እዚ’ውን ይሓልፍ!
ምሕላፍ’ሲ ይሓልፍ
ናብ ሰማይ ድ’ዩ ዝሃፍፍ
ንባሕሪ’ዩ ዝጸፍፍ
ወይስ
ናብ ገደል’ዩ ዝሃትፍ።

ንምሸቱኸ
ክኽሕስ ድዩ ክድብስ
ከፍርስ’ዩ ከብርስ።
አረ እንታይከ’ዩ ዝገድፍ
ዝጸንሕ ዝተርፍ።

‘እዚ’ውን ይሓልፍ’
ዝብል!
ናይ ጽንዓት ጽሑፍ
ናይ ተስፋ ምርኩስ
ኣበ’ጻምእ ኣበ’ጻድፍ፣
ንናይ ሙሴ ጽላት … ኣብ ትመስል ቁራስ
ብናይ ኤርትራውነት ደም ምስ ረሃጽ
ተጻሒፉ’ሎ ኣብ ናይ እምኒ ትርኣስ።
ይበሃል!

እሞ ድማ …. ኣብ ግዝኣት ንግስተ ሳባ
ንግስቲ’ኽሱም ዝነበራ … ብናይ ቀደም ዘረባ
ተረኺባስ ድሮ’ኳ ናብ ዓለም ቀሪባ።

‘እዚውን ይሓልፍ’ ዝብል ቃል … ናይ ስቓይ ከርከባ
እንተ ሰሚዐን’ሲ ….. ኣጋዕዝ ኤርትራ
እንታ’የን ክዝክራ?
ታሪኽ በዓለ’ደዓባይ ክብራ
በዓል ይማ ዛህራ
ገዝአን ኣርሕየን ኣጋይሽ ዝቕበላ
ሓዳረን ኣጽፊፈን … ግዱዓት ዝሰትራ።

ኣጋዕዝ ኣኽርያ … ኣጋዕዝ ማይበላ
ወጮ ሓራስ-ማርያም … ክሓጽባ
ሰለም ከየ’በላ … ብኾፈን ዝሓደራ
ታሪኽ ኣደታት ድየን ክዝክራ።

ናይ’ተን ዓበይቲ .. ወራዙት በላሕቲ
ዓረቕቲ …. ሸምገልቲ
ኣጋይሽ ተቐበልቲ … ጭዋታት መናበርቲ።

ብገዓት ብጠስሚ … ብልኻይ ብጸባ
መንገደኛ ሓራስ ኣማሚቖን  ዕልል ከምዝበላ
እንተዘኪረን’ሲ እንታይ’የን ክብላ?

ዓቕሊ ድየን ክጽብባ

ወይስ!

ዋዕ ኢለን’የን ክዛረባ።

ኣብ ገዛን ኣብ በረኻን … ናይ ኢደን ካብ ዘይረኸባ
ነ’ስመራ ድየን ንሲናይ ከምርራ

ወይስ!

እንዳአን’የን ክኹስትራ
ለውጥን ዕርቅን ምእንቲ ክቕበላ።

ምናልባት!
ዘራይ ክጽውዓ … ኣብ ቅርዓት ድ’የን ክሓድራ።

ምእንቲ ኽብሪ’ተን ኣዋልድ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝተደፍራ
ምእንቲ ሬሳታት ናይ ደቀን  ዝተጓሕፈ ብኹምራ
ክምህለላ ድየን … ክፍክራ።

ኣደታት እንታ’የን ክብላ!
ጸጉርን ጽፍርን ድየን ክቕበላ
ካልኣይ ቀብሪ ንኽገብራ።

ናይ መንእሰያት ኤርትራ
ልቦምን ኩላሊቶምን ተጠቢሑ ብኻራ
ሓውል! ሓው…. ል!! ብዝብል ፈኸራ
ተሸይጡስ ይልወጣ’ሎ ንባጤራ።

ኣብ’ዛ ቐረባ ስግር ናይ ናኹራ
ናይ ቀደም ግዝኣት ንግስተ ሳባ
እንዳሰምዓስ ደቂሰን’የን ክሓድራ?

ወይስ!

