ንጉባኤ ሀገራዊ ዋዕላ ኤርትራ
አዲስ አበባ - ኢትዮጵያ
--------------------------------
ሮማ፡ 30 ሐምለ 2010 ዓ.ም.ፈ.
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን ቢስሚላህ አልራሕማን አልራሒም አልሐምድሩላ 

ክቡራን ደቂ ዐደቦይ፣ ምሉእ ሰላምን ኵሉ ሠናይን ይጸግኹም ልዑል-ፈጣሪ። ንፍቑር ሕዝብናከአ፡ ሐሳባት ልቡ የሥምረሉ።

አብ ጉባኤኹም ክሳተፍ ዘመኀላለፍኩሙለይ ዕድሜ በጺሑኒ። “ክቡር ማዕረ ርእሱ የኽብረካ” ከም ዚብሀል፡ ንጭዋነትኩም እናመጐስኩ፡ ብዝገለጽኩሙለይ አኽብሮት ፍጹም ከምዝተሐጐስኩ አፍልጠኩም። እግዚአብሔር ይሀበለይ እዞም አኅዋተይ። ፍቓድ አሕሉቕተይ ኮይኑ፡ አብ መንጎኹም ብአካል ክርከብ ስለ ዘይክእል ግን፡ በዛ መልእኽተይ ገይረ እጽምበረኩም።

አብ’ዛ እዋን እዚኣ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ከም ሕሱም ዚሀርፋን ዚጸምኣን ዘሎ ነገር ሥምረትኩም ከምዝኾነ፡ ሕፃን እኳ ይርድኦ። እኳ ድአ፡ ካብ’ቲ ብመንግሥቲ ሕ.ግ.ደ.ፍ. ዚወርዶ ዘሎ ግፍዕታት፡ ናታትኩም ዘይምስምማዕ ዚያዳ ከም ዜሣቕዮ ዘይከሐድ ሐቂ እዩ። እወ! እዚ ዘይምስምማዕኩም፡ ካብ’ዚ ሕሱም ትዕድልቱ መዋፅኦ ዘይርእየሉ ግብ አብ ዝበለ ጸልማት ስለ ዚጥንጥኖ! ነዚ ሎሚ ኤርትራ ዘላትሉ ዜንብዕ ኵነታት፡ “ንሕና ኢድና አየእተናሉን!”፣ “አይደለናዮን!” ክንብል ንኽእል ንኸውን ኵልና። ኪቕይሮ/ኬመኀይሾ ዚኽእል ገለ ተጨባጢ ነገር እንተ ዘይጌርና ግን፡ ንሕና ከም ዝፈጠርናዮ እዩ ዚቚጸር። እዚ ከአ ብሐቂ ዜሰንብድ ኀላፍነት እዩ!!! በዚ ዝመጸ፡ እቲ ሕዢ ብዙኅ ዚሣቐ ዘሎ ውጹዕ ሕዝብና፡ ነዞም አብ ወፃኢ-ሀገር ዘሎና ኪፈርደልና እዩ።

ብፍላይ ከአ ንአኻትኩም መራሕቲ ተቓወምቲ ኀይልታት፡ “ሞት ክሳብ ንምነ ክንገዐር እንከሎና ንስኻትኩም ንሥልጣን ትቈራቘሱ ኔርኩም” ኢሉ ኪነጽገኩምን ኪዅንነኩምን እዩ። ሐደ መዓልቲ፡ ዊንስቶን ቸርችል፡ ንአመሪካውይን አመልኪቱ፤ “ብዛዕባ ሐንቲ ነገር፡ ዝከአል ዘበለ ኵሉ ጌጋታት ምስ ፈጸሙ እዮም እታ ቅንዕቲ/እርምቲ ዝኾነት ስጉምቲ ዚወስዱ” ኢሉ ይብሀል። ብዛዕባኻትኩም እውን ከምኡ ኪብሀል እንተተኻኢሉ፡ ሕዝብኹም ዝኀለፈ ጌጋታትኩም ኪምሕረኩም እዩ። ኵሉ ኪርስዖ እዩ። እዚ ሎሚ ትገብሩዎ ዘሎኹም ጉባኤ ከአ ሐደ ካብቲ “ቅኑዕ/እሩም” ዚብሀል ነገር እዩ። ብአኡ ጌርኩም ዝኀለፈ በደላትኩም ክትክሕሱ እንተደሊኹም፡ ሀየ አብ ሐደ ተጨባጢ ፍርያማ ውሳኔ ርገጹ! ልዑል ፈጣሪ ነዚ የብቅዕኩም! ኵልኻትኩም ብዛዕባ ፖሊቲካ ዐሚቚ ፍልጠት ዘሎኩም ሰባት ክንድዝኾንኩም፡ “እዚ ግበሩ፡ እቲ አይትግበሩ” ዚብል ምኽሪ ክልግሠልኩም አይደፍርን። ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ግቡእ ውልቃዊ ጠቕምኻትኩም ንጊዜኡ አወጊንኩም፡ ናብ ረብሓ ናይቱ መከራን ኀዘንን ውርደትን ዜጕስዕ ዘሎ ሕዝብኹም እንተድአ አተኲርኩም፡ ትብልዎ ወይ ትገብሩዎ ዘበለ ኵሉ ኪዕወት’ዩ። እወ! ቀዳሞት አቦታትና፤ “አድቂቕካ ዝመተርካዮን ኀቢረካ ዝመኸርካዮን፡ እቲ አይሐንቕ እዚ አይከፍእ” ብዝበሉዎ መሠረት።

(ኣብ ክንዲ ኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ ዝመጹ ኣባ ሃብተማርያም ዘርአዮሃንስ) 

ክቡራን ደቂ ዐደቦይ፣ ብዝገበርኩሙለይ ዕድሜ ደጊመ ወሮታይ እናገለጽኩን፣ አብ ስራሕኩም ምሉእ አሣልጦ ክትረኽቡ እናተመነኹን፣ አብ ውሽጢ ዐዲ ንዘሎ ጭቁን ሕዝብና እናጸለኹን፣ ብአኻትኩም አቢለ ንመንግሥቲ ኢትዮጵያ ብምትኅብባሩ ብልቢ እናመስገንኩን፣ እፋነወኩም። ብዝቕልጠፈ አብ አሥመራ ብድኀነ ሰላም የራኽበና ፈጣሪ። አሜን ወአሜን! ለይኩን ለይኩን!


ኀውኹም

አባ ተወልደብርሃን ጸጋይ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...