ሃገራዊ ዋዕላ ሳልሳይ መዓልቱ (2)


ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣገባብ መስርሕ ተንቲና፣ ብዛዕባ እታ ብ14 ዝቖመት ሽማግለ ምርጫ ስራሓ ወዲኣ ከምዘላ ብምንጋር፣ ካብቶም ሽማግለ ምርጫ ሹድሽተ ዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ገዛ ቀሪቦም ዝገብርዎ ክነግሩ ድሕሪ ምጽዋዕ፣ ሓላፍነታ ኣረኪባ። (ስኢሊ  ኣሰናዳኢት ኣብዚ) እዚኣ ኣምራጺት ሽማግለ፣ ብመሰረት ተሳተፍቲ ዝተሰማምዕሉ ኣገባብ፣ ነሓሰ 2 ድሕሪ ቀትሪ፣ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦ፣ ካብ ሲቪል ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ውድባትን ተመሪጻ ብዝመጸት 14 ዝኣባላታ ትማሊ ቆይማ ነይራ። እዚኣ ሽማግለ ምርጫ ብቕዓትን ክእለትን ናይቶም  ኣብ ሰክረታርያት ኣባላት ዝኾኑ ድሕሪ ምምማይ፣ ንዋዕላ ዝመርሑ 17 ኣስማት ንሰክረታርያት ክኾኑ ኣቕሪባ።

እዚኣ ሽማግለ ኣስማት ናይዞም 17 ድሕሪ ምትንታን፣ ነዛ ተረቁሓ ዘላ ሰክረታርያ ብኣላላይነት ሽማግለ ምርጫ ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ቀሪባ ድሕሪ ምልላያ፣ ሃገራዊ ዋዕላ ድሕሪ ዘተ ብሙሉእ ብፍጹም ስምምዕ ተቐቢልዎ። እዞም 17 እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

1. ሓምድ ኣደም ሱለማን (ተ.ሓ.ኤ.) 
2. ሃይለማርያም ተስፋይ (EMDG)
3. ሰመረ በይን ህ.ግ.ደ.ኤ, (ሳግም)
4. ክብሮም ብርሃነ (ካናዳ)
5. ከማል ዓብዱልራሕማን (መዓስከር ስድተኛታት ሽመልባ)
6. ዓብዱላሂ ሳልሕ ሓምዳይ (መዓስከር ስድተኛታት ሽመልባ)
7. ኣልኣሚን ዓብደላ ኢድሪስ (ኣውስትራልያ)
8. ማሕሙድ ዑስማን ኢብራሂም ኣደም (ኤርትራዊ እስላማዊ ጉባኤ)
9. መሓመድ ስይድ መሓመድ (ሰልፊ ጉባኤ)
10. ኢድሪስ ጌሳ (ስልፊ ፍትሒ ኤርትራ)
11. ተወልደ ምናሴ (ደምሓኩኤ)
12. ዓሻ ጋዕስ (ሽወደን)
13. ፍረወይኒ  ገብረጻድቕ (ብውልቂ)
14. ሳልሕ ሰባሕ (ፈደራላዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ) EFDM
15. መሓሪ ኣብርሃም (መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት አውሮጳ)
16. ነጸረኣብ ኣስመላሽ (ግሃደኤ)
17. ነስረዲን ኣሕመድ ዓሊ (ወኪል መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ) 

ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ማለት እቶም ኣብ ምምማይ ብመጀመርታ ደረጃ ተሰሪዖም ዝነበሩ፣ ኣብ ቅድሞ ዋዕላ ክቐርቡ ተጸዊዖም።  ኣምራጺ ሽማግለ፣ በብሓደ ናብ ቅድሚ ዋዕላ ስሞም እናጠቐሱ ብምጽዋዕ ብሰላምታ ናብ መድረኽ ኣላለይዎም። እዞም ኣርባዕተ፤ መሓሪ ኣብርሃም (ኣውሮጳ)፣ ዓይሻ ጋዕስ (ሽወደን)፣ ሃይለማርያም ተስፋይን (ኣሜሪካ) ሓምድ ኣደም ሱለማን (ሱዳን) ኔሮም።  እዚኦም  ነቲ መድርኽ ብስም 17 ሰክረታርያት ተረኪቦም ኩሎም ሰክረታርያት ድማ ጽባሕ ክጅምሩ ኣብ መስርሕ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ። ሽማግለ ምርጫ በዚ ጉዳያ ድሕሪ ምውዳእ ኣኼባ ሃገራዊ ዋዕላ ንጽባሕ ንግሆ ክቕጽል ምዃኑን ሰክረታርያት ከምዝመርሕዎን ሓቢራ ናይዚ መዓልቲ ኣኼባ በዚ መልክዕ ተዛዚሙ።  

ሜድያ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበር ኣውሮጳ

ካብ ኣዲስ ኣበባ   


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...