ኣታ’ዛ ኤርትራና ደኣ!!  ሕጂ’ንድ’ያ ተደፊራ
ንሕና ብሂወትናስ … ዜግነትና ተቐቢራ።

ሕንጦ ጓለይ ኣቐብልኒ’ቲ ኻራ
ኣብ’ቲ ኽሽነ!
ምስ’ታ ጻሕሊ’ላ ተቐርቂራ።

ሕንጦ ጓለይ ኣንቲ ብርሃን ዓይነይ ጉድ’ኮ ኢና ረኺብና
ኣሕዋትኪ ወዶም ጓሎም ይብተኑ’ለዉ ከም ደቂ ዛግራ
ይጥብሑ ብጽንጽሕለ ብጎዲብ ካራ
እዛ እግረይ ትሰበር ክርትም ኢላ
ምእንቲ’ዞም ደቀይ ዘይትጎዪ እንተኾይና።

ዕንዱ ወደይ ኣጆኻ
ከርክቡና’ዮም ኣቦኻ
ምስ ረኣዩ ዛ’ጎያዪት እግርኻ
ጎድ’ዮም ረኺቦም በዓለ’ያኻ
ሃየ ደኣ ኣርክበኒ ኢኻ።

ዓለም ብዓለማ …. ብዕድሎም ሓዚና
ካብ ዓዲ ዓረብ ክሳብ መክሲኮ ብስእሎም …. ባህሪራ።

ቐልጥፊ ሕንጦ!
ነ’ቦኺ’ተስእዮም … ኣቐብልዮም ጭማራ
ኣይትጸበይኒ ዛ’ጓለይ! … ዛ’ዂናት ባዕለይ’የ ክውዕላ
ምስ ደቀይ ይሕሸኒ ካብ’ዚ ኹሉ መከራ
በዓለ’ቦኺ ኣይመስሉን ዘለዉ ነዛ እዋን ዘቕለቡላ።
ድየን ክብላ።

በርበረ ክቖጽራ
ዓድን ባሕርን ከበራብራ
ተለዓል ኤርትራዊ ጅግና
ይብላ ዶኾን ይኾና ይድብላ።

ወጮ ጓቲተን እንዳተማህለላ
ንቐዳሞት  ምምሳል … ክፍትና
ሎሚ ድየን ጽባሕ ክጅምራ
ምእንቲ ሕግን ንቡርን ክምህለላ።

ስብእነት!

ስብእነት ካብ ተሓብአት ድሕሪ ማዕጾ
ኣደታት…. ስሒበን መሰንጾ
ነዚ’ርሓ ውሻጠ በላዕ ሕምቶ
ገለ እንተተሰወጦ
ኣውርዳ’ዛ ታንኪ ካብ’ቲ ፎርቶ
ወድ ኣይተ! በል ጉልባብካ ክፈቶ
ንጎቦታት ሲናይ ብመዳፍዕ ሕረሶ
ናይ በደዊን ግፍዕታት ኣምክኖ መክቶ
ምኸር ምስ ህዝብኻ ይተኣከብ  ባይቶ።

ኣንታ ገልዒ ስባር-መቐርሰሚቶ
ኣርሓ ውሻጠ በላዕ ሕምቶ
‘እዚ’ውን ይሓልፍ’ከ .. ምስታሪኽካ ድዩ ክዝንቶ።

ርሓቕ ካብ’ዛ ቕድመይ … ኣይትረኣየኒ!
ብሰንክኻ ዓቕለይ ጸቢቡኒ
ወድ’ዛ እብሽቲ ማእምን … ክንደይ መዓልቲ ከተታልለኒ
ደጊምስ ይኣኽለኒ
ርሓቕ ካብ’ዛ ቕድመይ …. ኣይትረኣየኒ።

ኣታ’ርሓ ውሻጠ በላዕ ሕምቶ
ይኣክል ብስም ባድመ!
ኣብ ገበላ ሕልኽልኽ ከም ባሬቶ
ይኣክል ምዕዋል ኣብ ኮምብሽታቶ
እዛ ዘውድኻስ ከመይ ትሕቲ መሬት ትእቶ
ንሎሚ ዘይትኸውን እንተኾይናስ የብላን ትሕዝቶ።

ብሰንክኻስ!

እዚ ኹሉ ጥፍኣት
ዘይትመን ብኣሃዝ።

ካን!

