ ነይሮም።

ማእ/ቤት-ጽሕፈት

  1. በራኺ ገብረ-ስላሴ = ሽማ-ንጉስ - ካርነሽም --- ሚስተር ትምህርቲ
  2. ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ-ባሻይ) = ሽማ-ንጉስ - ካርነሽም ንቃልኣብ

ሃይለ ተኪኡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን

  1. ሰመረ ሰሎሙን (ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ) = ዓዱ ኣይፈለጥኩዎን --

ንጴጥሮስ ሃይለማርያም ተኪኡ ሓላፊ ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ

ሰብን (HRD)

  1. ተስፋሚካኤል ገራህቱ = ሕምብርቲ --- ሓላፊ ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ

 

ሓለፍቲ ኣውራጃታት፦

  1. ሃይለ ኣልኣዛር = ጻዕዳ ክርስትያን - ሓላፊ ኣብያተ ትም/ኣውራጃ

ኣስመራ ( ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣስመራ ንበይና ከም ሓንቲ ኣውራጃ

ትመሓደር ነይራ ኢያ)

  1. ኣስጎዶም ካሕሳይ ዳምር = ደቂ-ሸሓይ (ዓንሰባ)፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ

ሓማሴን (ንከተማ ኣስመራ ገዲፍካ ኩለን ዓድታት ሓማሴን)

  1. ነፍሲሔር ሃብቶም ጉዱም = ዓደኮሎም - ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ሰራየ
  2. ኣብርሃም ርእሶም = ዓዲ-ተከለዛን (ደምበዛን) ሓላፊ

ኣብ/ትም/ኣው/ኣከለጉዛይ

  1. በኹረጽዮን ሃብተሚካኤል = ደርሰነይ (ዓንሰባ)፣ ሓላፊ ኣብ/ትምህርቲ

ኣውራጃ ሳሕል

  1. ግርማይ ገብርሂወት = ነፋሲት፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ደንከል
  2. ኣብርሃም ተኽለ = ዓደልገስ - ሰራየ፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ሰምሃር
  3. ወልዱ በርሀ = ዓዲ ቀሪጫ (ኣከለ-ጉዛይ)፣ ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ

ኣውራጃ ጋሽን ሰቲትን

  1. ኣብ ከረን ዝነበረ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣው/ሰንሒት ንግዝይኡ ኣይዘከርኩዎን

ኣስማትን ከባቢያዊ መበቆልን ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ኣብ/ትምህርቲ፣ ብውሑዱ 3 ካብቶም ኣብ ወሳኒ ቦታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝነበሩን፣ ሓለፍቲ ናይ 6 ካብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን፣ ተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ንመብዛሕትኦም ኣብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኣካድያምያውን ወታደራውን ስራሕ ብተዓጻጻፍነት ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣሊኻ ወይ ኣደስኪልካ ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፣ ብመደብ ልዕልና ተወለድቲ ውሱን ከባቢ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምስቲ ክብ ኢለ ኣብ ብርገድ 51ን 58ን ነይሩ ዝበልኩዎ ኣወዳድባ ሓለፍቲ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ድማ፣ ብገርሂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣጋጣሚ ሕቶ ኢዩ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን።


ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
መበል 11 ክፋል 30/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ 10ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ኣስማትን ከባቢያዊ መበቆልን ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ኣብ/ትምህርቲ፣ ብውሑዱ 3 ካብቶም ኣብ ወሳኒ ቦታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝነበሩን፣ ሓለፍቲ ናይ 6 ካብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን፣ ተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ንመብዛሕትኦም ኣብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኣካድያምያውን ወታደራውን ስራሕ ብተዓጻጻፍነት ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣሊኻ ወይ ኣደስኪልካ ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፣ ብመደብ ልዕልና ተወለድቲ ውሱን ከባቢ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምስቲ ክብ ኢለ ኣብ ብርገድ 51ን 58ን ነይሩ ዝበልኩዎ ኣወዳድባ ሓለፍቲ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ድማ፣ ብገርሂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣጋጣሚ ሕቶ ኢዩ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን።”

