ሃገራዊ ጉባኤ ዓቢ ስብሰባ

ካብ ርሑቕ ዝመጹ ካብ ቀረባ

ተኣኪብኩም ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ይግበረልኩም ዘዕውት ኣኼባ

ህዝብና ክወጽእ ካብ ጸበባ።

 

በጃኻትኩም ዋሕሊልኩም ሓንጽጹ

ተጠንቂቕኩም ቡዙሕ ኣይትህጸጹ

እምኒ መሲልኩም ዓፍራ ከይትረግጹ

ኣድሕንዎ ህዝቢ ተዓሚጹ

ብወገን ሃይማኖት ከይትመጹ

ብዓወት ብደስታን ከምትመጹ።

 

ሓቢርካ እትገብሮ ተመልከቱ

ረኣይዎ እንታይ ኣበርኪቱ

መጬረሽታ ከመይ ተዓዊቱ

ካብቶም ዝሓበሩ ተመልከቱ

ዝሓበረ ዘይጠፍእ ብከንቱ

ካብ ምውጣጥ ሓድነት ሕተቱ።

 

ህዝብኹም ክጽበ ብሃንቀውታ

ኣኼባ ክፍጸም ክሰምዕ እልልታ

ሓጎስ ክስምዖ ኣብ ዝኾነ ቦታ

ሕሽኽሹኽ ግደፉ ሕደጉ ሕሜታ

ወገን ወይ ሃይማኖት ከይትህብዎ ቦታ

ምእንቲ ከይሕጎስ ጸላኢ ሰላሕታ

ብሓባር ክትነብሩ ብሓጎስ ብደስታ።

 

በጃኻትኩም ግደፍዎ ጉርሒ

ኢሳያስ ከይኮኖ መሳርሒ

ንዕድሚኡ ቁሩብ መናውሒ

እንተዘይተዓዊትኩም መመኪሒ

በበይንኻ ዘይርከብ ፍትሒ

ምምይያጥ ኣሎዎ መፍትሒ

ህዝቢ ዝመረጾ ዘርብሕ መራሒ።

 

ኣድሕንዋ ሃገር ከይመኸነት

መንእሰይ ይጠፍእ ካብ ዕለት ናብ ዕለት

ኣብ ክንዲ ትስስን ትኸይድ ቁልቁለት

ለባማት ሕሰቡ ሃገር ከይጠሓለት

ጸወታ ግደፉ ወገን ወይ ሃይማኖት

ቁኑዕ ወዲ ሃገር ይፈቱ ሓድነት

ጉዳይ ሃገር‘ዩ ግደፉ ኣንነት።

 

ለባማት ኣሎዉ ወረጃታት ሃገር

ቅድሚ ኣኼባኹም ሕሰቡ ቁምነገር

ብሂወቱ ኮሎ ወዲ ሰብ ይቕበር

ኣይትሸባሸቡ ግበሩ ቁምነገር

ኣብ ስልጣን ቅድድም ዘይጠቅም ንሃገር

እቲ ስርዓት ዝደሊ ነዚ ከምዚ ነገር

ዓቢ ሓገዝ‘ዩ ስልጣኑ ክኽብር።

 

በጃኻትኩም ብቁኑዕ ፍረዱ

ክንዲ ቅድሚት ድህሪት ኣይትኺዱ

ስደተኛ ክምለስ ንዓዱ

ህዝብና ከይተርፍ ተሰዲዱ

ሙሁራት ኮሎኹም ናብ ስልጣን ትዓብዱ

ህዝቢ ከይመረጸ ትህንደዱ።

 

ዕድል ከይትህብዎ ኣጽኒዕኩም መክቱ

ደይ መደይ ኢሉ ኣብ መንጎ ዝኣቱ

እንተተበቲንኩም ዓቢ ዝዓወቱ

ህርኩት ወዲ ሃገር ሓድነት ይፈቱ

ንዑ ንቀላጠፍ ከረክብ ኣሕዋቱ።

 

ተጠንቀቑ ብቅኑዕ ሓንጥጡ

ነዚ ዓቢ ዕድል ከይተምልጡ

ኣብ ስልጣን ኣብ ወገን ትዋጠጡ

እንተዘይተዓዊትኩም ባዕልኹም ትፈልጡ

ብወገን ሃይማኖት ትሽቅጡ

ኢሳያስ ይድቅስ ኣራጢጡ።

 