‘እዚውን ይሓልፍ’ ብዝብል ጽንዓት
ተተሓሒዝካ ምጽዳፍ
እንተተረኽበ ምዕራፍ
ተቖጺሩ ብልሓት።

ዋይ ውርደት!
ንስኻ …. ትሰክር ትስሕቕ
ደም ደቅና ፈቐድኡ የብረቕርቕ
ዓይኒ ፍጡር ይደጉሕ … ክቐይሕ ክደምቕ
ናብ ምሉእ ዓለም ይዝዕግ ይዘቁቕ።

ንደቂ ኣዳም ዘደንቕ
ኣብ’ቲ ናይ በረኻ መንደቕ
ናየ’ጻምእ ጠበቕ
ርእሱ ከብል ነቕነቕ
ሓቁ’ንድ’ዩ ክጭነቕ።

አረ!

መን’ዩ ተርጒሙሉ … ኣብጽሒሉ ወረ
ቀይሕ ደም ርእዩ … ርእሱ ክር ዘበለ
በታ ነቓዕ ከውሒ ዝተቐልቀለ።

‘እዝ’ውን ይሓልፍ’
ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ድዩ ዝሓዘነ
ዘራይ ክጽውዕ ዝነጠረ።

መንእሰይ

ክጥባሕ ምስረኣየ ….. ብጽንጽሕለ
ከመ’ቦታቱ ከም’ታ ክእለቱ ደባሕ! ዝበለ
መጽሓፊ ትኸውን እምኒ … ብጽፍሩ ዝፈንቀለ።

በሉ!

ጠበቕ’ኳ ግድኡ ዝገበረ
ኣለናዶ…..? ደቂ ኤረ።

እንታ’ዮም ዝበሉ’ቶም ወኻሩ
ኣብ’ቲ ጠራይር ዝነበሩ

በጃኹም ጋሻ’ኽብሩ
ጋሻ’ኽብሩ … ድዮም ዝበሉ
ዝተማሕጸኑ።

በዚ ዓድኹም ሳዕሪ’ኳ ዘይቦቕለሉ
እዞም መንእሰያት ጽንዓቶም ዘመስከሩ
ብእንዳ ዝናን-ባህታን ዝተደናገሩ
ናብ ምድሪ ተስፋ ምእንቲ ክሳገሩ
በዚ መሬትኩም!

ሕልፍ እንተበሉ …. ከይሓደሩ ከይወዓሉ
ኣራግጽ ጠፊእና ትብሉ
ክሉ! … ይበዝሓ’ሎ ኣስተባህልሉ።

ክሳብ ክንድ’ዚ!
ብተግባርኩም ሓዚኖም ከስተማስሉ
‘እዚ’ውን ይሓልፍ’ እንዳበሉ
ብኻራን ብሓውን ይቃጸሉ
አረ በጃኹም ሕልና ግበሩ።

ድዮም ዝበሉ ቶም’ወኻሩ
ኣብ’ቲ በረኻ ዝነበሩ
ተረፍ መረፍ ክምእርሩ።

ኣደታት በለዛ .. መርዑት ማይ ስርዋ
‘እዚውን ይሓልፍ’ ዝብል ለበዋ
ደሃይ መንእሰያት ደቀን ኮይኑ ምስረኸባ
ክኽልኦ ድየን …. ወዘራዝር ማይበላ።

‘እዝ’ውን ይሓልፍ’
ዝብል ዓቢ ዘረባ
ናይ ንእስነት ዛዕባ!
ናይ ትማሊ መረረ
ብሎሚ ዝተዳህለ
ብሕጂ ዘንጸርጸረ

ናብ ጽባሕ ዘንቃዕረረ
ናይ መንእሰይ ምህላለ
ከምዝዝከር ዝገበረ
ጽሕፈት ናይ ወሓለ
ተቐሊሙ እነሀለ።

ዓቢ ዕማም’ዩ ንደቂ ኤረ
ጀብሃን ሻዕብያን ከይበለ
ደጋፋይን ተቓዋማይን ከይፈላለ
መስተርሆት ይፍጠረልና ብገለ
ብሓባር ንመኽረሉ … ንሰላም ንምዕባለ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ!

Daniel T Teclegiorgis (11-11-11)

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...