መቐጸልትኡ ይስዕብ፦  …

ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ’ውን ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት እቶም ብስምና ወይ ብሳጓና ጥራይ ንፋለጥ ዝነበርና ተጋደልቲ፣ “ስድራ ከመይ ጸኒሖሙኻ? ወለድኻ ብህይወት’ዶ ኣርኪብካዮም…?” እናበልካ ኩነታት ቤተ-ሰብ ሓድሕድ ክትተሓታተት፣ ናብቲ ገጠራት ንምምልላስ ዝነበረ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ድማ “ዓድኹም ቀረባ’ድዩ ርሑቕ? መካይን ይኣትዎኦ ድየን?” ዝብሉ ሕቶታት ክስዕቡን ባህርያዊ ኢዩ። እቲ እዋን እምበኣር እቶም ንነዊሕ እዋን ንቀራረብ ዝነበርና ተጋደልቲ፣ ዳርጋ ንመጀመርያ ግዜ ክበሃል ይከኣል፣ ብዛዕባ ስድራ-ቤትናን መበቆል ዓድናን ዓው ኢልና ከነዕልልን ክንዛረብን ዝጀመርናሉ እዋን ኢዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ከባብን ዓድታትን ናይቶም ሓደስቲ ናብ ሓላፍነት ዝደየቡን፣ ካብ ዝነበሮም መዝነት ደው ዝበሉን ሓለፍቲ።

ገለ ካብቶም ናይ ኣውራጃታት ሓለፍቲ ኮይኖም ዝተመደቡ ተጋደልቲ፣ ቅድሚኡ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ናይ ሓላፍነት ቦታ ሰሪሖም ዘይፈልጡ ስለዝነበሩ፣ ምስ ብዙሓት መማህራን (ብፍላይ ተጋደልቲ) ኣብ ሕቶ ምደባን ካልእን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ቀጻሊ ግጭትን ቆይቚን ክኣትዉ ይረኣዩ ነይሮም። እዝከረኒ ሽዑ እዋን “ምስ እገሌ ኣይሰርሕን ኢየ፣ ናብዚ ቦታ’ዚ ኣይከይድን ኢየ…” ዝብሉ መማህራን ኣብ ኮሮድዮታት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብብዝሒ ይረኣዩ ነይሮም።

እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን። እዞም ሓደስቲ ዝተሾሙ ሓለፍቲ (ንኣብርሃም ተኽለን ወልዱ በርሀን ገዲፍካ) ኩሎም ካብ ሓደ ኣውራጃ ብምንባሮም፣ ንመጀመርያ ግዜ ኣብቶም ተጋደልትን መማህራንን ንኣውራጃዊ ምጥርናፍ ብዝምልከት፣ ካብ ትሒምሒም ሓሊፉ ዓው ኢልካ ምዝራብ ስዒቡ። እቲ ቅድም ክንጽመሞ ዝመረጽና፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ክድገም ምስ ረኣናዮ ግን ዝያዳ ቁጥዐን ዘይርግኣትን ኣስዒቡ ኢዩ። ካባና ሓሊፉ ናብ ናእሽቱ ኣሕዋትና ክሰግር ድማ ግቡእ ኣይነበረን። ንክብደት ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ስምዒታት ብቓላት ናይ ሓደ ሰብ ክገልጾ ዝሓሸ ይመስለኒ።

እቲ ግዜ ን3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር ምድላዋት ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። ንኣባላት ሚኒ/ትምህርቲ ወኪሎም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ሰባት ንምምራጽ፣ ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ፣ ኣብ ኣዳራሽ ሚኒ/ትምህርቲ ተኣኪብና። ሚኒስተር በራኺ ኣብቲ ኣኼባ “ብምሉኦም ህልዋት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግምባር፣ ብዘይ ምርጫ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ኢዮም” ምስ በለ፣ ሓደ ካብቶም ቅድሚ ናጽነት ከም ሓላፊ ናይ ሓንቲ ዞባ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ድሕሪ’ቲ ሓድሽ ውደባ ግን ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ዝነበረ ተጋዳላይ ከምዚ ዝስዕብ መሊሱሉ፦

“…እዚ ዝጸንሐ ማእ/ሽማግለ ብኣውራጃውን ወገናውን ኣሰራርሓ ክኸፋፍለና ስለዝጸንሐ፣ ብምሉኡ ወሪዱ፣ ንብምሉኡ ተጋዳላይ ዝውክል፣ ሓድሽ ማእከላይ ሽማግለ ክምረጽ ኢና እንደሊ..” ኢሉ ድሕሪ ምዝራቡን፣ ሚኒ/ በራኺ ድማ “… ከም ርእይቶ ነሕልፎ” … ዝብል መልሲ ምሃቡን ጥራይ ዕርገት ናይቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ብቐሊሉ ንምግማት ይከኣል።