ኣብ መገዲ ካብ ትታፋነኑ

ህዝብኹም ዘድሕን ትፍትኑ

በቶም ሽማግለ ዘይትሓዝኑ

ካብ ሸሞንተ ሓደ ዝሰኣኑ

ዘይኽእሉ ደቆም ክውንኑ

ወላድ ከሎ እቲ ሰብና መኺኑ።

 

እንተዘይተዓዊትኩም ብውዲ ብግዲ

ቀረባ‘ያ ነስመራ መገዲ

ኣብ ብርኩ ትወድቁ ነቲ ወዲ

ፈቲኹም ጸሊእኩም ክገዝእ ናይ ግዲ

ኩንትራት የብሉን ዝሃቦ ብግዲ

ባዕሉ ነጊርኩም ቅንዕቲ መገዲ

ድላዩ ክገብራ ነታ ዓዲ

ዘይቅየድ ብሕጊ ብፍርዲ።

 

እስከ ናብ ደቅኹም ቁሊሕ በሉ

ክንደይ ጎበዝ ኣብ ዶብ ተቐቲሉ

ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ባሕሪ ጢሒሉ

ኣብ ታሪኽ ዘጸይፍ ብቐሊሉ

ከም እንሰሳ ከብቲ ዝድልሉ

ዓጽሚ ኤርትራውያን ከመይ‘ሉ ቀሊሉ

ንባሳጆ ከይዶም ይብሎም ኣሽካዕሊሉ።

 

እንታይ‘ዩ ጠፊኡና ጉዱ

ሽግርና መሊሱ ገዲዱ

እቶም ጨካናት ኣምላኽ ዝኸሓዱ

ብስስዔ ገንዘብ ዝዓበዱ

ንወዲ ሰብ ብካራ ዝፈርዱ

ብጠጠዎም ኩላሊት ዝወስዱ

ኣይኮነን ዝርኢዝሰምዕ ሰንቢዱ።

 

ቴጌሩ ዘፈልጥ ተሰሚዑ

ብጠጠዎም ከብዶም ተበሊዑ

ጎበዝ የእዊ‘ሎ ተጠሊዑ

ክሳብ ክንደይ ሰብና ተጠቒዑ

ንገሩሎም ንዓለም ጸውዑ

ነዚኦም ረሲዖም ይስዕስዑ።

 

ባህልና ጠፊኡ ኣብ ቁሩብ ዓመታት

ደቂ ሃገር እንዲዮም ከም ኩሉ ዜጋታት

ኣበይ ከይደን ርህሩሃት ኣዴታት

እንካብ ዝጭክና ሓሊፉ ዓመታት

ገለ ዝስዕስዓ ኣብ ርእሲ ሬሳታት

ማሕጸን ነቒጹ ኮይነን መበለታት

ኤእውያሎም ናብ ኩሉ ቦታታት።

 

መዓት ወሪድዎም ይሃብኩም መስጠኦም

ብሂወት ተሸይጡ ሬሶኦም

ብዋጋ ዕዳጋ ኣብ ርእሲኦም

ስጋ ጉዚ ኮይኖም ኣይትርኤ ኣዲኦም

እዞም ዝድልሉ ጠፈኣና ቦትኦም

እዚ ዝስርሖም ኣሎዉ መሊኦም

መዓልቲ ግን ኣሎ ዝመጽእ ጊደኦም።

 

ረኣይዎ ህዝብና ረኺሱ

ነዚ ሽግር‘ዚ ዘይተልግሱ

ግደፍሎም ነቶም ዝነኣሱ

ብወገን ሃይማኖት ዘይግደሱ

ብስምምዕ ሓባር ዝብገሱ

ሓሳባቶም ሓደ ዘይሕውሱ

ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ ሓሳባቶም ንሱ

ኤርትራ ምስ በሉ ዘይምለሱ።

 

መርሓባ መንእሰይ ብሓባራ

ትሸዓተ ብሄራት ዝተጠመራ

ሓንቲ ጻውዒቶም የሎን ዝቕይራ

ካባኹም ተስፋኣ ሃገርና ኤርትራ

ናትኩም ኢያ ዊዒላ ሓዲራ

ዲሞክራሲ ክትከውን ኣስመራ

ብኣፎም ገይሮም ሰንጋፉራ

ብዘይ ሕጊ ቅዋም ዘይተገብራ

ኣብ ዓለም ትነብር ተመሪራ።

//

ቅድሚ ኩሉ ድሕነት ህዝብን ሃገርን!

ክንዲሺሕ ገብረዝጊ ጀርመን

ኣባል ኤህም

14/11/2011

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...