ተስፋልደት ተስሎይ ሎቶሪ ዝሰዓረ

ሓደ 28 ዝዕድሚኡ ኣብ ስዊድን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ክቕመጥ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ተስፋልደት ተስሎይ 1.2 ሚሊዮን ክሮኖር (ናይ ኣሜሪካ $ 167,000) ሎቶሪ ከምዝሰዓረ  ናይ ስዊድን ናይ ዜና ማዕከን ብዕለት 9/6/09 ኣብ ዘውጽኦ ዜና ኣመልኪቱ።

እዚ ምስ ሓው ክቕመጥ ዝመጸ ኤርትራዊ ዜጋ ናይ መንበሪ ፍቓዱ ከምዝተነጽገን ንኽጥረዝ ኣብ መደብ ከምዝነበረ ዝገለጸ ኣብዚ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማዕከን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ እዩ። እዚ ስደተኛ ሓደ ካብቶም ስዊድን ንመበቆል ሃገሮም ክትጥርዞም ተቐሪባ ዘላ 12,000 ዝኾኑ ሓደ እዩ። ብዙሓት ካብዚኣቶም እተን ዝመጹለን ሃገራት ምስ ናይ ስዊድን ሕጋዊ ኣገባብ ስለዘይተሓባባበሩን ብዛዕባኦም እውን ናይ ስደተኛ ዝምልከት ስጉምቲ ስለዘይወስዱ ኣብ ላንጋ ላንጋ ይተርፉ ከምዝኾኑ ናይ ስቶክሆልም ወረዳ ፖሊስ ለዮ ጋርፐንሃይም ገሊጹ። 

ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምዃኑ ይግለጽ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብሰብኣዊ መሰል ምግሃስን ሕዝባ ኣብ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ኩነታት ከምዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ናይ መሰላት ተጣባቕቲ ውድባት ብቐጻሊ ጸብጻብ ዝህባሉ ጉዳይ እዩ። 

ኣቶ ተስፋልደት ነዚ ረኺብዎ ዘሎ ዕድል ናይ ኣካላዊ ተራፒ ትምህርቲ መደብ ንምቕጻል ክጥቀመሉ ምዃኑ ኣብሪሁ።
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...