ክብ ኢልና ከም ዝረኣናዮ፣ እቲ ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ዝተራእየ ኣወዳድባ፣ ምስቲ ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51ን 58ን ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣተኣሳሲርካ ክረአ ከሎ፣ እዞም ኣብ ክልቲኡ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ብዋጋ ካልኦት ብጾቶም ዝተሾሙ ሓለፍቲ፣ ነቲ ከባቢያዊ ምጥርናፍ፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ነቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። እዚ ኩነታት’ዚ (ብፍላይ እዚ ዳሕረዋይ ፍጻሜ) ንብዙሓት ሰባት ንኹሉ’ቲ ኣብቲ ውድብ ቅድሚኡ ዘሕለፍናዮ ተመክሮን ፍጻሜታትን ተመሊስና በብሓደ ክንግምግሞ ደሪኹና ኢዩ። እቲ ኣሰራርሓ እምበኣር፣ ንነዊሕ እዋን ‘ብዛዕባ ዓዲ ምዝራብ ነውሪ ኢዩ’ ዝብል ሓሳብ ተጎልቢቡ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ሜላ ኢዩ።

ብወገነይ ዋላ’ኳ ሓደ ካብቶም ኣብ 1992 ዓ.ም ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ዕድል ዝረኸብኩ፣ ግን ከኣ “ተጋደልቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃሩ የብሎምን” ብምባል ዕድል ስለዝተኸላእኩ ኣብ ክቱር ስምዒትን ባእስን ኣትየ’ኳ እንተነበርኩ፣ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቁርቁስ ግን ኣይነበርኩን። ስለዚ እቲ ሽዑ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝነበረ ምደባ ናይ ሓለፍቲ ይኹን፣ እቲ ኣብ 1979/81 ኣብ ብርገድ 51 ዝነበረ ምደባ፣ ብቐጥታ ብውልቂ ዝምልከተኒ ኣይነበረን። እዞም ሓለፋ ተገይሩሎም ናብ ሓላፍነት ዝተመርጹ ሰባት፣ ንሳቶም’ውን ነቲ ኣሰራርሓ ንታሕቲ ገጹ ከም ዝወርድ ክገብርዎ ዝሰርሕሉ ምዃኖም ርዱእ ይመስለኒ። ከምኡ ስለዝነበረ ከኣ ኢዩ፣ ነዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ቅጥዒ ዝሰኣነ ኣውራጃዊ ስምዒት መሰረት ዝኾነ።

ብዛዕባ ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ቁሩብ ክዛረብ፦ እቲ ብዶብ ተሳቢቡ ዝተወለዐ ኲናት ደው ምስ በለ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ዘልዓልዎ ሕቶ ተስፋ ምስ ሰኣኑሉን፣ ብዙሓት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናፈጠሩ፣ ካብ ሃገር ክወጹ ክበላሓቱ ተራእዮም። ንባህርያት ናይቲ ውድብ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ሚ/ር በራኺ ግን፣ ምእንቲ’ቲ ዘልዓሎ ሕቶ ዝለዓለ መስዋእቲ ንምኽፋል’ዩ ካብ ወጻኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ። ከም ዝበሃል’ውን (ሓቅነቱ ብሕጂ ዝረጋገጽ) “ከምዝን ከምዝን ኢልካ እንተ-ተዛሪብካ፣ ካብ ማእሰርቲ ኣውጺእና ናብ ቦታኻ ክንመልሰካ” ተባሂሉ ከም ዝተለመነ’ውን ሰሚዕና ኢና። በራኺ ድማ “ኣነ ህዝባውን ሓባራውን ሕቶ’ምበር ውልቃዊ ጸገም የብለይን” ዝብል መልሲ ከም ዝሃበ ተነጊሩና። ስለዚ እዚ ሕጂ በራኺ ፈጺሙዎ ዘሎ ተወፋይነትን መስዋእትን፣ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ንምዕዋቱ ንቃለሰሉ ዘለና ስለዝኾነ፣ ብዝኾነ መልክዑ ዝንቀፍ ኣይኮነን። እንተኾነ ታሪኽ፣ ታሪኽ ዝኸውን፣ ቦታን ግዜን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባትን ብንጹር ምስ ዝቐርቡ ጥራይ ኢዩ። ስም በራኺ ኣብዚ ምግላጹ እምበኣር፣ ነቲ ዘቅርቦ ዘለኹ ኣርእስቲ ንጹር ስእሊ ንምሃብ እምበር፣ ነዚ ሕጂ ፈጺሙዎ ዘሎ መዘና ኣልቦ ተወፋይነትን ጅግንነትን ብዝኾነ መልክዑ ዝብውዝን ዘህስስን ከም ዘይኮነ ኣንባቢ ክርድኣለይ እደሊ።

“ድሕሪ ናጽነት ብኸምዚ ክኸዱ እንተፈቲኖም ህዝቢ ክብተኖም ኢዩ”

ሓደ መዓልቲ ንሓደ ቅድመይ፣ ቅድሚ 4/5 ዓመት ዝተጋደለ፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ደሓን ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝነበረ ናይ ቀረባ ዓርከይን መተዓብተይን ጸዊዐ፣ ንኹሉ’ቲ ክብ ኢለ ዝገለጽክዎን፣ ካልእ ኣብዚ ክጽሕፎ ዘይደለኹን ፍጻሜታት ብዝርዝር ገሊጸ፣ ከምዚ ክብል ሓቲተዮ። ‘… ከምዚ ኢሎም ኣብቲ ውድብ ላዕለዋይ ኢድ ክሳብ ዝሕዙን፣ ሰባት እናመረጹ ብብዝሒ ንደቂ ከባቢኦም ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ክሰቕሉን ከለዉ እንታይ ትገብሩ ነይርኩም? ንስኻ ኣብ 1974/75 ተሰሊፍካ፣ ሽዑ ነዚ ኩነታት’ዚ ተዓዚብካዮ’ዶ? ብንጉሁኡ ንምግትኡ’ኸ ተፈቲኑ’ዶ?...” ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣዝነብኩሉ። ንሱ ንገለ እዋን ዝን ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ፦

“እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ኢዩ። ንስኻ ሎሚ ኢኻ ትዛረበሉ ዘለኻ። ንሕና ግን ሽዑ ናብቲ ውድብ እትው ምስ በልና ኢና ነቶም ቅድሜና ዝተሰለፉ ላዕለዎት ካድረታት ሓቲትናሉ። ሕጂ’ውን እቶም ቅድመይ ኣብቲ ውድብ ዝጸንሑኒ ገዳይም ተጋደልቲ ዝሃቡኒ መልሲ ጥራይ ኢየ ክህበካ። እቲ ሽዑ ዝተዋህበኒ መልሲ ድማ…” ይብል’ሞ ነቲ ቅድም ተነጊሩኒ ዝበሎ ብኸምዚ ይገልጾ። “’እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሓቂ ኢዩ። ኣዘንጊዖሙና ኢዮም። ሕጂ ግን ኣውራጃና ተበዲሉ፣ ንስኹም ጥራይ ሓለፍቲ ትኾኑ ኣለኹም’ ኢልካ ምክርኻርን ንዕኡ ክተስተኻኽል ምፍታንን፣ ተመሊስካ ኣብቲ ናይ 60ታት ኣውራጃዊ ምምቕቓል ምምላስ ኢዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምምቕቓል ዝኸስብ ድማ ስርዓት ደርጊ (ጸላኢ) ጥራይ ኢዩ። እቲ ዝኸስር ድማ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ። እዚ እንርእዮ ዘለና ኲናት ድማ ሓላፍን ተራን ከይበለ ንኹልና ዝበልዓና ኢዩ ዝመስል። ካብ ገዛና ክንወጽእ ከለና’ውን፣ ብመስዋእትና ሃገርና ነጻ ከነውጽእ እምበር፣ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቀርቊስ ክንኣቱ ኣይነበረን። ስለዚ ሕጂ ኩሉ ኣድህቦና ናብ ጸላኢ ገርይና ሃገርና ነጻ ንምውጻእ ንቃለስ፣ ሃገርና ንምርካብ ንሰዋእ። እቲ መስዋእቲ ንዓኣቶም’ውን ዝተርፎም ኣይኮነን። ምናልባት ውሑዳት ናጽነት ዝርእዩ እንተሃልዮም’ሞ፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ብኸምዚ ሕጂ ዝኸድዎ ዘለዉ ክኸዱን ሰብ ክፈላልዩን እንተፈቲኖም፣ ህዝቢ ክብተኖም ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ምፍልላይ ዝቕበል ህዝቢ ኣይኮነን። ንሕና ድማ እምነትና ኣብ ህዝቢ ገርና ንኺድ። እቲ ዝተረፈ ንህዝቢ ንግደፈሉ፣ ህዝቢ ባዕሉ ክምልሰሉ ይሓይሽ…’ ዝብል ኢዩ። ንስኻ ዘይትፈልጦ ካልእ ውደባ’ውን ኣሎ። እቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተዋህበኒ መልሲ ድማ ነዚ ይመስል። ንዕኡ እኣምን፣ ንዕኡ መሰረት ገይረ ድማ ክሳብ ሎሚ እቃለስ ኣለኹ…”

… ክብል ዘረብኡ ድምዲሙ። “ንስኻ ዘይትፈልጦ ካልእ ኣውዳድባ’ውን ኣሎ” ምባሉ፣ ድሒረ ከም ዝተረዳእኩዎ፣ ንኣወዳድባ ናይታ ውሽጣዊ ሰልፍን ንሳ ኣብቲ ጉዳይ ዝነበራ ተራን ማለቱ ኢዩ።

እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣበሃህላ ከም ዘነጽሮ፣ እዚ ወገናውን ኣውራጃውን ምጥርናፍ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ፣ ዳርጋ ምስ ምምስራት ናይቲ ውድብ ዝጀመረ ዓሚቝ ሰረት ከም ዘለዎ ኢዩ። ሓደ ወገን ነዚ ሜላ’ዚ ከም ናይ ሓዋሩ ናይ ስልጣኑ መረጋገጺ ክወስዶ ከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ግን ኣብ መንጎ ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ምንባሩ ኢዩ ዝሕበር። ንሱ ድማ፦

  1. ነቲ ድሮ ጀሚሩን ተኣታትዩን ዝነበረ ኣውራጃውን ወገናውን ምጥርናፍ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከም ዘለዎ ተቐቢልካ፣ ምሉእ ዓቕምኻ ናብቲ ቀንዲ ሃገራዊ ሕቶ ኣተኲርካ ምቅላስ
  2. ነቲ ቀንዲ መግዛእታዊ ሕቶ ንግዜኡ ኣወንዚፍካ፣ ንዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ቀዳምነት ሂብካ ኣንጻር’ቲ ጠንቂ ዝኸውን ዝነበረ መሪሕነት ምቅላስ። እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ ኣመራርሓ ኣፍሪስካ ሓድሽ ውደባ ክሳብ ምፍጣር ዝኸይድ ኢዩ።

እቶም ሽዑ ዝነበሩ ላዕለዎት ካድረታት እምበኣር ነቲ ቀዳማይ ምርጫ ከም ዝወሰዱ ኢዩ ዘነጽር። ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከም ዘዕልልዎ’ውን ውድብ ኣብ ሓደጋ ምብትታን ምስ በጽሐ፣ ‘ህዝባዊ ሓይልታት ክብተን የብሉን’ ዝብል መርገጺ ከም ዝወሰዱን፣ ካብ ሓደጋ ምብትታን ንምድሓን ድማ ጸግዒ ናይቲ መሪሕነት ከም ዝሓዙን ይዛረቡ ኢዮም። ከምዚ ኢሉ ከኣ እቲ ድሒሩ ግዝያዊ መንግስቲ ዘቖመ ህዝባዊ ግምባር፣ ብዓቢኡ ብደቂ ከበሳ ዝዕብለል፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሓሪ ውድብ ኮይኑ ማዕቢሉ

ኣብዚ ንእግረ መንገደይ ከብርሆ ዝደሊ ነጥቢ’ውን ኣሎ። ዋላ’ኳ ኣካል ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ ገይረ ከቕርቦ እንተዘይደለኹን፣ ገና ስፍሕ ዝበለ መጽናዕቲ ዘድልዮን እንተኾነ፣ እዚ ኣውራጃዊ ምክፍፋል፣ ኣብተን ሰለስተ ናይ ከበሳ ኣውራጃታት ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ካብ ኩሎም’ቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ኮነ ሎሚ ኣብ ዘመነ ህግደፍ፣ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩን ዘለዉን ደቂ መታሕት፣ ኩሎም ደቂ ባርካ፣ ሳሕል፣ ሰንሒትን ደንከልን ተደሚሮም፣ ካብ ተወልድቲ ሰምሃር፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ሕርጊጉን ከባቢኣን ዝበዝሑ ኣይመስለንን። ስለዚ ኢሰያስን ጉጅልኡን ነቲ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ኣብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ብማዕረ (ኣብ ኣስላምን ክርስትያንን) ብቑል ካብ ዝብል፣ ከም ፖሊሲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ሜላ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ምስኡ ተኣሳሲሩ ድማ ጉጅለ ኢሰያስ ኣብየናይ ኮረሻ ተወጢሑ ከም ዝመጸ ክበርህ ይግባእ።

… ይቕጽል


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...